ሕቶ(56): እቲ ግጉይ ዝኾነን ሓቀኛ ዝኾነን ተወሱል ሓብሩና።
መልሲ:
«ተወሱል» ዝብል ቃል ዓረብኛ: "ተወሰለ" "የተወሰሉ" ካብ ዝብሉ ቃላት ዓረብኛ ዝመፀ እንትኸውን፤ ሓደ ሰብ ናብ ድላዩ ዘብፅሖ መንገዲ ወይ ከዓ ሰበብ እንተረኺቡ "ተወሰለ" ብዝብል ይገልፁዎ። መሰረታዊ ትርጉም ናይቲ ቃል "ዕላማ ናብ ዝገበሮ ናይ ምብፃሕ ድልየት" ማለት እዩ።
ክልተ ዓይነት ድማ እዩ:
① ሓቀኛ ዝኾነ: እዚ ማለት ግቡእ ብዝኾነ አካይዳ ድላይኻ ናብ ዝኾነ ዕላማ ምብፃሕ እንትኸውን
② እቲ ኻልአይ ድማ ሓቀኛ ዘይኾነ: ማለት `ውን ናብቲ ዕላማ ከብፅሕ ብዘይኽእል ግጉይ አካይዳ ናብ ዕላማ ንምብፃሕ ምፍታን ማለት እዩ።
በቲ ናይ መጀመሪያ መንገዲ ናብ ረቢ ንምቅርራብን ሞገስ አምላኽ ንምርካብን ዝተፈላለየ ዓይነት አለዎ:
❶ ረቢ ናቱ ብዝኾኑ ሽሙ። እዚ ድማ ብሓፈሻ ይኹን ብውልቀ ናይ ረቢ ሽም ክኸውን ይኽእል። ብሓፈሻ ማለት ንአብነት ዓብደላህ ቢን መስዑድ (ረዲየላሁ ዓንሁ) ብዘመሓላለፎ ሓዲሥ ነቢና (ሶለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሓደ ሰብ ውሽጡ ሓሳብን ጭንቅን ክኸውን ከሎ ንኽብል ኢሎም ካብ ዘምሀርሉ ሓዲስ "አላሁመ ኢኒ ዓብዱክ, ወብኑ ዓብዲክ, ወብኑ አመቲክ, ናሲየቲ ቢየዲክ, ማዲን ፊየ ሑክሙክ, ዓድሉን ፊየ ቀዷኡክ, አስአሉከ ሏሁመ ቢኩሊ ስሚን ሁወ ለክ, ሰመይተ ቢሂ ነፍሰክ, አው አንዘልተሁ ፊ ኪታቢክ, አው ዓለምተሁ አሓደን ሚን ኸልቂክ, አዊ ስታእሠርተ ቢሂ ፊ ዒልሚል ቐይቢ ዒንደክ, አን ተጅዓለል ቁርአነል ዓዚመ ረቢዐ ቀልቢ, ወኑረ ሶድሪ ወጀላአ ሑዝኒ, ወዘሀበ ሀሚ" (33)
ኢሎም ከም ዝበልዎ ማለት እዩ። "… አስአሉከ ሏሁም ቢኩሊ ስሚን ሁወ ለክ…" ማለት `ውን "…ብዘለውኻ አስማት ብሓፈሻ…" ክብል ከሎ እቲ ዝገብሮ ዱዓ ሞገስ አምላኽ ንኽህልዎ ብናይ ረቢ ሽም ብሓፈሻ እናለመነ ናብ አላህ (ረቢ) ይቀራረበሉ አሎ ማለት እዩ።
በውልቀ ክንብል ከለና ድማ: ፍሉይ ብዝኾነን ምስቲ ዝደለዮ ሓጃ ክጣዓዓም ብዝኽእልን ናይ አላህ ሽም ብምምራፅ ናብ ረቢ ምቅርራብ ማለት `ዩ። ንአብነት አቡበከር (ረዲየላሁ ዓንሁ) ብዘመሓላለፎ ሓዲሥ ካብ ነቢና (ሶለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) አብ እዋን ሶላት ዝገብሮ ዱዓ አብ ዝደለየሉ እዋን «አሏሁመ ኢኒ ዞለምቱ ነፍሲ ዙልመን ከቢራ, ወላ የቕፊሩ ዙኑበ ኢላ አንት, ፈቕፊር ሊ መቕፊረተን ሚን ዒንዲክ ወርሐምኒ, ኢነከ አንተል ቐፉሩ ራሒም» (34) ትርጉሙ ድማ "ያ አላህ! አነ ነፍሰይ ብዓብይ ጌጋ ዝዓመፅኩ እየ፤ ገበነይ ዝምሕረለይ ድማ ካባኻ ወፃኢ የለን፤ እቲ መሓሪን በዓል ዝለዓለ ሕዝነትን ንስኻ ከም ምዃንካ፤ ካብኻ ብዝኾነ ምሕረትካን ሕዝነትኻን ለግሰኒ።"
ካብዚ ሓዲሥ ከምንርደኦ ምሕረትን ሕዝነትን ረቢ ደለየ ነዚ ድማ ቐፉር (ዝምሕር) ዝብልን ረሒም (ዝሓዝን) ዝብልን አስማት ረቢ ንመፀወዒ ብምግባር ከም መቀራረቢ ተጠቒሙ።
ከምዚ ዓይነት ተወሱል ድማ
«ንአላህ ፅቡቅ አስማት አለውዎ: በዚአን ድማ ፀውዕዎ» (አል አዕራፍ 180) አብ ዝብል ቃል ረቢ ይአቱ እዩ። «ዱዓ» ብምባል አብዚ ዓንቀፅ ዝተጠቕሰ ነዙይ ዓይነት `ውን ስለዘጠቓልል።
