Back to Top

ሕቶ(9): አብዘን ዝሐበርኩመን ዓይነታት ተውሒድ ብዛዕባ አብ መወዳእታ ዝተሐበረት ተውሒዱል አስማእ ወሲፋት ተወሳኺ መብርሂ ደሊና?
መልሲ:

ብልቢ እዚ ዓይነት ተውሒድ ማለት `ውን ተውሒዱል አስማእ ወሲፋት ብዘለዎ አገዳስነት ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ከምዘድልዮ እሙን እዩ። ምኽንያቱ አብ ሞንጎ ሰዓብቲ ሀይማኖት እስልምና ብዙሓት ተጋግዮም ጉጅለ ዝፈጠሩሉ ዋኒን እዩ። አላህ ነዞም ዝአመኑ አብ ቀዳሞት ይኹን አብ ዳሕረዎት ናብቲ ሐቂ ይምረሐዮም እምበር፤ አላህ ንዝደለዮ ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ መራሒ ከም ምዃኑ።

በዚ ዓይነት ተውሒድ ዘሕለፍናዮ መሪሕ ቃል አሎ፤ እዚ `ውን አላህ ንዓርሱ ወይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓዲሦም ዘፅነዑዎ መግለፅታትን አስማትን አላህ ንሕና `ውን ቅኑዕ ብዝኾነ ተሕሪፍ፣ ተዕጢል፣ ተክይፍን ተምሢልን ከይገበርና ኸነፅዕ ከምዝግባእ አላህ አብ ቁርአን አእዳው ከምዘለዎ ዝሐበረሉ ድማ ከም አብነት ጌርና አሕሊፍና ኢና። ብዛዕባ አስማት ኸዓኒ ረቡ ንዓርሱ ዝፀወዓለን ናቱ አስማት ከምዝኾኑን ዘለዎን ትርጉም ድማ መግለፅታቱ ከምዝኾኑን ንሕና `ውን ከምታ ዝመፀት ጌርና ኽንአምን ከምዝግበአና ብዛዕባ አእዳው ዝመፀ አብነት ብምግባር ቅኑዕ ብዝኾነ ብዜካ ምስ አእዳው ፍጥረታት ምምስሳል ወይ ብሓሳብና ይኹን ብኻሊእ ዓይነት ከይገበር ብሓፈሻ ከምዝመፀ ብሓፈሻ ክልተ አእዳው ኢልና ክንአምን ከምዝገበአና አሕሊፍና ኢና። ምኽንያቱ ነመሳስል እንተኢልና አላህ ብቁርአኑ “(ንአላህ)ዝመስሎ ምንም ነገር የለን፤ ንሱ `ውን እቲ ሰማዒን እቲ ረአይን እዩ።” (ሹራ 11) ብዝበሎ ምኽሐድን ንአላህ መመሰሊ አይትግበሩ” (ነሕል 74) ካብ ዝብል ትእዛዝ ረቢ ምውፃእን ከምዝኾነ አሕሊፍና ኢና።

ኸምዚ እዩ እናበልካ ዓይነት ምግባር (ተክይፍ) ድማ አላህ ኩልኹል ካብ ዝገበሮ ሓራም ነገር ምዕራፍ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ አላህ ብቁርአኑ “‹ረቢ ዝኸልከለ እኩይ ምግባር፣ ግልፅን ሕቡእን ካብ ኮነ ርኽሰት፣ እቲ ዘይጉቡእ ዓመፅ፣ እቲ መርትዖ ዘይመፀሉ (መግዛእቲ ጣኦት) ብአላህ ሸሪካ ምግባርኩም፣ ዘይትፈልጡዎ ብአላህ `ውን ምዝራብኩም እዩ› በሎም። (አል አዕራፍ 33)በቲ ንዓኻ ፍልጠት ዘይብልካ ዝኾነ አይትስዓብ፤ መስምዒ፣ መርአይ፣ ልቢ ኩለን እዚአን (በዓል ዋናአን) ዝሕተተለን እዩ። (አል ኢስራእ 36)

