ሕቶ(83): ሓንቲ ጓል አብ እዋን ሐጅ ወርሐዊ ፅግያ ጠጠው ንምባል ከም ጥንሲ መከላኸሊ ዝበሉን ኻልኦት ብሕክምና ዝፍለጡን ዓይነታት ኸኒንን መድሐኒትን ምውሳድ ፍርዱ እንታይ እዩ?
መልሲ:
ብዛዕባ ዚ እቲ መሰረታዊ ሓቂ ዝፍቀድ ምዃኑ እዩ። ስብአያ ምስፈቀደላ ክትጥቀም ትኽእል እያ ዝብል እዩ። ይኹን ደአ`ምበር ነዚ ተብሂሉ ዝውሰድ ኸኒና አብ ማህፀንን ዝውውር ደምን እዛ ጓል ዓብይ ጉድአትን ሳዕቤንን ከምዘለዎ ካብ ገለ ኪኢላታት ሕክምና በፂሑኒ አሎ። ብተወሳኺ ገሊኦም ድማ ሓንቲ ጓል ነዘን መድሐኒታት አብ እትጥቀመሉ እዋን ድንግል እንተነይራ መኻን ክገብራ ከምዝኽእል `ዮም. ዝብሉ። እዚ ኸዓ ዓብይ ፀገም እዩ፤ አይኾንን ዝበሀል ነገር ድማ አይኮነን። ምኽንያቱ ደም ወርሓዊ ፅግያ ደም ተፈጥሮ ክንድምዃኑ ንዑ ንምዕቃብ ምፍታን ኸዓ ተፈጥሮ ንምቅላስ ምፍታን እዩ፤ እዚ ድማ ሓደግኡ ቀሊል አይኮነን። ብተወሳኺ ክወፅእ ዝግበኦ ደም ዘይምውፃኡ `ውን ብዓርሱ ዘመላኽተና አብ ሓደጋ ከውድቃ ከም ዝኽእል እዩ። ስለዚ ንመላእ አጓላትና አብ እዋን ረመዷን ይኹን ካብኡ ወፃኢ አብ ዘሎ እዋን ዝመዓድ አይኮነን።
አብ እዋን ሐጅን ዑምራን ግን እቲ ዝግበር መድሐኒት ውሱን ንዝኾነ ፃንሒት ስለ ዝኾነ፤ እታ ጓል `ውን ኻልአይ ዘይትምለሰሉ ዓይነት ክኾን ስለዝኽእል፤ አገዳሲ ክኸውን እውን ይኽእል፤ ተዘይኾነ `ውን ፀገም ከምዘይህልዎ ትፅቢት ይገብር።