ሕቶ(64): ጡሀራ ማለት እንታይ እዩ?
መልሲ:
ጡሀራ ማለት ንፅህና ወይ ከዓ ፅርየት ማለት እዩ። ከም ሸሪዓ ምናባውን ገሀዳውን ዝተብሀሉ ክለት ዓይነታት ጡሀራ አለው። ምናባዊ ጡሀራ ክንብል ከለና ናይ ልቢ ካብ ሽርኪ (ንአላህ ጥራይ ዝግባ ንኻሊእ `ውን ምሀብ) ይኹን ካብ ቢድዓ (ናይ አላህ ወይ ከዓ ናይ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አምሪ ዘይብሉ) ወይ ከዓ ካብ ኻልእ ዓይነት ሕልኽላኽ ዒባዳን ከም ሒስዲ፣ ዘይግባእ ቅንኢ፣ ፅልኢን ዝአምሰሉ ሕልኽልኻት ንዘይግበኦም ሷሊሕ ሰባት ካብ ምግባር ምፅራያ ማለት እዩ።
ገሀዳዊ ጡሀራ ማለት ከዓ ናይ ነብስካ ምፅራይ ማለት እዩ። እዚ `ውን ኸምኡ ንኽልተ ይምቀል። ካብ ሶላትን ኻልኦት ከምኡ ጡሀራ ቅድመ ኩነት ካብ ዝገብሩ ክዕቅብ ካብ ዝኽእል ኩነተ ምፅራይን፤ ምውጋድ ርኽሰትን ክንብሎ ንኽእል።
መጀመርታ ብዛዕባ ምናባዊ ጡሀራ ንርአይ። ምናባዊ ጡሀራ ክንብል ከለና ካብ ሽርኪን ቢድዓን ዓይነታት ምስ ሐቂ ረቢ ዝፃባኡ ቀልቢ ምፅራያ እዩ። እቲ ዝለዓለ ዓይነት ጡሀራን መቦቆል ኩሉ ዓይነት ዒባዳታትን እዩ። አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ሽርክ ካብ ዘለዎ ቀልቢን ረቢ ብዘይሓንፀፆ መንገዲ ናብ አላህ ንምቅራብ ብዝግበር ዓይነት ዝመፀ ዓይነት ዒባዳ (ቢድዓ ዝኾነ) አይቅበሎን። ረቡና “ናቶም ዒባዳ ተቀባልነት ካብ ምርካብ ዝዓቀቦም ብአላህን ብልኡኹን ዘለዎም ክሕደት እዩ።” (ተውባ 54) ከምዝበሎ። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ “አብ ዝሰርሖ ስራሕ ናትና አምር (ትእዛዝ) እንተዘይብሉ እቲ ስራሕ ተመላሲ (አላህ አይቅበሎን) እዩ” ኢሎም እዮም። (45)
ስለዚ ብረቢና ዓብይ ሽርኪ ዘሻርክ ሰብ ይስገድ፣ ይፁም፣ ዘካ የውፅእ ወይ ከዓ ሓጅ ይግበር አላህ አይቅበሎን። ዱዓኡ ይኹን ኻሊእ ዒባዳኡ ካብ አላህ ወፃኢ ንዘሎ ዝገብር ዋላ`ኳ ንአላህ ጥራይ ኢሉ ዝገብሮ ዒባዳ እንተሀለዎ በቲ ኻሊእ ወገን ካብ አላህ ወፃኢ ንዘሎ ዓብይ ሽርኪ ክሳብ ዘለዎ ንአላህ ምምላኹ ተቐባልነት ዘይብሉ ይገብረሉ።
ስለዚ ድማ እዩ ብአላህ ንዘሻርኩ ሰባት አላህ ነጀስ ኢሉ ዝገልፆም። “ኦ! አንቱም አመንቲ እዞም ሙሽሪካት ነጃስ ስለዝኾኑ ድሕሪ እዚ ዓመቶም ናብቲ ዝኸበረ መስጅድ ከይቀርቡ” ተውባ 28 ብአንፃሩ ኸዓ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) “ሙእሚን አይንጅስን” (46) ኢሎም ካብ ሙእሚን ነጃሳ ነፂጎም `ዮም። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ሙእሚን ዝኾነ ሰብ ቀልቡ (ልቦንኡ) ንክፀሪ ዝለዓለ ጠመተ ክገብረሉ ዝግባእ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቀልቡ ንዘይግበኦ ሙእሚን ካብ ፅልኢ፣ ቅንአት፣ ሒስዲን ዝአምሰሉን ከፅሪ ይግበኦ። እዚአን ኩለን ኩነታት ናይ ሙእሚን ዘይኮና ውጉዝ ባህሪታት እየን። ሓደ ሙእሚን ነቲ ኻሊእ ሙእሚን ሓው እዩ። ክፀልኦ፣ ወይ ክሓስዶ ከይኮነስ ንዓርሱ ዝፈትዎ ፅቡቅ ነገር ኩሉ ንሓው `ውን ክፈትወሉ እዩ ዝግባእ። ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) `ውን “ሕድሕድኩም ንዓርሱ ዝፈትዎ ኸይሪ ንሓው እንተዘይፈቲውሉ ኢማንኩም አይተማልአን”(47) ኢሎም ንዓርሱ ዝፈትዎ ንሓው ክሳብ ዘይፈተወሉ ኢማን ነፂጎሞ አለው። ብዙሕ ብኸይሪ ሥርሖም፣ ብተቅዋኦም፣ ብዙህዲ (ካብ ዱንያ ብንኡስ ብምዕጋብ)፣ ብቁርአንን ዚክሪን ሶላትን ከጋይፁ ናብ መስጅድ ብብዝሓት ብተመላላሲነቶም ዝፍለጡ ብዙሕ ሰባት ንሙስሊም አሕዋቶም ፅልኢ፣ ወይከዓ ረቢ ብዝሀቦ ኒዕማ ዘይግባእ ቅንኢ ዘለዎም ኮይኖም ንሪኦም ሰባት ብዙሓት `ዮም። እዚ ድማ ብንሰርሖ ዒባዳ ሰፊሕ ክፉት ቦታ ይፈጥር። ንሙስሊሚን አሕዋትናን አሓትናን ካብ ከምዙይ ዓይነት ጌጋ ቀልብና ክነፅሪ ይግበአና።
ገሀዳዊ ጡሀራ `ውን ከምቲ ዝበልናዮ ክልተ ዓይነት እዩ።
ካብ ሶላትን ዝአምሰሉን ጡሀራ ቅድመ ኩነት ንዝገብሩ ዝዕቅብ ኩነት ምውጋድን
ረሳሕ ምውጋድን እዮም።
ዓቃቢ ኩነት ምውጋድ ክንብል ከለና ዓብይ (ከም ጀናባን ሓይድን ዓይነት) ረኽሲን ንኡስ (ከም ውዱእ ዘፍርሱ ነገራት ዓይነት) ረኽሲን ምውጋድ ንምባል እዩ። እዚ ድማ ንዝረኸበ ብማይ ንዘይረኸበ ድማ ብተየሙም ይኸውን። አላህ `ውን
“ኦ አንቱም አመንቲ ናብ ሶላት እንተቆይምኩም ገፅኩም፣ አእዳውኩም ክሳብ ኩርናዕ፣ ርእስኹም ብምሕባስ አእጋርኹም ክሳብ ምናት ሕፀቡ፤ ጁኑብ (ምስ ተፃራሪ ፆታ ርክብ ፈፂሙን ብዝአምሰሉን ዝረኸሰ) እንተኾይንኩም (ነብስኹም) ሕፀቡ፤ ሕሙም ወይ ሙሳፊር እንተኾይንኩም ወይድማ ቀልቀል መፂኡ ወይ ደቂ አነስትዮ ነኺእኩም ማይ ተዘይረኺብኩም ፅሩይ ገፀ ምድሪ ሕሰቡ። ካብኡ ገፅኩምን አእዳውኩምን ሓብሱ። አላህ `ውን በአኹም ፀገምኩም ዝደሊ አይኮነን። ግን ንኽተመስግኑዎ ፅርየትኩምን ብናቱ ፀጋ ክመልአልኩምን እዩ ዝደሊ።” ማኢዳ 6
እቲ ካልአይ ዓይነት ድማ ካብ ረሳሕ ምፅራይ እዩ። እዚ ማለት ድማ ከምኒ ሽንትን ቀልቀልን ዝአምሰሉ ብሓዲሥን ብሸሪዓን ነጃሳ ንምዃኖም መረዳእታ ዝመፀሎምን ሸርዕና ካብ ዘይደልዮ ኩሉ ዓይነት ነውሪ ፅሩይን ፅፉፍን ምዃን ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ፉቀሀእ “ጡሀራ ማለት ወይ ካብ ረኽሲ ወይ ድማ ካብ ረሳሕ ፅሩይ ምዃን እዩ።” ዝብሉ። አህሉ ሱነን ፀብፀብቲ ሓዲሥ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሓደ ግዜ አብ ሶላት (ኢማም ኮይኖም) ንብፀይቶም (አስሓባኦም) አብ ዘስግዱሉ እዋን ጫማኦም አውፅኡ እቶም ሱሓባታት ድማ ናይ ነቢና ጫማ ምውፃእ ተኸቲሎም አውፅኡ። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሶላቶም ምስወደኡ ንብፀይቶም ንምንታይ ጫማኦም ከምዘውፀኡ ምስሓተቱዎም እቶም ሱሓበታት ድማ “ጫማኻ ክተውፅእ ምስረአይናካ ንሕና `ውን ጫማና አውፂእና” ብምባል ይምልሱሎም። ሽዑ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) “(አነማ ዘውፃእኹዎ ጅብሪል መፂኡ) አነ ዝገበርኩዎ ጫማ አዛ ከምዘለዎ ስለዝፀወየኒ እየ።” ኢሎሞም።(48) “አዛ” ማለት ረሳሕ ንምባል እዩ። እዚ ድማ ጡሀራ ከምዘድልዮ ሓደ መበገሲ እዩ።