ብዛዕባ መግለፅታት ረቢ አብነት ንወስኽ: እዚ `ውን አላህ ልዕሊ ዓርሽ ከምዝኾነ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ አብ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ቦታታት አብ ልዕሊ ዓርሺ ምዃኑ አፍሊጡ እዩ። ኩሎም ድማ “ኢስተዋ” ብዝብል ቃል `ዮም ተገሊፆም ንረኽቦም። እዚአ “ኢስተዋ” ትብል ቃል ድማ ከም ቋንቋ ዓረብኛ “ዓላ” ምስ ዝብል ቃል እንተመፂአ ዘለዋ ትርጉም “ልዕሊ ምዃን” ዝብል ጥራይ እዩ። ብመሰረት እዚ አል-ሯሕማን ልዕሊ ዓርሹ ኮነ (ጧሀ 5) ዝብል ቃል ረቢን ዝአምሰሉን “ዓላ” ምስ ዝብል ዝመፁ ምዃኖም ረቡና ዓዘ ወጀል ልዕሊ ዓርሹ ፍሉይ ብዝኾነ ልዕል ዝበለ ከምኮነ የረድአና። ስለዚ ድማ ቅኑዕ ብዝኾነ ንሱ ባዕሉ ከምዝበለ ወድ ሰብ አብ ዓራቱ ይኹን አብ መጓዓዚኡ ልዕል ከምዝብል እናበልና አብ ዘይንፈልጦ አቲና ከይኮነ ንዑኡ ከምዝግበኦ ኢልና ብሐፈሻ ነፅድቕ። አላህ ወድሰብ አብ ልዕሊ መጓዓዚኡ ከምዝኾን ሐቢሩና እዩ ካብ መርከባትን እንስሳትን እትውጥሑዋ ዝገበረልኩም እዩ። (12) አብ ዝባኖም ንኽትድይቡ: ድሕሬኡ ፀጋታት ጎይታኹም ንኽትዝክሩን ንሕና ዘይንኽእሎ ምስኮ ነዚአ ገርሂ ዝገበረልና ጎይታ (ካብ ዘይግበኦ ኩሉ) ፅርየት ይኹኖ› ንክትብሉን” (አዝ-ዙኽሩፍ 12-14) እዚ ማለት ግን ከም ናይ አላህ ልዕል ምባል እዩ ማለት አይኮነን። ናይ ወድ ሰብ ልዕሊ ምዃን ምስ ናይ አላህ ልዕሊ ምዃን ዘራኽቦ ነገር የለን። ምኽንያቱ አላህ እዩ። እቲ ብኩሉ መዳይ ንዑኡ ዝመስሎ ዘየለ።

“ኢስተዋ” ንዝብል ቃል አላህ “ኢስተውላ” ከም ማለት እዩ ዝብሉ ሰባት አብ ዓብይ ጌጋ እዮም ዘለው። ምኽንያቱ እዚ አላህ ካብ ዝበሎ ኻሊእ እናበሉ “ተሕሪፍ” እናገበሩ ስለዘለው። ሱሐበታትን ሰናይ ሰዓብቶምን ብሐድነት ካብ ዝብልዎ `ውን ዝተፈለየ እናበሉ እዮም ዘለው። ኸምኡ ንዝበለ ሰብ ድማ ብተዘዋዋሪ ኻልኦት ሐደ ሙእሚን ንምባል ዝስከፈሎም ግጉይ አተሐሳስባታት `ውን ንኽብል ግድን ይብሉዎ እዮም። ከምቲ ዝፍለጥ ቁርአን ብሩህ ብዝኾነ ዓረብኛ ቋንቋ እዩ ወሪዱ፤ አላህ `ውን “(ቁርአን) ንኽትፈልጡ ንሕና ዓረብኛ ገይርናዮ። (ዙኽሩፍ 3) ብተወሳኺ እሙን መንፈስ (ጅብሪል) አውሪዱዎ {193} ካብ መጠንቀቅታ ንክትኾን {194} ብሩህ ብዝኾነ ዓረብኛ ቋንቋ። (ሹዓራእ 193‐195) ኢሉ ከምዘፍለጠና። እዚ ካብ ኮነ ብመሰረት ቋንቋ ዓረብኛ “ኢስተዋ ዓላ… ” ክበሀል ከሎ ልዕሊ ምዃን እዩ ዘረድአና፤ ጥረ ቃሉ በይኑ `ውን ኸምኡ እዩ ዘረድእ።

