ሕቶ(60): ብዛዕባ ቁርአን ናይ ቀደም አቦታትና (ሰለፍ) ዝነበሮም እምነት [ዓቂዳ] እንታይ ይመስል?
መልሲ:
ናይ ቀደም አቦታትና ብዛዕባ ቁርአን ዘለዎም እምነት ልክዕ ብኻልኦት አስማትን ባህርያትን አላህ ከምዝነበሮም እምነት እዩ። አብ ቁርአን ረቢን ሓዲሥ ነብይና ሙሓመድን (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተሰረተት ድማ እያ። ከምቲ ዝፍለጥ አሏህ ቁርአን ናቱ ቃልን ካብኡ ዝመፀን ምዃኑ ገሊፁልና እዩ። «ካብ ሙሽሪኪን ሓደ ፅግዕተኛ ንምዃን እንተሓቲቱ ቃል ረቢ ንኽሰምዕ አፀግዓዮ፤ ካብኡ ናብ ዝሕለወሉ አብፅሓዮ።…» ተውባ 6
ብዘይ ምጥርጣር አብዚ «ቃል ረቢ» ብምባል ዝተደለየ ቁርአን እዩ። ብተወሳኺ «እዚ ቁርአን ብዛዕባ በኒ እስራኤል አብ ዝካትዑሉ መብዛሕትኡ ይዛረብ» ነምል 76
ቁርአን ብትርጉሙ ይኹን ብቃላቱ ናይ ረቢ ቃል እዩ። ብግልፂ ዝተዛረበሉ። ናብ እሙን ጂብሪል ዘውረዶ። ጅብሪል ድማ ናብ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ልቦና ሒዝዎ ግልፂ ብዝኾነ ዓረብኛ ካብ መጠንቀቕቲ ንክኾን ዝወረደ። ናይ ቀደም አቦታትና እምነት ብዛዕባ ቁርአን `ውን ካብ ረቢ ናብ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከም አድላይነቱ ጥበብ ረብና ከምዝፈረዶ ብተኸታታልነት ንዒስራን ሰለስተን ዓመት ዝወረደ እዩ ዝብል `ዩ።
አወራርዳ እቲ ቁርአን ድማ በበእዋኑ ሰበብ ክህልዎን ዘይክህልዎን ይኽእል። በዚ ሓደ ወገን ንምውራዱ ፍሉይ ምኽንያት ስለዘለዎ ዝወረደ ከምዘሎ በዚ ኻልእ ወገን ከዓ ብዘይካ ሰበብ ዝወረደ አሎ፤ እቲ ፍርቂ አብ ሕሉፍ ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም)ን ንሱሓበታቱን ብዘጓነፎም ዝወረደ፤ እቲ ኻሊእ ሕግታት ንምሕንፃፅ ብዝብል ብዘይ ሰበብ፤ ወዘተ እናበለ ዑለማታት ከምዝገለፅዎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝወረደ እዩ። ብተወሳኺ ቀደም አቦታትና ቁርአን ካብ ረቢ ተበጊሱ የውመል ቂያማ ናብኡ ከምዝምለስ `ውን ይገልፁ። ብዛዕባ ቁርአን ናይ ቀደም አቦታትና እምነት እዚ ይመስል።
አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ንቁርአኑ ብዓበይቲ መግለፅታት ከምዝገለፀ አብ ኩላና ዝሕባእ አይኮነን። ብሒክማ ዝተመልአ፣ ዝተኸበረ፣ ዓብይ፣ ልዑል ብዝመሰሉ መግለፅታት ገሊፅዎ እዩ። እዘን ነዚ ቁርአን ንምግላፅ ዝተጠቐመለን መግለፅታት ብሙልአን ነቲ ቁርአን አፀቢቁ ንዝሓዘ፣ ብላዕሉን ብውሽጡን በቲ ቃል ተገዛኢ ንዝኾነ `ውን ይኾና። አሏህ ቁርአን አፀቢቁ ንዝሓዘ ካብ ካልኦት ዝተፈለየ ልዕልነት፣ ሓያልነት፣ ጥበብ፣ ብርታዐ ይህቦ እዩ። ስለዚ ኸዓ አብዛ ሚንበር ኮይነ ንኩሎም አመንቲ እስልምና በዓል ስልጣን ይኹን ሰራሕተኛ፤ ዓሊም ይኹን ሙቀሊድ፤ ብውሽጣዊ ይኹን ብላዕላይ መንነቶም፤ ናይ ረቢ ፈታውነት፣ ዕድል፣ ክብሪን ልዕልናን ድማ ብኩሉ አንፈት ናቶም ክሳብ ዝኾነሎም ቁርአን አፀቢቆም ንኽሕዙ ፃውዒት የቅርብ።