Back to Top

ሕቶ(84): ጉድአት ከምዘለዎ ተትረጋጊፁ ዘለዎ ፍርዲ እንታይ ይኾን?
መልሲ:

ጉድአት ከምዘለዎ ተትረጋጊፁማ ጉድአት ዘለዎ ነገር አብ ግብሪ ምውዓል ከምዘይፍቀድ ፍሉጥ እዩ። ነብስኹም አይትቅተሉ አሏህ ዝሓዝነልኩም ጎይታ እዩ። (ኒሳእ 29) ስለዝበለ። ዓምር ኢብነል ዓስ `ውን ጁኑብ አብ ዝነበረሉ እዋን ሓያል ቁሪ ኮይንዎ ንብፆቱ ብተየሙም አስጊድዎም ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ጁኑብ (ረኽሲ) እንከለኻ `ዶ ንብፆትካ አስጊድካዮም?” ምስበሉዎ ዓምር ኢብኑል ዓስ ረዲየሏሁ ዓንሁ ኸዓያረሱለሏህ! ‹ነብስኹም አይትቅተሉ አሏህ ዝሓዝነልኩም ጎይታ እዩ›(ኒሳእ29) ዝብል ቃል አላህ ምስዘከርኩ `ኮ እየ ኸምኡ ገይረ በሎም፤ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ሽዑ ፍሽኽ ኢሎም ፅቡቅ ከምዝገበረ ገለፁሉ።(74) እዚ ድማ ጉድአት ዘለዎ ነገር ምጥቃም ከም ዘይከአል ዝሕብር እኹል መረዳእታ እዩ።

እዋናዊ