ሕቶ(8): ዓይነታት ተውሒድ ምስ መብርሂን ምሳለታትን ተሐበርኹምና?
መልሲ:
ብአንፃር አላህ ዓይነታት ተውሒድ ብሓፈሻ አላህ ዓዘ ወጀል ካብ ፍጥረታቱ ብዝፍለየሉ ኩሉ ብሕታዊ ምግባር ብዝብል ክንገልፆም ንኽእል። ሰለስተ ዓይነት ድማ እዮም:
ተውሒዱ ረቡቢያ ማለት ንአላህ ብሕታዊ ፈጣሪ፣ ንጉስን አመሓዳሪን ዛ ዓለም ምዃኑ ምእማን ማለት እዩ። አላህ ካብኡ ወፃኢ ኻልአይ ዘይብሉ ብሕታዊ ፈጣሪ እዩ። “ካብ አላህ ወፃኢ ኻሊእ ፈጣሪ አሎ ዶ? አብ ሰማይን ምድርን ሽሻይ ዝህበኩም?” (ፋጢር 3) ብዛዕባ አማልኽቲ ጥልመት ሕሱር ምዃን `ውን “ዝፈጠርን ዘይፈጥርን ዶ ሓደ? አይተወስተውዕሉን ዶ?” (ነሕል 17) አላህ ዓዘ ወጀል እዩ እቲ ፈጣሪ: ፈጢሪ ድማ ኩሉ ብልክዑ ገበሮ። እቲ ፍጥረቱ ውፅኢት ግብርታቱን ግብሪ ፍጥረታቱን `ውን የጠቓልል። ስለዚ ድማ እዩ ሐደ ሰብ ብቀደር ዘለዎ እምነት ዝተማልአ ዝኸውን አላህ ንናይ ስራሕቲ ፍጥረታት `ውን ከምዝፈጠረ እንተአሚንኻ ዝኾነ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “አላህ ንዓኹምን ስራሕኹምን ፈጠረ”(ሷፋት 96)
ማለት `ውን ስራሕቲ ባርያ ውፅኢት ባህርያቱ እዮም። ሓደ ባርያ ናይ አላህ ፍጥረት ምዃኑ እንተአሚናሉ ባህርያቱ `ውን አላህ እዩ ፈጢሩዎ ማለት እዩ።
ብኻሊእ መንገዲ ንክንርዳእ: ምግባር ወድሰብ ንድሕሪት ካብ ዘይብለሉ ድልየትን ዝተማልአ ክእለትን ዝተረኽበ እዩ። እዚአን ክለተ ድማ አላህ እዩ ፈጢሩወን። ዝተማልአ ሰበብ ዝፈጠረ ድማ ዝተማልአ ውፅኢት `ውን ፈጢሩ እዩ። “ከመይ አላህ በይኑ እዩ ፈጣሪ ክንብል ንኽእል ኻልኦት ዝፈጥሩ ከምዘለው አብ ቁርአን “እቲ ካብ ፈጠርቲ አዝዩ ዝሓሸ ክብርን ልዕልናን ንዑኡ” (ሙእሚኑን 14) ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ንዝስእሉ ሰባት አብ እዋን የውመል ቂያማ “ንዝፈጠርኩሞ ህይወት ግበሩሉ” (2) ይበሀሉ አብዝበሉዎ ከምዘሎ ንሱ በይኑ እዩ ፈጣሪ ከመይ ክንብል ንኽእል?” እንተተባሂሉ ናትና መልሲ ድማ፤ ካብ አላህ ወፃኢ ፈጢሩ ይበሀል እምበር ዝፈጥሮ ከም አፈጣጥራ አላህ ይፈጥር ማለት አይኮነን። ካብ ምንም ከርክብ ወይ ኸዓ ንዝሞተ ህይወት ክህብ አይኽእልን። እቲ ኽገብሮ ዝኽእል እንተበዝሐ አላህ ብዝፈጠሮም ፍጥረታት ካብ ሐደ ትሕዝቶ ወይ መንነት ናብቲ ኻሊእ ምቕያር ጥራይ እዩ። ውፅኢት ስነ-ቅርጺ እንተርኪቡ ሐደ ሰብ ንአብነት መበቆል ዘይብሉ ሐዱሽ ነገር አምፂኡ ማለት አይኮነን። እቲ ዝተገበረ ካብቲ ሐደ ናብ ኻሊእ ምቕያር ጥራይ እዩ። ካብ ጸብሪ ገይሩ ብቅርጺ ዒፍ ወይ ብቅርጺ ግመል ኮፍ ከምዘብል፤ ፃዕዳ ዝኾነ ባይታ ቀለም ብምልኻይ ናብ ኻሊእ ቀለም ከምዝቕይር፣ መፅሐፊ መሳርሕታት ኩለን ናይ አላህ ፍጥረታት እናሀለዋ። ምፍጣር ብአንፃር አላህን ብአንፃር ኻልኦትን ዘለዎ ፍልልይ ብኸምዚ ክንፈልጦ ንኽእል። ኻልኦት ካብቲ ሐደ ናብ ኻሊእ ምቕያር ተዘይኾይኑ ብምፍጣር አላህ ብሕታዊ እዩ ንብል።
ካብ ተውሒዱ ሩቡቢያ እቲ ኻልአይ: አላህ ብሒታዊ ንጉስ ከም ዝኾነ ክንፈልጥ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ንግሰት አብ ኢዱ ዝኾነ ጎይታ ልዑል ኮነ” (አልሙልክ 1) ብተወሳኺ “ግዝአት ኩሉ ነገር ብኢዱ ዝኾነ ዝሕሉን ዘይሕሎን ትፈልጡ እንተዄንኩ መን ድዩ? በሎም።” (አል ሙእሚኑን 88) ንጉስ ሓፈሻዊ ግዝአት ኩሉ ነገር አላህ ጥራይ እዩ። ካልኦት ብንጉስነቶም ዝለዓሉዎ ድማ ብአንፃር ኻልኦት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ አላህ ንኻልኦት ንጉስና ከምዘለዎም ገይሩ ዝገልፆም። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “መኽፈቲ ዝተሐዝኩምሉ” (ኑር 61) ከምኡ `ውን “ብዜካ በዓልቲ ቤቶም ወይ አእዳዎም ብዝሐዘቶም”(አል ሙእሚኑን 6)ን ካብዚአን ወፃኢ ዝኾና ብዜካ አላህ ኻሊእ ንግስና ከምዘለዎ ዝሕብሩ ዓናቅፅ ቁርአን ዘለው ይኹኑ እምበር ከም ናይ አላህ ዝተማልአ ንግስና አለዎም ማለት አይኮነን። እዚ ናቶም ንግስና ዝተቋረፀን ዝተዓቀበን እዩ። ዝተቋረፀን ዝተዓቀበን ንግስና ከምቲ ሓፈሻዊ አይኮነን። አብ ናይ ዘይድ ገዛ ዋና ዓምር ክኸውን አይክእልን። አብ ናይ ዓምር ገዛ `ውን እቲ ዋና ዛይድ ክኾን አይክእልን። ብተወሳኺ እቲ ዘሎ ዝተዓቀበ ንግስና አላህ ከምዝፈቀደሉ እምበር ከምድላዩ ከንቀሳቅስ አይተገበረሉን። ብኸምዚ ድማ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ገንዘብካ ምጥፋእ ክልኩል ዝገበሩ።(3) አላህ `ውን “አላህ ንዓኹም መመሐደሪ ዝገበራ (ካብ ዝሐዝኹምሎም) ገንዘቦም ንዓሻሹ አይትሀቡዎም” (ኒሳእ 5) ኢሉ እዩ። እዚ ድማ ወድሰብ ዘለዎ ንግስና አላህ ካብ ዘለዎ ዝተማልአ ንግስና ብተፃራሪ ዝተዓቀበ ምዃኑ ይሕብረና። አላህ ከምድላዩ ይገብር፤ ንዝገበሮ `ውን አይሕተትን።
