Back to Top

ሕቶ(79): ምስ ጡሀራ ዝተራኸበ ጥርጣረ ከመይ እዩ? መዓዝ ከ እዩ እቲ ጥርጣረ ግብረ መልሲ ዝወሀቦ?
መልሲ:

ምስ ጡሀራ ዝተራኸበ ጥርጣረ ክልተ ዓይነት እዩ:

እቲ ሓደ እቲ ጡሀራ ንምፍራሱ ርግፀኛ ኾይንካ እቲ ጡሀራ ኻልአይ ዝተረኸበ ንምዃኑ ምጥርጣር ማለት እዩ

እቲ ኻልአይ ድማ ጡሀራ ከምዝነበርካ ርግፀኛ ምስኾንካ ንምፍራስ ዘይምፍራሱ ምጥርጣር እዩ

በቲ ናይ መጀመርታ: ማለት `ውን ንምፍራሱ ርግፀኛ ኾይኑ ኻልአይ ጡሀራ ንምዃኑ ምጥርጣር፤ ውዱእ ንመፍራሱ ርግፀኛ ኮይኑ ድሕሬኡ ውዱእ ንምግባሩን ዘይምግባሩን ምጥርጣሩ ከም ማለት እንትኾን፤ ንኸምዚ ዓይነቱ አብቲ መሰረት ህነፅ ንብሎ። ማለት እቲ መሰረት ዘይተጠራጠርካሉ ውዱእ ምፍራስኻ ስለዝኾነ ውዱእ ምግባር ግድን ይኾነካ ንብሎ።

ንአብነት ሓደ ሰብ አብ ንጉሆ ከባቢ አርባዕተ ሰዓት ውዱእ ድሕሪ ምፍራሱ ውዱእ ንምግባሩን ንዘይምግባሩን ዙህሪ አዛን ምስበለ ይዝክር`ሞ ይጠራጠር። ዘይተጠራጠርካሉ እቲ መሰረት ውዱእ ምፍራስካ እዩ`ሞ አብቲ መሰረት ህነፅ ውዱእ ግበር ንብሎ።

በቲ ኻልአይ ድማ: እቲ ጡሀራ ምስተረኸበ ንምፍራሱን ዘይምፍራሱን ምጥርጣር፤ ነዚ `ውን እቲ ዘይተጠራጠርካሉ መሰረት ውዱእ ምግባርካ እዩ `ሞ አብቲ መሰረት ህነፅ እቲ ዘጠራጠረካ ከምዘይተፈጠረ ሕሰብ ንብሎ።

ንአብነት ሓደሰብ ንጉሆ ናብ አርባዕተ ሰዓት ከባቢ ውዱእ ይገብር ናይ ዙህሪ ወቅቲ ምስበፅሐ ውዱእ ምፍራሱን ዘይምፍራሱን ይጠራጠር፤ ነዙይ `ውን ንስኻ ውዱእ ስለዘለካ ውዱእ ክትገብር ግድን አይኾነካን ንብሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሓደ ነገር ተፃራሪኡ ክሳብ ዝረጋገፅ መጀመርታ ዝነበሮ ፍርዲ እዩ ዝወሀቦ። ነዚ ኸዓ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ አብ ከብዱ ዝኾነ ውዱእ ዘፍረሰ እናመሰሎ ንዝስመዖ ሰብ ድምፂ ክሳብ ዝሰምዕ ወይ ከዓ ጨና ክሳብ ዝበፅሖ አይውፃእ(64) ዝበሉዎ መጠናኸሪ ይኾነና።

ብዛዕባ ተግባር ወይ ድማ ክፋል ጡሀራ ምጥርጣር ድማ፤ አብ እዋን ውዱእ ገፁ ሓፂቡ ዶ አይሓፀበን እናበለ ከምዝጠራጠር ዓይነት፤ እዚ ኸምዚ ዓይነቱ ካብዘን አርባዕተ ኩነታት ዝረሓቀ አይኮንን:

