Back to Top
   ጉዳያት ዓቒዳ        ሃይማኖታትን አመለኻኽታን

ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሩሕ ኢልካ ፋቲሓ ምቅራእ


ሕቶ(63): ብዛዕባ ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሩሕ ክበሀል ቁርአን ይቀራእ እናበሉ ንዝምዕዱን ወይ ከዓ ንዑኡ እናተብሀለ አብ ቀብሪ ስለዝቀርኡ ሰባት እንታይ ትብሉ?
መልሲ:

ብሸሪዓ ብዘይመፀ ነገር ትአዝዝ ስለዝኾነት እዚአ ማዕዳ ክትፍፀም ግቡአ አይኮነን። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሓደ ሰብ ዒባዳ እናገበረ ናይቲ ዒባዳ ፍርያት ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ንክኾን አይሓንፀፀልናን። ምኽንያቱ ብሸሪዓና እዚ ተዝሕንፀፅ ኔሩ አብ ስራሕ ንምውዓል ንሱሓበታት  (ረዲየሏሁ ዓንሁም) አይንቅድሞምን ኔርና። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ናብ ከምዚ ዓይነት ዘድልዮም አይኮኑን። ናቶም ኡማ ብዝሰርሖ ሰናይ ስራሕ ብሙሉእ ናብዚ ስራሕ ዘመላኸትዎ ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብምዃኖም አጅሪ ስለዘለዎም። “ናብ ሰናይ ስራሕ ዘመላኸተ ድማ ከምዝሰርሐ”(44) ስለዝኾነ። (ንነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እናበሉ ዝገብርዎ ግን) ካብ ምዕላል ዘይፍለን ካብ ሰናይ ገበርቲ ናይ ቀደም አቦታትና ዘይመፀን እዩ። “አብ ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ቀብሪ ኮይንኻ ንዓይ ቅርአለይ” እንተይሉ `ውን ከምቲ ብዛዕባ ተኸታልነት ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንዝትይ ከለና ከምዝፍለጥ ፍሉይ ባይታ ንዘይተገበረሉ ዒባዳ ፍሉይ ባይታ ምግባር ብዓርሱ ቢድዓ ስለዝኾነ እቲ ቃሉ ዝስማዕ አይኾንን። ዒባዳ ፅኑዕ ንክኸውን እዘን ሽድሽተ አንፈታት ምስ አፈፃፅማ ነቢና ተመሳሳሊ ክኸውን ስለዘለዎ፤ እዚአን ድማ ሰበብ፣ ዓይነት፣ መጠን፣ ኩነት፣ ጊዜን ቦታን ናይቲ ዒባዳ ምስ አፈፃፅማ ወይ ከዓ ሙህሮ ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክመዓረ ስለዘለዎ።

እዋናዊ