ሳልሳይ ዓንዲ ተውሒደ ሩቡቢያ: አላህ ዓዘ ወጀል ብአመሓዳርነቱ ብሒታዊ ምዃኑ እዩ። እቲ ፍጥረታት በይኑ ኾይኑ ዘመሓድር ጎይታ እዩ በይኑ ኾይኑ ሰማይን ምድርን ዘመሓድር። ከምቲ ብቁርአኑ “ምፍጣርን ምእዛዝን ናቱ እዩ።” (አለ አዕራፍ 54) ከምዝበለና። እዚ አመሓዳርነት ድማ ዝተማልአ፣ አብ ሞንጎ ዘይአትውሉን ክፃረሩዎ ዘይከአልን ዓይነት እዩ። ፍጥረታት ከመሓድሩን ክቋፃፀሩን እንተኽኢሎም `ውን ንአብነት ወድ ሰብ ዋላ `ኳ ገንዘቡ፣ ደቁን እብ ትሕቴኡ ዝርከቡን ዘመሓድር ይኹን፤ እቲ ዘለዎ አመሓዳርነት ግን ጸቢብን ውሱንን ከምኡ `ውን ዝተዓቀበ እዩ። በዚ ድማ እቲ ተውሒዱ ሩቡቢያ ማለት አላህ ፈጣሪ ብምዃኑ፣ ንጉስ ብምዃኑን አመሓዳሪ ብምዃኑ ብሒታዊ እዩ ዝበልናዮ ብሩህ ይኸውን።
እቲ ኻልአይ ዓይነት ተውሒድ ኸዓ: ተውሒዱል ኡሉሂያ እንብሎ እዩ። ተውሒዱል ኡሉሂያ/ዒባዳ ማለት ረቡና ዓዘ ወጀል ብሒታዊ አምላኽ ንምዃኑ ምርግጋፅ ማለት እዩ። ሐደ ሰብ ካብ አላህ ወፃኢ ዘሎ አምላኽ ከምዘይኾነን ክምለኽ ከምዘይግበኦን ርግፀኛ ኮይኑ ንአላህ ግን ንበይኑ ከምልኾ ማለት አዩ። ሙሽሪካት ምስ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘይተስማዕምዑሉን ክሳብ ምቅታል፣ አጓላቶም፣ ስድራኦም፣ ገንዘቦም፣ መሬቶምን መንበሪኦምን ሐላል ዝተገበረሉን ካብ ቅኑዕ መንገዲ ዝተፈለዩሉን ዓይነት ተውሒድ እዩ። ስለዚን ስለ ክልቲአን ዝተረፋን ዓይነት ተውሒድ እዩ አላህ ልኡኻት ዝለአኸን መፃሕፍቲ ዘውረደን። ይኹንደአ `ምበር አብ ኩሎም ልኡኻት ንህዝቦም መብዛሕትኡ እዋን ጠመተ ዝተገበረሉ ግን እዚ ዓይነት ተውሒድ እዩ። ወድ ሰብ ብዜካ አላህ ንኻሊእ ንልዑል መላኢካ ይኹን ንልኡኽ ነብይ ወይ ንሰናይ ወልይ ወይ ኸዓ ንኻሊእ ፍጡር ዒባዳ ክሳብ ዘይገብር እቲ ዝለዓለ ጠመተ ዝተገበረሉ ዓይነት ተውሒድ እዩ። ምኽንያቱ ዒባዳ ወድ ሰብ ቅኑዕን ልክዕን ዝኸውን ንአላህ ጥራይ ብዝብል ዝተሰርሐ እንተኾይኑ እዩ። ወላ ብክልቲአን ተውሒዳት (ተውሒድ ሩቡቢያን ተውሒድ አስማእ ወሲፋት) እንተመልአ `ውን ነዚ ተውሒድ ዘጉደለ ኩሉ ሙሽሪክ ካፊር እዩ። ንአብነት: ሐደ ሰብ አላህ ብሒታዊ ፈጣሪ፣ ብሒታዊ ንጉስን አመሓዳሪ ኩሉን ምዃኑን ዘለውዎ አስማትን ባህርያትን `ውን ንበይኑ ብዝግባ አረጋጊፁ በቲ ኻሊእ ወገን ዒባዳ እንትገብር አላህ `ውን እናተገዝአ ንኻሊእ አብ ቀብሪ ይኹን አብ ኻሊእ ዘምልኾን መብጽዓን ዝአምሰሉን ኻልኦት መግዛእቲ (ዒባዳ) `ውን ንዑኡ ዝገብር እነተኾይኑ በተን ክልተ ዓይነታት ተውሒድ ፅርይ ምባሉ አይጠቕሞን። ምኽንያቱ ካፊርን ሙሽሪክን አብ ሐዊ ዝንተአለም ዝአትውን ስለዝኾነ አላህ `ውን ብቁርአኑ “ብአላህ ሸሪካ ንዝገብር አላህ ጀነት ሓራም ከምዝገበረን መንበሪኡ ሐዊ ከምዝኾነት ፍለጡ፤ ንዓመፅቲ ኸዓ ሐገዝ የብሎምን።” (አል ማኢዳ 72)
አላህ ዘውረዶ ኪታብን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘምሀሩና ሐዲሥን ዝተምሀረ ኩሉ ከምዝፈልጦ እቶም ምስ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተቃተሉ፣ ስድራኦምን አጓላቶምን ሐላል ዝኾኑ ሙሽሪካት ጎይታ፣ ፈጣሪን ልዑልን ምዃኑ ብዘይገለ ጥርጣረ ይአምኑ ነይሮም። ይኹን ደአ `ምበር ካብ አላህ ኻሊእ ምስ አላህ ዘምልኹን ምሰኮኑ በዚአ ጥራይ ሙሽሪክ ካፊርን ደሞምን ገንዘቦምን `ውን ሐላል ኮኑ።
እቲ ሳልሳይ ዓይነት ተውሒድ ድማ ተውሒዱል አስማእ ወሲፋት እዩ። ከምቲ ብቁርአንን ብሐዲሥን ዝመፀ ብአስማቱን ብባህርታቱን ብሕታዊ ምዃኑ ብዘይ ገለ ምእማን። እዚ ድማ ንባዕሉ ብዘፅነዖ ብዜካ “ተሕሪፍ(ምብራዝ)”፣ “ተዕጢል(ዘይግቡእ ምንፃግ)”፣ “ተክይፍ(ከመይ ከይበልና)”ን “ተምሢል(ምምስሳል)” ከይገበርካ ብምፅናዕ ካብ ባዕሉ ብዝነፀጎ ኸዓ ብምንፃግ እዩ። ረቡና ዓዘ ወጀል ንባዕሉ ብዝፀወዐሉ ሽም ብምፅዋዕ ንዓርሱ ብዝገለፀሉ መግለፂ ከምዘቀመጦ ጌርካ ክትአምን ግድን እዩ።
በዚ መዳይ አብ ውሽጢ እስልምና ዓርሶም ናብ እስልምና ዘፀግዑ ኮይኖም ከለው ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝተጋገዩሉ ዓይነት ተውሒድ እዩ። ገሊኦም ልክዕ ብዘይብሉ ካብ እስልምና ከውፅኦም ብዝኽእል ምንፃግ ገሊኦም ማአኸላይ ኮይኖም ናብ አህሉ ሱና ዝተፀግዑ አልው። በዚ መዳይ ናይ ቀደም አቦታትና (ሰለፍ) ዝነበሩሉ ግን ብዜካ “ተሕሪፍ(ምብራዝ)”፣ “ተዕጢል(ዘይግቡእ ምንፃግ)”፣ “ተክይፍ(ከመይ ከይበልና)”ን “ተምሢል(ምምስሳል)” ዘይብሉ ረቢ ንዓርሱ ብዝፀወዓሉ ምፅዋዕን ንዓርሱ ብዝገለፀሉ መንገዲ ምግላፅን እዩ ነይሩ።
