Back to Top

ሕቶ(65): መሰረታዊ መፅረይ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ካብ ረሳሕ ንምፅራይ እቲ መሰረታዊ መፅረይ ማይ እዩ። እቲ ማይ ፅረይ ማይ ይኹን ወይ ከዓ ጡሀራ ብዝኾነ ነገር ዝተቐየረ ክኾን ይኽእል። ምኽንያቱ ብዛዕባኡ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ማይ ጡሀራ ብዝኾነ ነገር ተቀይሩ ማይ ካበ ዝበሀል ማህደር ተዘይወፂኡ ጡሀራ ምዃኑ አይተርፍን፤ ጡሀራ ዝኾነን ጡሀራ ክገብር ዝኽእልን እዩ።

ማይ ተዘይተረኺቡ፤ ተረኺቡ `ውን ብስግአት ዝተመልአ (ምስ ጥዕና ዝተራኸበ ስግአት ክኸውን ይኽአል) እንተኾይኑ አብ ሓመድ ምድሪ ብከም ኢድካ ብምውቃዕ ገፅካን ናይቲ ሓደ ዝባን ከሚ በቲ ኻሊእ ከሚ ኢድ ብምሕባስ ተየሙም ምግባር መማረፂ ይኸውን። እዚ ብአንፃር ካብ ረኽሲ (ከምኒ ጀናባ፣ ሓይድ፣ ውዱእ ንዝአምሰሉ) ምፅራይ ብዝምልከት እዩ። ካብ ረሳሕ ምፅራይ ብዝምልከት ድማ ነቲ ረሳሕ ንምውጋድን ጡሀራ ንምግባርን ብዝኽእል ነገር ብሙሉእ ማይ ይኹን ኻሊእ ነገር ክኸውን ይኽአል። ምኽኒንያቱ ድማ ብዛዕባ ረሳሕ እቲ ዝደለ ዓብይ ቁምነገር ካብኡ ምፅራይ እዩ። እዚ ረሳሕ ዝውገደሉ ከም መጋየፂ ዓይነት ይኹን ማይ ፈሳሲ ይኹን ንቁፅ ነገር ነቲ ረሳሕ ንምልዓል ዓቅሚ ዘለዎ አማራፂ እንተተረኺቡ ነቲ ረሳሕ ክሳብ ዘልዐሎ አማራፂ ይኸውን። በዚ ድማ አብ ናይ ረኽሲ መፅረይ መንገዲን ናይ ረሳሕ መፅረይ መንገዲን ዘሎ ፍልልይ ንርዳእ።

እዋናዊ