Back to Top

ሕቶ(66): ናይዚ መሰረታዊ መፅረይ መተካእታ አለዎ `ዶ? እንተሀልይዎ ኸ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ነዚ መሰረታዊ መፅረይ መተካአታ አለዎ ንሱ ድማ ሓመድ እዩ። ማይ ስለዘየለ ወይከዓ እንተሀልዩ `ውን ብምጥቃም ማይ ዝመፅእ ጉድአት ዘስዕብ እንተኾይኑ(ንአብነት ንሕሙም) ምጥቃም ሓመድ አማራፂ ይኸውን። ማለት `ውን ተየሙም። ብከም ኢዱ ሓመድ ምድሪ ምስወቅዐ ገፁን ሐደ ዝባን ኢዱ በቲ ኻሊእ ኢድ ከም ይሕብስ። ይኹን ደአ`ምበር እዚ ዓይነት መንገዲ አብ (ከም ጁኑብ ዝአምሰሉ) ረኽሲ መፅረይ እምበር ረሳሕን ጓሓፍን አብ ነብሲ ይኹን ክዳን ወይ ከዓ አብ ባይታ ነልዕለሉ መንገዲ አይኮነን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ምውጋድ ረሳሕ እቲ ዓብይ ቁምነገር ናይቲ ረሳሕ ምልዓል እምበር ምስዒባዳ ተራኺቡ ቅድመ ኩነት ዝቅመጠሉ አይኮነን። ስለዚ ድማ እዩ ካብ ካልኦት ቅድመኩነት ዘለዎም ዒባዳታት ብዝተፈለየ ሓደ ሰብ አብ ዝኾነ ይኹን ርስሓት ነይርዎ በዘይ ናቱ ፍልጠትን ሓሳብን (ኒያ) እንተተልዒሉ ጡሀራ ኾይኑ ክበሀል ዝኽእል። ወይ ከዓ ዝናብ ነጃሳ አብ ዝነበረ ቦታ ወይ ኽዳን እንተወቂዑ ነቲ ነጃሳ ድማ እንተልዒሉዎ ጡሀራ ተረኺቡ ንብል። ካብ ረኽሲ ምፅራይ ግን ቅድመኩነት ዘለዎ ዒባዳ ስለዝኾነ ኒያን ሓሳቡን ክህሉ ግድን እዩ።

እዋናዊ