ንአብነት አላህ ዓዘ ወጀል ንዓርሱ “ሐይ” “ቀዩም” ኢሉ ከምዝፀወዐ ንሕና `ውን “ሐይ” ብዝብል ሽሙን ብዘለዎ ዘይምንባር ዘይነበሮ ገለ ዝበሀል ዘይብሉ በዓል ዝተማልአ ህይወት ትርጉምን ተቀቢልና ንክንአምን ግቡእና እዩ። አላህ ንዓርሱ “አስ-ሰሚዕ”ን “አልዓሊም”ን ኢሉ ከምዝፀወዐ ንሕና `ውን “አስ-ሰሚዕ” ካብ አስማቱ ሐደ ከም ዝኾነን ምስማዕ ካብ ባህርያቱ ምዃኑን አሚንና ንቅበል። “አልሐኪም” ኢሉ ንዓርሱ ፀዊዑዎ ንሕና `ውን ካብ አስማቱ ሐደ ምዃኑን ትርጉም ናይዚ ሽም `ውን መግለፂ መንነቱ ከምዝኾነን ክንቅበል ግቡእና እዩ። “አስ-ሰሚዕ” ኢልና ሽሙ ጥራይ እዩ እምበር አላህ አይሰምዕን እንብሎ ጎይታ እዩ። ኻልኦት አስማቱ `ውን ኸምኡ።
ኻሊእ አብነት: “አይሁዳት ‹ኢድ አላህ እሱርቲ እያ› ዶ በሉ?። አእዳዎም ይተአሰር ብዝበሉዎ ተረጊሞም። እኳደአስ ክልተ አእዳው ዝተዘርግሑ እዮም።ከምድላዩ ይህብ።” (አል ማኢዳ 64) አብ ዝብል ቃል አላህ “እኳደአስ ክልተ አእዳው ዝተዘርግሑ እዮም” ኢሉ ንባዕሉ ክልተ አእዳው ከምዘለውዎን ብዝርገሐ ብዓብይ ለጋስነት ከምዝግለፁን ከምዘፍለጠና አላህ ክልተ አእዳው ከምዘለውዎን ወሀብን ለጋስን ምዃኖምን ተቀቢልና ንክንአምን ግቡእና እዩ። እዚ ክንቅበል ከለና ብልቢ ይኹን ብሓሳብና ወይ ብአዘራርባና ናብ ኻሊእ ክንጠወዮ `ውን ዝግባእ አይኮነን። ምስ ፍጥረታት ምምስሳልና `ውን ከምኡ ዝግባእ አይኮነን። ምኽንያቱ አላህ ብቁርአኑ “(ንአላህ)ዝመስሎ ምንም ነገር የለን፤ ንሱ `ውን እቲ ሰማዒን እቲ ረአይን እዩ።” (ሹራ 11) ብተወሳኺ “‹ረቢ ዝኸልከለ እኩይ ምግባር፣ ግልፅን ሕቡእን ካብ ኮነ ርኽሰት፣ እቲ ዘይጉቡእ ዓመፅ፣ እቲ መርትዖ ዘይመፀሉ (መግዛእቲ ጣኦት) ብአላህ ሸሪካ ምግባርኩም፣ ዘይትፈልጡዎ ብአላህ `ውን ምዝራብኩም እዩ› በሎም።” (አል አዕራፍ 33) ከምኡ `ውን “በቲ ንዓኻ ፍልጠት ዘይብልካ ዝኾነ አይትስዓብ፤ መስምዒ፣ መርአይ፣ ልቢ ኩለን እዚአን (በዓል ዋናአን) ዝሕተተለን እዩ።” (አል ኢስራእ 36) ከም ዝበለና።
እዚአን አእዳው ከም አእዳው ፍጡር እየን ዝበል “(ንአላህ)ዝመስሎ ምንም ነገር የለን፤ ንሱ `ውን እቲ ሰማዒን እቲ ረአይን እዩ።” (ሹራ 11) ብዝብል ቃል አላህ ጠሊሙ። ብተወሳኺ “ንአላህ መመሰሊ አይትግበሩ” (ነሕል 74) ንዝብል ቃክ አላህ `ውን ዘይምእዙዝ ኮይኑ ማለት እዩ። ኸምዚ ዝበለ እዩ ኢሉ ከም ዝኾነ ይኹን ዓይነት እነተይሉ `ውን በቲ ፍልጠት ዘይብሉ ተዛሪቡን ስዒቡን ካብ ትእዛዝ አላህ ወፂኡ።