Back to Top

ሕቶ(1): ዕላማ ምፍጣር ወድሰብ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ብስም አላህ እቲ ፍፁም ርህሩህ እቲ አዝዩ ራህራሂ ብዝኾነ ጎይታና፤ ኩሉ እቲ ምስጋናን ውዳሰን ንአሏህ ጎይታ ዓለም ይኹኖ፤ ሰላምን ክብርን ዱዓእን ንነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም፣ ስድራ ቤቶምን ሰዓብቶምን ብሓፈሻ ይብፀሓሎም እናበልኩ ነዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላሰይ ብዛዕባ እምነትን ድንጋገን አሏህ ሓፈሻዊ ዝኾነት ሓንቲ መሪሕ ቃል ክሕብር ይፎቱ። እዚአ መሪሕ ቃል ኸዓ ካብ እቲ አዝዩ ፈሊጣ እቲ ፍፁም ጥበበኛ እዩ።” (ተሕሪም 2) ከምኡ `ውን አሏህ ኩሉ ፈላጥን በዓል ጥበብን እዩ። (አሕዛብ 1) ካብ ዝብሉን ኻልኦት ብአፈጣጥራ ይኹን ብሕግታቱ ወይ ብሕግታት ተፈጥሮን ሀይማኖትን በዓል ጥበብ ምዃኑ ካብ ዝሕብሩ ኻልኦት ዓናቅፅ ቁርአንን ዝተትሐዘ እዩ። ረቡና ሱብሓነሁ ወተዓላ ካብ ዝፈጠሮም ፍጥረታት እቲ ፍጥረት ብዝርከበሉ ይኹን ብዝጠፈአሉ መንገዲ ብጥበብ ዝተመልአ ዝኾነ እምበር ዋላ ሓደ የለን። ረቡና ዓዘ ወጀል ሀይማኖታዊ ሕጊ ገይሩ ግቡእ ካብ ዝገበሮ ይኹን ክልኩል ካብ ዝገበሮ ወይ ከዓ ካብ ዝፈቀዶ ዋላ ሓደ የለን ብጥበብ ዝተመልአ ገይሩ እምበር።

ይኹን ደአ `ምበር እዚአን ረቢ ፍጥረታት ዘርከበለን ይኹን ሀይማኖታዊ ገይሩ ካብ ዘውረደን ጥበብ ጎይታ ንሕና ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ይህሉ። ረቢ ብዝሀቦም ፍሉይ አረዳድአን አተሓሳስባን ገሊኦም ሰባት ፈሊጦሞ ገሊኦም ዘይፈለጥዎ ክኸውን ይኽእል። እዚ ካብ በልና ረቡና ሱብሓነህ ወድ ሰብን ጋኔንን ዝፈጠረሉ ዕላማ ከምዘለዎን እቲ ዕላማ ኸዓ ዓብይ ንዝኾነ ጥበብን ምስጉን ንዝኾነ ዕላማን እዙይ `ውን ንበይኑ ክነምልኾ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአኑ ወድ ሰብን ጋኔንን ንዓይ ከምልኹ እምበር አይፈጠርኩን (ዛሪያት 56) ዝብል ዝተፈጠርኩሞ ብዘይ ገለን ናባና ኸዓ ከምዘይትምለሱን ዶ ሓሲብኩም?! (ሙእሚኑን 115) ዝብልን ወድሰብ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝግደፍ ይመስሎ ዶ? (አል ቂያማህ 36) ካብ ዝአምሰሉን ኻልኦት ዓናቅፅ ቁርአን አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ወድሰብን ጅንን ዝፈጠረሉ ምኽንያት ንዝለዓለ ጥበብ  ከምዝኾነ እዙይ `ውን በይኑ ንክነምልኾ ምዃኑ ንርዳእ።

ዒባዳ (ምምላኽ) ማለት ንአሏህ ንናቱ ትእዛዝ ብተአዛዝነትን ንናቱ ዕቀባ ብተዓቃብነት ምስ ፈታውነት ረቢ ሓዊስካ እሱ ብዝፈትወልካ መንገዲ ዓርስኻ አብ ቅድሜኡ አንኢስካ ምቅራብ ማለት እዩ። [እዞም ሙሽሪካት ድማ] ንአሏህ ብፅፉፍ ኽግዝኡዎን ምግባሮም ንዑኡ ጥራይ ኸፅርዩን እምበር አይተአዘዙን።(በይና 5) እዚ ድማ እዩ ወድሰብን ጋኔንን ዝተፈጠረሉ ዕላማ። ብመሰረት እዚ ንረቡና ዓዘ ወጀል ተገዛኢ ካብ ምዃን ዝአበየን ብትዕቢት ዝተነፍሐን ረቡና ሱብሓነህ ባርያታቱ ካብ ዝፈጠረላ ጥበብ ወፃኢ ኮይኑ ንብል። በቲ ስርሑ ኸዓ ረቢ ነዛ ዓለም ዝፈጠራ ብዘይገለን ዕሽሽ ኢሉ ክገድፋን እዩ ፈጢሩዋ ዝብል መልእኽቲ የመሐላልፍ። ዋላ`ኳ ብቃሉ ዝተዛረቦ አይኹን እቲ ስርሑ ካብ ትእዛዝ ረቢ ምውፃኡ ዘለዎ መልእኽቲ እዙይ እዩ።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