Back to Top

ሕቶ(25): ብሓምሻይ ዓንዲ ኢማን ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸ ከመይ ኢና ንአምን?
መልሲ:

ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን ክንብል ከለና በቲአ ልኡኻት ብሙልኦም መጠንቀቕታ ዝገበሩላ መዓልቲ ምእማን ማለት እዩ። ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዝተብሀለሉ ምኽንያት ድሕሬኡ መዓልቲ ዝበሀል ስለዘየለ እዩ። ወድ ሰብ መጀመርታ አይነበረን፣ ካብኡ አብ ማህፀን አዴኡ ተረኺቡ፣ ካብኡ አብ ዱኒያ፣ ካብኡ ናብ ”በርዘኽ” ይሳገር ድሕሬኡ እያ እታ ናይ መወዳእታ ዕለት ቀጥ ትበል። እዚአን አየን ሓሙሽተ ኩነታት ወድሰብ። ሰብ ሩሕ ከይተፈጠረሉ እንከሎ ንነዊሕ እዋን ይፍለጥን ይጥቀስን አይነበረን።” (ኢንሳን 1) አብ ዝበለ ቀዳመይቲ ኩነት፣ ድሕሬኡ አብ ማህፀን አዴኡ ምስኮነ እዋኑ ወዲኡ ወፅአ አላህ ካብ ማህፀን አዴኹም ዘይትፈልጡ ከለኹም አወፀአኩም” (ነሕል 78) ካብኡ አብዚአ አብ ዱኒያ ይፅዕር፤ ካብኡ አብ ሞንጎ ዱኒያን ናይ መወዳእታ ዕለትን ኮይኑ ናብ አኼራ ይኸይድ። ብመወዳእታ መዓልቲ ምእማን ከም አበሃህላ ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ብዝበሉዎ ኩሉ ምእማን `ውን ስለዘጠቓልል ወድ ሰብ አብ ቀብሪ ብዘሎ ፈተና: መቕፃዕትን ሽልማትን፣ በቲ ናይ መወዳእታ ዕለትን ብኻልኦት ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓዲሥን ቁርአንን ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ብዝኾኑ ብዝመፁን ኩሉ ምእማን ግቡእ እዩ።

ብዛዕባ ፊትነተል ቀብር እንተንዘራረብ ዝሓሸ ይኸውን። እዚ `ውን ሓደ ሰብ ሞይቱ እንትቅበር ክልተ መላኢካታት መፂኦም ብዛዕባ ጎይታኡ፣ ሀይማኖቱን ነብዩን ይሓትዎ። ሙእሚን እንተኾይኑ አላህ ፅንዓት ሂቡዎ ነተን ሕቶታት ብዝግባእ ጎይታይ አላህ፣ ሀይማኖተይ ኢስላም ነብየይ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እዮም ኢሉ ይምልስ። ካብኡ ወፃኢ እንተኾይኑ ድማ “ሀ! ሀ!” ባእ ባእ እናበለ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ። “ሰባት ኽብሉ ሰሚዐ እየ እምበር ዝበልኩ ዝፈልጦ ነገር የብለይን።” ይብል። ድሕሪ እዚ ፈተና ክሳብ መወዳእታ መዓልቲ ወይ ናብ ጸጋ ወይ ኸዓ ናብ ጸበባ ይኾን። ሙስሊም እንተዘይኾይኑ መንበሪኡ ጸበባ ፤ ካብ ሙስሊማት ኮይኑ ገበን እንተነይሩዎ ኸዓ ረቢ ብዝፈልጦ መቕፃዕቱ ምስረኸበ ካብ መቕፃዕቱ ናፃ ይኾን። እዚ መቕፃዕቲ ወይ ፀጋ አብ ነፍሱ እዩ ብዋንነት ዘሳቕዮ ወይ ዘሐጉሶ። ከምቲ ናይ ዱንያ ስምዒት ሓዘንን ሓጎስን አብ አካልና ዝኾን ናይ አኼራ ስምዒትን ሓጎስን ኸዓ አብ ነፍሲ (ሩሕ) እዩ ዝኸውን። ንአብነት እተወቅዐ ሰብ እቲ ቓንዛ ዝስመዖ አብ አካሉ እዩ፤ ይኹን ደአ`ምበር ካብቲ ቓንዛ ነታ ነፍሲ (ሩሕ) `ውን ብፅሒታ አለዋ። አብ አኼራ ዘሎ ግን ናይዚ ተፃራሪ እዩ። እቲ ስምዒት ቓንዛን ሓጎስን አብ ነፍሲ (ሩሕ) መሰረቱ ኮይኑ ነቲ አካል ብፅሒቱ ይህልዎ። ንሳ ክትሳቐይ ከላ አካል ብፅሒቱ ሓዘን ይኸውን፤ ንሳ ዕፃአ ጸጋ እንትኾን ድማ አካል ሓጎስ ብፅሒቱ ይኸውን።

ዓባይ ሰዓት ወይ ኸዓ ዕለት መወዳእታ ክትኸውን ከላ ግን ወድ ሰብ ኩሉ ጥራሕ እግርን ነብሱን ዘይግዙራትን ኮይኖም አብ ቅድሚ ረቢ ከምታ ዝተፈጠሩላ ከየጉደሉ ጠጠው ይብሉ። ከምቲ አላህ ብቁርአኑ ከምታ መጀመረታ ፍጥረት ዝፈጠርና ንመልሶ።” (አንዓም 104) ዝበለ። ካብኡ አብ ቁርአንን ሓዲሥን ከምዝተገለፀ ሒሳብ ይግበር። ድሕሬኡ ወይ ጀነት ወይ ኸዓ ጀሀነም ፍርዲ ይግበር። ጀነት ዝአተወ ምውፃእን ምጥፋእ ብዘይብሉ ዘልአለማዊ ፀጋ ይረክብ፤ ጀሀነም ዝአተወ ድማ ሙስሊም ኮይኑ እንተነይሩ ድሕሪ መቕፃዕቲ ናይ አላህ ሕዘነት ወይ ሸፋዓ ምሰረኸበ ናብ ጀነት ይአትው። አብ ጀሀነም ግን ዘልአለም አይኾንን፤ ካፊር እንተነይሩ ግን አብ ውሽጣ ንዘልአለም እዩ ዝኾን።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