ሕቶ(76): ብሓፈሻ አብ ልዕሊ ካልሲ ኽዳን (ሹራብ ኣእጋር ንብሎም) ምሕባስ ፍርዱ እንታይ እዩ? እቲ ካልሲ ዝተቀደደ ወይ ድማ ፎኲስ እንተኾይኑ ኸ?
መልሲ:
እቲ ሚዛናዊ ዝኾነ ቃል ዑለማታት ኢስላም አብ ኸምዚ ዓይነት ካልሲ `ውን ምሕባስ ይከአል ዝብል እዩ። ማለት ዝተቀደደ አብ ዝኾነ ወይ ከዓ ብምኽንያት ፎኲስ ምዃኑ አብ ድሕሬኡ ዘሎ ቀለም ናይ ነብስኻ ከርኢ ዝኽእል ዓይነት ካልሲ ዋላ`ኳ ተኾነ አብ ልዕሌኡ ምሕባስ ይከአል ዝብል እዩ። ምኽንያቱ አብ ካልሲ ንምሕባስ እቲ ዓብይ ሓሳብ ድሕሬኡ ንዘሎ ምሕባእ ምኽአሉ ከይኮነስ ፤ እግሪ `ውን ካብ ዓውረት (መሳርዕ ሕፍረት) አይኾነን። አብ ካልሲ ናይ ምሕባስ እቲ ዓብይ ሓሳብ ነቲ ሕጊ ቀሊልን ገርህን ምግባር ስለዝኾነ ንኸውፅእ አይነገድዶን። እኳደአስ አብ ልዕሌኡ ምሕባስኻ እኹል እዩ። እዚ ድማ እዩ አብ ካልሲ ምሕባስ ብሸሪዓና ዝተሓንፀፀሉ ምኽንያት። ነዚ መበገሲ ብምግባር ድማ ፎኲስ ዝኾነን ረቂቅ ዝኾነን ንዝተቀደደን ረጒድ ንዝኾነን መፍለይ ዘይብሎም ማዕረ እዮም ንብሎ።