ሕቶ(59): ብዛዕባ እንታይነት ፅኑዕን ውጉዝን ሸፋዓ መብርሂ ሀቡና።
መልሲ:
ሸፋዓ ዝብል ቃል ዓረብኛ «ሸፍዕ» ካብ ዝብል ቃል ዓረብኛ ዝመፀ እንትኸውን ናይ ዊትሪ (ንኽልተ ዘይምቀል) ተፃራሪ እዩ። ሸፋዓ ነፀላ ንዝኾነ ጥሙር ምግባር ማለት እዩ። ሓደ ንዝነበረ ኻልአይ ምሀብ ከም ማለት፣ ሰለስተ እንተነይሩ ኸዓ አርባዕተን ወዘተ ማለት እዩ። እዚ ቋንቋዊ ፍትሒ እቲ ቃል እዩ።
ሕዚ ዝተደለየላ ትርጉም እታ ቃል ድማ ዝጠቅም ንምምፃእ ወይ ከዓ ዝጎድእ ንምትራፍ አብ ሞንጎ ምዃን ወይ ከዓ ሽምግልና ማለት እዩ። ማለት `ውን እቲ ሽምግልና ዝአተወ ሰብ አብቲ ሽምግልና ዘድልዮን አብቲ ንሽምግልና ዝድለይን ሞንጎ ብምእታው ዝጠቅም እንተኾይኑ ንምምፃእ ዝጎድእ እንተኾይኑ ኸዓ ንምትራፍ ኽአቱ ማለት እዩ።
እቲ ሸፋዓ ድማ ክልተ ዓይነት እዩ:
① ፅኑዕን ሓቀኛን ሸፋዓ
② ውጉዝን ግጉይን ዘይጠቅም ሸፋዓ
ፅኑዕን ሓቀኛን ሸፋዓ ዝበልናዮ ረቡና ብቁርአን ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብሓዲሥ አወንታዊ ድጋፍ ዝሀቡዎ ዓይነት ሸፋዓ ንዝኾነ እዩ። ተውሒድን ኢኽላስን ንዘለዎም ሰባት እምበር ድማ አይትኾንን። አቡ ሁረይራ ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) «ሸፋዓኻ ንምርካብ ዕድለኛ ዝኾነ መን እዩ?» ኢሉ ምስሓተቶም ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም «ብኢኽላስ ‹ላ ኢላሀ ኢለ ሏህ› ዝበለ» ኢሎም `ዮም ዝመለሱሉ።(40)
እዙይ ዓይነት ሸፋዓ ድማ ሰለስተ ሸርጥታት (ቅድመ ኩነታት) አለውዎ።
① እቲ ሸፋዓ ንዝገብር ረቢ ዝፈትዎ ክኸውን
② ሽፋዓ ዝግበረሉ ሰብ ረቢ ክፈትዎ
③ ሸፋዓ ንኽገብር ፍቃድ ረቢ ክህሉ
እዘን ሰለስተ ቅድመ ኩነታት ድማ አብ ሓደ ዓንቀፅ ቁርአን ተአኪበን ይርከባ።
«አብ ሰማይን ምድርን ክንደየናይ ዝአክሉ መላኢካታት ረቢ አለው ናቶም ሸፋዓ (ሽምግልና) ረቢ ምስፈተወን ንዝፈተዎን ንዝተሓጎሰሉን እምበር ዘይኸውን።» ነጅም 26
«መን እዩ ብዘይ ናቱ ፍቃድ ሸፋዓ ክኸውን ዝኽእል?(ወላ ሓደ)» በቀራ 255 አብ ዝብል ድማ ብዝሓሸ ግልፂ ኾይና ትርከብ።
«(ሽዑ (የውመል ቂያማ) ረቢ ንዝፈቀደሉን ቃሉ ንዝፈተወሉን እምበር ሸፋዓ አይትጠቕሞን» ጧሀ 109ን
«ረቢ ንዝፈተወሉ እምበር ሸፋዓ አይገብሩን» አል አንቢያእ 28ን አብ ዝብሉ እውን ይርከብ። ስለዚህ እቲ ሸፋዓ ውፅኢታዊ ንክኸውን እዘን ቅድመ ኩነታት ግድን እየን።
ካብዚ ተበጊስና እቲ ኻልአይን ንበዓል ሸፋዓ ዘይጠቕሞን ዓይነት ሸፋዓ ምፍላጥ ንኽእል። ንሱ ድማ ሙሽሪኪን ንዜምልኹዎም ብዘይናቶም ዘውንንዎምን ረቢ ኸዓ ኸምዚ ክብል ከምዘይጠቕሞም ዝገለፀልናን ዓይነት እዩ። «ናይቶም ሸፋዓ ዝገብሩ ሸፋዓ ዘይጠቕሞም እዮም።» ሙደሢር 48 እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኸዓ ረቡና ሱብሓነሁ ወተዓላ ካብቶም ሙሽሪካት ዝፍፅምዎ ሽርኪ ከምዘይፈተወሎም ንሸፋዓ ክፍቀደሎም አይሕሰብን። ረቢ ንዝፈተወሉን ንዝተሓጎሰሉን እምበር ሸፋዓ ስለዘየለ፤ ንሱ ድማ ንባርይኡ ኩፍርን ጥፍአትን አይፈትወሉን። ስለዚ ናይ ሙሽሪኪን ናብ ሽርኪ ተፀጊዖም አብ ረቢ የተዓርቁና እዮም ምባሎም ግጉይን ዘይጠቕምን ዓይነት ምፅጋዕ እዩ። እዙይ ድማ ካብ ረቢ ምርሓቅ እምበር አይውስኸሎምን።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ፅኑዕን ዝጠቕምን ዓይነት ሸፋዓ ሓፈሻዊን ፍሉይን ብምባል ናብ ክልተ ከም ዝምቀል ዑለማታት ኢስላም ይሕብሩ።
