ሕቶ(54): እዚአን አርባዕተ መግለፅታት ዓቂዳ(እምነት)፣ ዒባዳ(መግዛእቲ)፣ ባህርይን ፅቡቅ ማሕበራዊ ርክብን ኩለን ክርከቡን ብዘይገለ ክማልኡን ግድን ድዩ? ካብዚአን አርባዕተ ዘይተማልአ ነገር እንተተረኺቡ ካብ ፊርቀቱ ናጂያ ንኽወፅእ ይገብሮ ዶ? ወይለ ስለዝቀነሰ ጥራይ አይወፅእን?
መልሲ:
ካብዚአን አርባዕተ ዝጎደለ ነገር ስለዘሎ ጥራይ ካብ ፊርቀቱ ናጂያ ይወፅእ ማለት አይኮነን። ግን ከምቲ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ንኩሉ ከም ስርሑ ደረጃ አለዎ” (አል‐አንዓም 132) ከምዝበለ እዩ። ገለ ካብ ዋኒን ተውሒድን ቢድዓን ስለዝቐነሰ ካብዚአ ፊርቀቱ ናጅያ የውፅኦ ንአብነት ወይ ብዛዕባ ዝገብሮ ዒባዳ ወይ ኸዓ ብዛዕባ ዒባዳ ንረቢ ጥራይ ምግባር ዘይተማልአ ነገር እንተኮይኑ ኸውፅኦ ይኽእል፤ ብዛዕባ ባህርይን ማሕበራዊ ርክብን እንተኾይኑ ግን ካብ ክልቲአን ስለዝቐነሰ ጥራይ ካብ ፊርቀቱ ናጂያ አይውፃእ እምበር ገበን ይህልዎ እዩ።