Back to Top

ሕቶ(70): ውዱእ ዘፍርሱ ነገራት እንታይ እንታይ ከምዝኾኑ ሓብሩና?
መልሲ:

ቅድሚ ብዛዕባ ውዱእ ዘፍርሱ ነገራት ዝርዝር ምቅራበይ ሓንቲ ክሕብረኩም ዝደሊ ብዙሕ ሰብ ዝጋገየላ ነጥቢ አላ። እዙይ `ውን ሓደ ሓደ ሰብ ኢስቲንጃእን ኢስቲጅማርን (ብእምኒ ኢስቲንጃ ምግባር) ካብ ውዱእ ግዴታ ገይሩ ይቆፅሮ `ሞ  ይጥይቅ፤ ንአብነት ሓደ ሰብ ንጉሆ ሽንቱ ሸይኑ አፃሪዩ ዙህሪ አዛን ምስበለ ውዱእ ንምግባር እንተደልዩ ኻልአይ ዘይሸነ ኻልአይ ከፃርይ ግዴታ ድዩ? ይብል። ንሕና ድማ ንብሎ ቅዱሙ እንተፃሪኻ ኻልአይ ክተፃሪ ግዴታ አይኮነን። መሳርዕ ፍታንን ሽንትን ዝሕፀብ አብ እዋን ፍታን አብ ዙርያኡ ንዘትረፎ ነጃሳን ረሳሕን ንምውጋድ ጥራይ እዩ እምበር ምስ ውዱእ ዘራኽቦ ነገር የለን። ድሕሪ ናይ መጀመርታ ምፅራይ ነጃሳ ተዘይረኺብዎ ክተፅሪ የብልካን። ስለዚ ብኢስቲንጃእ (ፈርጅ ካብ ዝነኽኦ ነጃሳ ምፅራይ)ን ብውዱእን ዘሎ ፍልልይ በዚ ንርዳእ። እዚአ ነጥቢ ልቢ ክተበሀል ይደሊ።

ብዛዕባ `ዞም ውዱእ ዘፍርሱ ነገራት ድማ ነቲ ውዱእ ከበላሽውን ከዕኑውን ዝኽእሉ ነገራት እዮም። እሶም ድማ ቀልቀል (ፍታን)፣ ንፋስ (ፉሲ)፣ ድቃስ፣ ምብላዕ ስጋ ግመል እዮም።

ነዞም ሰለስተ ፍታን፣ ሽንቲን ንፋስን ውዱእ ከምዘፍርሱ ሶፍዋን ዘመሓላለፎ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሙሳፊር እንተኾይንና ዝገበርናዮ ኹፍ(ካልሲ) ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ቀትርን ለይትን ንሕፅበት ጀናባ ተዘይኾይኑ ንፍታን፣ ንሽንትን ንድቃስን ኢልና ንኸይነውፅእ ኢሎምና።(50)

እዚ ድማ አብ ዝኸበረ ቁርአን

ሕሙም ወይ ሙሳፊር እንተኾይንኩም ወይድማ ቀልቀል መፂኡ ወይ ደቂ አነስትዮ ነኺእኩም ማይ ተዘይረኺብኩም ፅሩይ ገፀ ምድሪ ሕሰቡ። ካብኡ ገፅኩምን አእዳውኩምን ሓብሱ።ኒሳእ 43

ዝብል  መጠናኸሪ አለዎ።

ንፋስ (ፉሲ) ድማ ካብ ዓብደሏህ ቢን ዘይድን አቢ ሁረይራን ንዝመፁ ሓዲሥ ናይ ነቢ (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብዛዕባ ንፋስ (ፉሲ) ይውፀኦ አይወፀኦ ንዝተጠራጠረ ሰብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ጨና ወይ ድማ ድምፂ ክሳብ ዝበፅሖ ሶላቱ አቋሪፁ አይንቀሳቀስ ወይ ድማ ካብቲ መስጅድ አይውፃእ። (51) ኢሎም። እዚ ድማ ንፋስ (ፉሲ) ውዱእ ከምዘፍርስ መረዳእታ እዩ። ሽንቲ፣ ፍታን፣ ንፋስን ድቃስን አርባዕተ ኮይኖም።

ድቃስ ውዱእ ዘፍርስ ግን እቲ ዝደቀሰ ሰብ ብሰንኪ ድቃሱ እንተሞሊቕዎ ክሳብ ዘይፍለጦ ዘብፅሕ ዓይነት እንተኾይኑ እዩ። ድቃስ ድማ ውዱእ ንምፍራስ ምቹ ባይታ ስለዝፈጥር ናብ ምፍራስ ውዱእ ዝጥርጠረሉ እዩ `ምበር ብዓርሱ ውዱእ ዘፍርስ ኾይኑ አይኮነን። እዚ ማለት ኸዓ ንአብነት ሓደ ሰብ አብ ሶላት ከሎ ይኹን ካብ ሶላት ወፃኢ ኾይኑ ካብኡ ንዝወፅ ነገር ምቁፅፃር ዝኽእለሉ ዓይነት ጠጠው አብ ዝበለሉ ይኹን ደቂሱ ወይ ከዓ ኮፍ አብ ዝበለሉ ፎኲስ ድቃስ እንተሒዝዎ ዋላ`ኳ ንነዊሕ ግዜ እንተኾነ እዚ ሰብ ውዱእ አየፍረሰን። ምኽንያቱ ብድቃስ ውዱእ አፍሪሱ አየፍረሰን ዝበሀለሉ መሰረት ኩነታት ድቃሱ ከይኮነስ ዓርሱ ምፍላጥን ምቁፅፃርን ምኽአል ዘይምኽአሉ እዩ። እዚ ሰብ ዓርሱ ክሳብ ዝፈልጥን ዝቆፃፀርን ግድም ኢሉ ይኹን ዝንብል ኢሉ ዝደቀሰ ውዱእ አለዎ።

እቲ ሓምሻይ ውዱእ ዘፍርስ ነገር ድማ ምብላዕ ስጋ ግመል እዩ። ምኽንያቱ ሶሒሕ ብዝኾነ ሓዲሥ ከምዝመፀ ሓደ ሰበ ንነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝበላዕናዮ ስጋ ግመል ውዱእ ንግበር `ዶ? ምስበሎም እወ ኢሎም ፤ ንስጋ አባጊዕን ጠሊን ኸ? ምስበሎም ድማ እንተደሊኻ ኢሎም መለሱሉ። (52)

ንስጋ ግመል “እወ” ኢሎም ንናይ አጣልን አባጊዕን ስጋ “እንተደሊኻ” ዝብል መልሲ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም: ስጋ ግመል ዝበልዐ ሰብ ውዱእ ዝገብሮ እንተደሊዩ ከይኮነስ ግቡኡ ምዃኑ ይሕብረና። ግቡኡ ተዘይኸውን ኔሩ ንአጣልን አባጊዕን ጥራይ ፈልዩ “እንተደሊኻ” አይብልን ኔሩ ንግመል `ውን እንተደሊኻ ብዝብል ናብ ድሌት ውልቀሰብ ምተመለሰ ኔሩ። ኻሊእ ሓዲሥ `ውን ንስጋ ግመል ኢሉ ብውዱእ አዚዙ(53) ዝብል አሎ። ብመሰረት እዚ ሓደ ሰብ ስጋ ግመል እንተበሊዑ ውዱኡ ፈሪሱ ንብል። እቲ ስጋ ብዙሕ ይኹን ንኡስ፣ ጥረ ይኹን ዝበሰለ፣ ካብ ቀይሕ ይኹን ካብ መዓንጣ፣ ከብዲ፣ ጉበት፣ ልቢ በዚ በለ በቲ አብ ዝኾነ ይኹን እንተበሊዑ በዘይ ገለ ውዱእ የፍርስ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓደ ክፋልን በቲ ኻሊእን ስለዘይፈለዩ። ሓሰማ ሓራም ንምዃኑ ረቢና ብቁርአን «ሙውት፣ ደምን ስጋ ሓሰማን ሓራምኩም ኮይኑ» [ማኢዳ 3] ካብ ዝብል ተበጊስና እቲ ዝተከልከለ ብሓፈሻ ስጋ ሓሰማ እዮ ከምዝበልናዮ ስጋ ግመል ክንብል ከለና `ውን ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ውዱእ ይግበረሉ ምዃኑ ተሓቲቶም “እወ” ዝብል ሓፈሻዊ መልሲ ካብ ምሀቦም ተበጊስና `ውን ነቲ ሓደ ክፋል ተፈቂዱ እቲ ሓደ አይፍቀድን አይንብለሉን። ብሸሪዐተል ኢስላም ድማ ንሓደ ክፋል አካል ካብ ኻልኦት ተፈልዩ በይኑ ፍርዲ ዝወሀበሉ የለን። እኳደአስ ኩሉ ክፋል አካል አብ ዝወሀብ ፍረዲ ማዕረ እዩ። ብፍላይ ድማ ምብላዕ ስጋ ግመል ውዱእ ዘፍርሰሉ ምኽንያት ከም ዒባዳ ከይኮነ (ምብላዕና ጥራይ ምዃኑ) አብ ዝፈለጥናሉ።

ስለዚ ውዱእ እናሀለዎ ስጋ ግመል ካብ ዝኾነ ይኹን አካሉ ዝበልዐ ውዱኡ ንኽሕድስ ግድን ይኾኖ። ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ውዱእ ኔርዎ ውዱእ ዘፍርስ ነገር ተረኺቡ `ዶ አይተረኸበን እንተተጠራጢሩ ሽንቲ ምሻን ዘይምሻኑ፣ ወይ ከዓ ንፋስ ምውፃኡ ዘይምውፃኡ፣ ወይ ድማ ዝበልዖ ስጋ ግመል `ዶ ወይለ ስጋ ጤልን አባጊዕን ዘለዎ ውዱእ ንኽሕድስ ግድ ዝብሎ አይኾንን። ምኽንይቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ አብ ሶላት ከሎ ንፋስ ብድሕሪት ምውፃኡን ዘይምውፃኡን ዝጠራጠር ሰብ ተሓቲቶም ወይ ድምፂ ክሳብ ዝሰምዕ ወይ ድማ ጨና ክሳብ ዝበፅሖ ከይወፅእ ስለዝበሉ። (54) ስለዝበሉ። ማለት `ውን በቲ ውዱእ ምፍራሱን ዘይምፍራሱን ብስምዒት ህዋሳቱ ረኺቡ ብዘየጠራጥሮ ርግፀኛ ክሳብ ዝኾን። ሓደ ነገር ድማ ንምልዓሉ ርግፀኛ ክሳብ ዝኾን አብ ዘለዎ ክሕሰብ መሰረታዊ ሓቂ ዑለማታት ስለዝኾነ እቲ ውዱእ `ውን ንምፍራሱ ርግፀኛ ተዘይኾንና አይፈረሰን።

እዋናዊ