ቀዳማይ ኩነት: አብ ልቦናኡ ዝዓረፈ ውዱእ አብ ዝገብረሉ እዋን ኢደይ ሓፂበ `ዶ አይሓፀብኩን እናበለ፤ አመዛንነት ዘለዎ ንምምራፅ ብዘይምቹ ብዙሕ ፅዕንቶ ዘይብሉ ጥርጣረ ፤ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ጥርጣረ ቦታ ዝወሃቦ አይኮነን።

ኻልአይ ኩነት: እቲ ሰብ ጥርጣረ ዝብዝሖ ኮይኑ ውዱእ (ኻልእ ነገር ክኾን ይኽእል) አብ ዝገበረሉ እዋን ኩሉ ዝጠራጠር፤ እግሩ እናሓፀበ ርእሰይ ሓቢሰ `ዶ? እዝነይ ከ? ኢደይ ግን ዝሓፀብኩ አይመስለንን? እናበለ ጥርጣረ ምብዛሕ ባህሪ ኾይንዎ ዝተፀገመ፤ ከምዚ ዓይነት `ውን ጥርጣረኡ ቦታ አይሃቦን አይጨነቀሉን።

ሳልሳይ ኩነት: እቲ ጡሀራ ምስወደአ ይጠራጠር። ውዱእ ምስ ወደአ ኢደይ ሓፂበ `ዶ? ርእሰይ ከ ሓቢሰ `ዶ? እዝነይ ከ እናበለ ጥርጣረ ዝመፀሉ ምስወደአ ዝኾነ፤ እዚ `ውን ርግፀኛ ተዘይኾይኑ ንዝመፆ ጥርጣረ ቦታ ክህቦ አይግባእን። ርግፀኛ እንተኾይኑ ከዓ አብቲ መሰረት ይሀንፅ።

እዚአን ሰለስቲአን ንዘለወን ጥርጣረ ቦታ አይወሃቦምን እቲ ሓደ ብዙሕ ፅዕንቶ ዘይብሉ ጥርጣረ ስለዝኾነ፤ እቲ ኻልአይ ድማ ካብ ባዕሉ ጥርጣረ ዝበዝሖ ስለዝኾነ፤ እቲ ሳልሳይ ኸዓ እቲ ጥርጣር ዝመፀ ምስወደአ ስለዝኾነ ነቲ ጥርጣረ ርግፀኛ ክሳብ ዝኾነሉ ቦታ አይወሃቦን።

ራብዓይ ኩነት: እቲ ጥርጣረ ወድዓዊ ሓቂ ክኾን፤ እቲ ሰብ ጥርጣረ ዝበዝሖ ዓይነት ስልዝኾነ ወይ ድማ እቲ ዒባዳ ምሳጠናቀቀ ከይኮነስ ቅድሚኡ፤ እቲ ጥርጣረ ድማ ብዙሕ ፅዕንቶ ዘይብሉ ከይኮነስ አመዛንነት ዘለዎ እንተኾይኑ አብ ከምዚ ዓይነት ጥርጣረ አብ መሰረት ህነፅ ንብሎ። ውዱእ እናገበረ ርእሲ ምሕባስ ምስበፅሐ ምግሙፅሟፅ ረሲዑ እንተነይሩ ተመሊስካ ተግሞፅሞፅ ሞ ኢድኻ ሕፀብ ንብሎ። ርእሲ ምሕባስ ምሰበፅሐ ተመሊስካ ምስተግሞፅሞፅካ ኢድካ ክሳብ ኩርናዕ ብምሕፃብ ናብ ርእስኻ ምሕባስ ተመለስ ንብለሉ ምኽንያት ድማ ምኽንያቱ አላህ ድሕሪ ገፅ ምሕፃብ (ምግሙፅሟፅ ብዘጠቃለለ) ቅድሚ ርእሲ ምሕባስ ዝጠቀሰልና ኢድ ምሕፃብ ስለዝኾነን አብ ሞንጎ አካላት ውዱእ ቅደም ሰዓብ ምክትታል `ውን ግድን ስለዝኾነ እዩ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ እዋን ሓጅ ናብ ዓቀብ ሶፋ ምስወፁ ረቢ ብዝጀመሮ ጀምር ጀምር (65) ስለዝበሉ እዩ። አብ ጡሀራ ዘሎ ጥርጣረ ከዓ ከምዚ እዩ።

እዋናዊ