Back to Top

ሕቶ(62): መይት ንዝኾነ ሰብ ሩሕ ኢልካ ምቅራእ ፍርዱ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ንዝሞተ ሰብ ሩሕ ኢልካ ምቅራእ ማለት ሓደ ዝቀርእ ሰብ አጅሪ ናይቲ ቁርአን ካብ ሙስሊሚን ንዝሞተ ሰብ ንክኾን ሓሲቡ ክቀርእ ከሎ ማለት እዩ። ዓበይቲ ዑለማታት ኢስላም በዚ ዋኒን ዝተፈላለየ ሓሳብ አለዎም። በዚ ሓደ ወገን ብሸሪዓና ዘይተሓንፀፀ፣ እቶም ዝቀርኡ ሰባት ድማ ዋላ`ኳ ንዑኡ ኢሎም ይቅሩኡዎ ብዓርሱ ካብ ዝሰርሖ ወፃኢ ንዑኡ ክጠቅሞ አይክእልን እዩ ዝብሉ ከምዘለው፤ በቲ ኻሊእ ወገን ድማ እቲ ንዑኡ ብዝብል ኒያ ዝተቀርአ ንዑኡ ይኾኖ እዩ፤ ኻልኦት ሰባት ድማ ንዝሞተ ሙስሊም ውልቀሰብ ንእገለ ኢሎም ይኹን ብሓፈሻ ንሙስሊሚን፣ ካብ አዝማድ ንዝኾነ ይኹን ንዘይኾነ ክቀርኡሉ ይኽእሉ እዮም ይብሉ። ምኽንያቱ ካብ ዓይነታት ዒባዳ ንኻሊእ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ዝመፀሉ ስለዘሎ። አብ ሰዒድ ብን ዑባዳ ረዲየሏሁ ዓንሁ ሓዲሥ ብመሬት አታኽልቱ ንዝሞተት አዴኡ ክብል ሶደቃ ምውፃኡ ከምዘሎ(41)፤ ከምቲ ብዛዕባ አዴኡ ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) «እነይ ህይወታ ብሀንደበት እያ ሾሊኻ፤ ተትናገር ኔራ ሶደቃ ንክወፀላ ምበለትኒ፤ ሶደቃ ከውፅአላ `ዶ?» ምስበሎም ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) `ውን «እወ (አውፅአላ)» አብ ዝበሉሉ ሓዲሥ ከምዝርከብ።[42]

እዚአንን እዚአን ዝአምሰሉ ኻልኦት ሓዲሣትን ካብ ዓይነታት ዒባዳ አጅሩ ንኻሊእ ሙስሊም ንክኾን ኢልካ ምስራሕ ከምዝከአል ይሕብሩ። ኸምኡ ድማ እዩ (ይከአል)። ነዚ ሙውት ወገን ዱዓ ምግባርኻ ግን ቁርአን ካብ እትቃርአሉ ዝሓሸ እዩ። ሰናይ ምግባሩ ድማ ንዓርሱ። ምኽንያቱ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) «ወድ ሰብ እንትሞት ካብዘን ሰለስቲአን ወፃኢ ስርሑ ብሙሉእ ይቋረፅ (ካፒታሉ ይዕፆ)፤ ፈሳስ (ቀፃልነት ዘለዎ) ሶደቃ፣ ወይ ከዓ ገዲፍዎ ዝኸደ ዒልሚ፣ ወይ ድማ ዱዓ ዝገብረሉ ውላድ።»(43) ብመሰረት እዚ ሓዲሥ ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝመረፅዎ አገላልፃ “ቁርአን ዝቀርአሉ፣ ወይ ከዓ ሶላት ዝሰግደሉ፣ ወይ ከዓ ዝፆመሉ፣ ወይ ድማ ሶደቃ ዘውፅአሉ ውላድ” ካብ ዝብል “ዱዓ ዝገብረሉ ውላድ” ዝብል ምምራፆም እቲ ዝበለፀ ንምሕባር እዩ። ወድ ሰብ ሰናይ ምግባሩ አብ አላህ ንኽእከበሉ የድልዮ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ሰብ ምስ ሞተ ብክፍሊት ዝፍፅምዎ ምቅራእ ቁርአን አጅሩ ነዚ ሙውት ንክኾን ኢሎም ኸፊሎም ቁርአን ዘቅርኡዎ ቢድዓ እናፈፀሙ እዮም ዘለው። እቲ አጅሪ ድማ ነዚ መይት አይበፅሖን። ምኽንያቱ እቲ ንምቅራእ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብ ዝቀረአሉ ምኽኒያት ንዱኒያ ኢሉ ስለዝኾነ ብአኼራ ነሲብ የብሉን። ረቢና `ውን ብቁርአን «ነዞም ድላዮም ናይዛ ቀረባ ህይወትን ፅባቀን ንዝኾኑ ሰባት ናይ ስራሕቶም ፍርያት ናብአ (ናብ ዱንያ ጥራሕ) ንመልአሎም ኢና። በናይ አኼራ ድማ ብፅሒት (ነሲብ) የብሎምን። እዞም `ዮም እቶም ብናይ መጠረሽታ ዓለም ሓዊ እምበር ዘይተርፈሎም። ስርሖም (ብምኽነያት ኒያኦም ዱንያ ምዃና) አብአ ከሎ ሓሚቁ። ብዱንያ ዝሰርሕዎ ስራሕ `ውን ውዳቅ እዩ።» ሁድ 15-16

አነ ከማኒ በዚአ አጋጣሚ ከምዙይ ዓይነት ስራሕ ልምዲ ገይሮም ገንዘቦም ንዘፍስሱ አሕዋተይ ማዕዳይ የመሓላልፍ። ገንዘቦም ንዓርሶም ወይ ከዓ ንወረስቲ መይት ካብ ከምዙይ ዓይነት ንክሕልው። እዚ ስራሕ `ዚ ብዓርሱ ቢድዓ ምዃኑ፣ እቲ ዝተደለየ አጅሪ ድማ ከምዘይበፅሖ ንኽፈልጡ። ምኽንያቱ ነዛ ክፍሊት ጥራሕ ኢሉ ዝመፀ ሰብ ብዝቀርኦ ቁርአን አብ አላህ አጅሪ አይርከበሉን። ስለዚ እቲ መይት ከይተጠቀመ እዮ እቲ ገንዘብ ዝወፅ ዘሎ ማለት ይኸውን።

 

እዋናዊ