“ኢስተዋ ዓለል ዓርሽ” ክበሀል ከሎ `ውን ንዑኡ ከምዝግበኦ ፍሉይ ብዝኾነ ልዕሊ ኮይኑ ዝብል ይኸውን ትርጉሙ። “ኢስተውላ” ንምባል እዩ “ኢስተዋ” ተባሂሉ እንተይልና ግን ቋንቋ ዓረብኛ ብዘይሕብሮን አላህ ካብ ዝበሎ ቃል ዝተፈለየ ቃል ብምግባርን ምብራዝ (ተሕሪፍ) እዩ ዝኸውን። ካብኡ ድማ ሱሐበታትን ሰዓብቶምን ሐድነቶም ብዛዕባ ትርጉማ “ልዕል ኮነ” ኢልና ከምዘሕለፍናዮን ብተፃራሪኡ ምፍሳር ካብኦም ዘይመፀን እዩ። ብዛዕባ ተፍሲር ሐደ ቃል ቁርአን ወይ ሐዲሥ ላዕሉ ላዕሉ ካብ ዝረአይ ብዝተፈለየ ካብቶም ቀዳሞት እንተዘይመፂኡ ብላዕሉ ዝረአይ ትርጉም ምቅባል መሰረታዊ ሐቂ እዩ። ስለዚ ኸዓ ሐደ ሰብ “ሰለፍ (ሱሐበታትን ስዒቦም ዝመፁ ክልተ ወለዶታትን) ‘ኢስተዋ’ ንዝብል ቃል ብሩህ ብዝኾነ ‘ልዕል በለ’ ብዝብል ከምዝፈሰሩ መርትዖ አለኩም ዶ” እንተኢሉና እወ አለና ንብሎ። ዋላ ተዘይህሉ ግን እቲ ረቢ ዝመረፆ ቃል ብዘለዎ ትርጉም ተፍሲር ምሀብ እቲ መሰረት እዩ።

“ኢስተውላ” ብዝብል ተፍሲር ዝሀበ ሰብ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ግድን ካብ ዝኾንዎ ግጉይ አተሓሳስባታት ንአብነት ጎይታኹም እቲ ሰማይን ምድርን ብሽዱሽተ መዓልቲ ዝፈጠረ አላህ እዩ። ካብኡ ልዕሊ ዓርሹ ኮነ። (አል‐አዕራፍ 54) ንዝብል ቃል እንተስተውዒልናዮ “ኢስተዋ” ንዝብል “ኢስተውላ” እዩ ተንብል ኔርና ብመሰረት ቋንቋ ዓረብኛ ብተዘዋዋርነት እቲ ዓርሺ ቅድሚ ምፍጣር ሰማይን ምድርን ግዝአት አላህ አይኮነን ማለት እዩ ምበልና ኔርና። ምኽንያቱ “…ዝፈጠረ አላህ እዩ። ካብኡ ልዕሊ ዓርሹ…ስለዝበለ ሰማይን ምድርን አብ ዝፈጥረሉ እዋን `ውን ናቱ ግዝአት አይነበረን ማለት ይኸውን። ብተወሳኺ ግቡእ ብዘይኮነ “ኢስተዋ ዓለል አረድ”ን ዝአምሰሉን `ውን ክንብል ኔርና። እዚ ድማ ንአላህ ዝግባእ አይኮነን። ብመሰረት እዚ “ኢስተዋ” ንዝብል “ኢስተውላ” ብዝብል ተፍሲር ተዝግበረሉ ነይሩ ክልተ ዓይነት ጌጋ ይህልዎ:

እቲ ሓደ: አላህ ካብ ዝበሎ ወፃኢ ኻሊእ ምባል (ተሕሪፍ)

እቲ ኻልአይ: ንአላህ ብዘይግበኦ ምግላፅ

እዋናዊ