Back to Top

ሕቶ(75): ብዛዕባ እዚ ኹፍን ካልሲን ቅድመ ኩነት አለዎ `ዶ?
መልሲ:

ጡሀራ ምኻኑን ዝአምሰሉን እንተኾይኑ እምበር ቅድመ ኩነት የብሉን፤ ምኽንያቱ እቲ ኹፊ ጡሀራ እንተዘይኾይኑ አብኡ ክሕብሰሉ አይኽእልን። ንአብነት ሓደ ሰብ እቲ ዝገበሮ ኹፊ ካብ ቆዳ ከልቢ  ዝተሰርሐ እንተኾይኑ ነጃሳ ስለዝኾነ ነጃሳ ሒዝካ ድማ ሶላት ስለዘየለ አብኡ ምሕባስ አይፍቀደሉን ፤ አብኡ እንተሓቢሱ `ውን እቲ ነጃሳ ናብ ኻሊእ ይለኽዖዕ እምበር አይፅርዮን።

እዋናዊ