ሓፈሻዊ ማለት አሏህ ዝፈቀደሎም ሸፋዓ ገበርቲ ብሙሉእ ነቶም ዝተፈቀዱሎም ሸፋዓ ከምዝገብሩ እንትኾን፤ ፍሉይ ማለት ኸዓ ንነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ጥራሕ ዝተፈቀደት ዓይነት ሸፋዓ እያ። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) በይኖም ካብ ዝገብርዎ ሸፋዓ እታ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዋ ድማ የውመል ቂያማ ሰባት ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ዝኾነ ጭንቅን ጸበባን ምሰጓነፎም ምስ አሏህ ዘተዓርቆምን ካብ ዘለውዎ ምሽቓል ከዕርፎምን ዝኽእል ይደልዩ። ሽዑ ድማ ናብ አቦ ወድ ሰብ አደም፣ ካብኡ ብዝረኸቡዎ ምላሽ ድማ ናብ ኑሕ፣ ስዒቦም ድማ ናብ ኢብራሂም፣ ስዒቦም ናብ ሙሳ፣ ስዒቦም ናብ ዒሳ ምስኸዱ ዝረኸቡዎ መልሲ ነዚ ሸፋዓ ንምግባር ከምዘይኽእሉ ምስኮነ አብ ነቢና ሙሓመድ (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ይበፅሑ፤ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) `ውን ቆይሞም ካብዚ ዘጭንቅ ሰጥሒ ረድኤት ግበረልና እናበሉ እቲ ሸፋዓ ምስገበሩ ረቢ ድማ ዱዓኦም ይቅበሎምን ሸፋዓ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) `ውን ተቀባልነት ይረክብ። እዙይ ድማ እዩ እቲ ብቁርአን ውዳሰ ዝተውሀቦ ዓብይ ደረጃ «ብለይሊ ድማ ተወሳኺ ዝኾነካ ሶላት (ብቁርአን) ስገድ፤ ጎይታኻ ምስጉን ብዝኾነ ደረጃ ብርግፅ የልዕለካ እዩ» አል ኢስራእ 79 ኢሉ ንነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ቃል ዝአተወሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ካብ ኻልኦት ካብ ዝፍለዩሎም ዓይነት ሸፋዓ ሰባት ጀና ጀነት ንኽኣትው ዝገብረሎም ሸፋዓ እቲ ኻልአይ እዩ። ሰባት ጀና መንገዲ ሲራጥ ምስሓለፉ አብ ሞንጎ ጀነትን ጀሀነምን አብ እትርከብ ባይታ ጠጠው ኢሎም ልቦም ንፁርን ፅፉፍን ክሳብ ዝኾን ካብ በብበይኖም ይፀሪ። ቀልቢ ኩሎም ምስፀረየ ጀነት ንኽአትው ይፍቀደሎም እምበር ነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነቶም ሰባት ጀነት ንኽአትው ሸፋዓ ክሳብ ዝገብሩሎም ግን ኽአትው አይኽእሉን። ድሓር ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሸፋዓ ምሰገበሩ እዩ ማዕፆ ጀነት `ውን ዝፍታሕ እቶም ሰባት 'ውን ጀነት ዝአትው።
አብ ሓፈሻዊ ሸፋዓ ግን ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም)ን ኻልኦት ገበርቲ ሰናይን እዮም ሸፋዓ ዝገብሩ። ነዞም አመንቲ ኾይኖም ብሰንኪ ዝፈፀሙዎ ጌጋ ጀሀነም ዝአተው፣ ዘልአለም ድማ አብ መቅፃዕቲ ንክኾኑ ዘይተፈረደሎም ሰባት ካብ ዘለውዎ መቕፃዕቲ ንኽወፁ ሸፋዓ ይገብሩሎም። እዚ ሸፋዓ ድማ ብነቢና(ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም)፣ ስውኣት ኢስላም (ሸሂድ) ብዝኾኑ፣ ብኻልኦት ነብይታትን ገበርቲ ሰናይ (ሷሊሒን)ን እያ ትፍፀም። ወሏሁ አዕለም።