Back to Top

ሕቶ(61): ብዛዕባ ምቅራእ ቁርአን ክንፈልጦም ዝግባአና አገደስቲ ዝበሀሉ ሕግታት አብራህርሁልና።
መልሲ:

ቁርአን ምቅራእ ንዝደሊ ሰብ ዓብይን ንኡስን  ካብ ዝተብሀሉ ክልተ ዓይነታት ረኽሲ ጡሀራ ክኸውን ይግባእ። ንአብነት ሓደ ሰብ ከም ጁኑብ ዓይነት ዓብይ ረኽሲ እናሃለዎ ብአግባቡ ክሳብ ዝሕፀብ ቁርአን ንምቅራእ አይፍቀደሉን። ብሓዲሥ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ስለዝተኸልኸለ። ብዛዕባ አብ ሓይዲ (ወርሓዊ ፅግያ) ዘላ ጓል ድማ ዓበይቲ ዑለማታት ኢስላም ሓሳቦም ናብ ክልተ ዝተመቀለ እዩ።

ሓድ ሓደ ዑለማታት ኢስላም አብ እዋን ሓይዲ ቁርአን ክትቀርእ የብላን ዝብል ክምህ ዘይብሉ ብሩህ መረዳእታ ብቁርአን ወላ ብሓዲሥ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ስለዘየለ እቲ መሰረታዊ ሓቂ ድማ ካብ ተሓታትነትን ግዴታን ከምኡ `ውን ካብ ምዕብላል ናፅነት ብምዃኑ ክትቀርእ ትኽእል ይብሉ። በዚ ኻልእ ወገን ከዓ ልክዕ ከም ጁኑብ ክትሕፀብ ግዴታ ስለዘለዋ፤ ካብ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝመፁ ከምዘይፍቀደላ ሓበሬታ ዘለዎም ሓዲሣት ድማ ስለዘለው ጓል አነስተይቲ አብ እዋን ሓይዲ ቁርአን አይፍቀደላን ዝብሉ ዑለማታት ኢስላም አለው። አነ ብውልቀይ ቁርአን ንምቅራእ ስለዝደለየት ጥራሕ እንተኾይኑ ክትገድፎ፤ ንኸይትርስዖ፣ ውላዳን ደቃን ወይ ከዓ መምህር እንተኾይና ድማ ንተምሀሮታት ንክተምህረሉ፣ እናተምሀረት እንተኾይና ድማ መምህራ ንኽሰምዕዋን ንዝአምሰሉን አገዳሲ ምኽንያት ስለዘለዋ እንተኾይኑ ድማ ምቅራኣ ዝሓሸ እዩ ይብል። ከምኡ `ውን ከምኒ አየተል ኩርሲይ ዝአምሰሉ ዚክሪ ዝኾኑ ክፋል ቁርአን ንክትቀርእ `ውን ዝጎድእ አይኮነን ምኽንያቱ አገዳስነት ስለዘለዎ። እዚ ከምኩነታት ነዛ ጓል ዘለዎ አገዳስነት ናታ ምቅራእ አገዳሲ እንተኾይኑ ንክትቀርእ ተዘይኾይኑ ድማ ክትገድፎ ዝበልኩዎ ናብ ሓቂ ዝቀረበ ከምዝኸውን ትፅቢት ይገብር።

ብተወሳኺ ቁርአን ዝቀርእ ሰብ እቲ ዝቅራእ ብዛዕባ ዛንታ ይኹን ታሪኽ ወይ ከዓ ሕግታት ስራሕ አይትስራሕ ዘለዎ ልዑል ትርጉም ብቀልቡ እናስተማቀረ ክኸውን ይግባእ። ስለዚ ድማ እዩ አላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ነዚ ቁርአን አውሪድዎ «እዚ ናባኻ ዘውረድናዮ ብሩኽ መፅሓፍ እዩ። [ትርጉም] ዓናቅፁ ንከስተማቅሩን ሰባት ልቦና ንከስተውዕሉን (አውሪድናዮ)።» ሷድ 29

ሓደ ሰብ ምስልቦናኡ ኮይኑ ትርጉሙ እናስተማቀረ እንትቀርእን ዘንጊዑ እንትቀርእን ግልፅ ዝበለ ፍልልይ ይረክበሉ። ትርጉሙ እናስተማቀረን እናስተውዓለን እንትቀርእ ካብቲ ዝለዓለ ጥቅሚ ናይ ቁርአን ክንድዓቅሙ ይረኽበሉ። እዙይ ድማ ጥንካረ ኢማንን ርግፅነትን፤ አብ ውሽጡ ንዘለዋ ሕግታት ድማ ምጉታትን ምስላምን የርክበሉ።

ብዛዕባ አቀራርአ ድማ ብህድአት ዝተመልአን ፊደል እናሓለፍካ፣ ወይ ከዓ ቃላት እናጨፍለቅካ ካብ እትቀርአሉ ህፁፅነት ዝረሓቀ፤ እኳደአስ ርግአት ብዘለዎን ህድእ ብዝበለን ክቅራእ ይግባእ። ሓሓሊፉ ናህሪ ምውሳኽ ፊደል ብዘይምሕላፍን ዘይሕባእ ብዘይምሕባእን እንተኾይኑ ፀገም ዘይክህልዎ ይኽእል።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