ብ መግለፅታትን ባህርያትን ረቢ ናብ አላህ ምቅርራብ `ውን በአስማት አላህ ከም ምቅርራብ ብሓፈሻን ብፍሉይን ይኸውን። ብሓፈሻ ማለት ንአብነት «ያ አላህ! ፅቡቕ ብዝኾኑ አስማትኻን ልዑል ብዝኾኑ መግለፅታትኻን ይሓተካ»፤ ምስበለ እቲ ዝደለዮ ሓጃ ይብል።
ፍሉይ ብዝኾነ ማለት ድማ ፍሉይ ንዝኾነ ዋኒን ናብ ረቢ ዝቀረብካ ንምዃን ዝተጠቐምካዮ ፍሉይ ብዝኾነ መግለፅን ባህርይን ረቢና እንተኾይኑ ማለት ይኸውን። ንአብነት ብምኽኒያት በዝሒ ኃጢአት ትኽ ኢልካ ሞት ካብ ምጥያቕ ዝሓሸ እዩ አብ ዝተብሀለሉ ዱዓ «ያ አሏህ! ሕቡእ ፈላጥ ብዝኾነ ፍልጠትካን ካብ ሙሉእ ፍጥረት ብዘኽአለካ ክእለትካን፤ ምንባረይ ዝሓሸ እንተኾይኑ ምህላወይ፤ ሞተይ ዝሓሸኒ እንተኾይኑ ድማ ሞተይ ይሓተካ።» (35) ዝብል ሓዲሥ ከምዝመፀ: ካብዙይ ሓዲሥ «…ሕቡእ ፈላጥ ብዝኾነ ፍልጠትካን ካብ ሙሉእ ፍጥረት ብዘኽአለካ ክእለትካን…» ዝብል አባህላ ፍሉይ ብዝኾነ መግለፂ ረቢና ፍሉይ ንዝኾነ ዋኒን ዝመፀ እዩ።
❷ ሓደ ሰብ ናብ ረቢ ዝቀራረበሉ መንገዲ ብአላህን ብልኡኽ አላህን (ሶለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብዘለዎ እምነት ናብ ረቢ ክቀራረብ፤ «ያ አሏህ! ብናትካ መንነትን ብልኡኽካን አሚነ፤ ምሓረኒ፣ ወፍቀኒ…» ክብል ወይ ድማ «ያ አሏህ! ብዓኻን ብልኡኽካን ብዘለኒ እምነት…» እናበለ ንረቢ ክልምን ማለት እዩ። ነዚ ዝሕብረና ድማ አብ ቁርአን
«ብአፈጣጥራ ሰማይን መሬትን፤ ብቀትርን ለይትን ምፍልላይ ልቢ ንዝብሉ ተአምር አለዎ። ነዞም ጠጠው ኢሎም ይኹን ደቂሶም ረቢ ንዝዝክሩ።» ካብ ዝብል ክሳብ «ረበና ንሕና ‹ብረብኹም እመኑ› ዝብል ናብ ኢማን ዝፅውዕ ፃውዒት ሰሚዕና አሚንና `ውን፤ ረበና ንሀጢኣትና ምሕረት ንኽፍአትና `ውን ምእላይ ለግሰልና፤ ሞትና ድማ ምስ ሰናይ ገበርቲ ግበረልና።» አል ዒምራን 190-193
ሀጢአት ንክመሓረሎም, ክፍአት ንክእለየሎምን ሞቶም ምስ ገበርቲ ሰናይ ንኽገብረሎምን ብረቢ ብዘለዎም እምነት መቀራረቢ ገይሮም።
❸ ሳልሳይ ዓይነት ናብ ረቢ መቀራረቢ ድማ ረቢ ብዝፈትዎም ስራሕቲ ምቅርራብ እዩ። ካብዚ ድማ ይምደብ እቶም ብታሪኽ ናብ ብዓቲ ብምእታዎም ዝፍለጡ ሰለስተ ሰባት ተሞኩሮ። ናብቲ በዓቲ ምስአተው ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ብዝኾነ ዓብይ እምኒ እቲ በዓቲ ተዓፂውዎም። ቅድሚ ሕዚ ንረቢ ኢሎም ካብ ዝሰርሕዎ ሰናይ ምግባር ወፃኢ ከምዘየውፅኦም ምስተረድኡ እቲ ሓደ ንወለዱ ብዝነበሮ ሓቅ ናይ ወለዱ ብምሕላው፤ እቲ ኻልአይ ድማ ካብ ምብዕላግ ብዝነበሮ ፅፈት፤ እቲ ሳልሳይ ድማ ንሰራሕተኝኡ ብዝነበሮ ተአማኒነት ናብ ረቢ መቀራረቢ ምስገበሩ ንረቢ «ያ አሏህ! እዚ ዝገበርኩዎ ናይ ብሓቂ ንዓኻ ኢለ እንተነይሩ ካብ ዘለናዮ ረድኤት ግበረልና» (36) ኢሎም፤ ረድኤት ድማ ገይርሎም። እዚ ድማ እዩ ብሰናይ ምግባር ናብ ረቢ ምቅርራብ ማለት።
❹ ራብዓይ ዓይነት ናብ ረቢ መቀራረቢ (ተወሱል) ማለት ድማ እቲ ሰብ ዘለዎ ሓሳብን እቲ መፍትሒ ዝበሎ ድማ ንዑኡ ዘለዎ አገዳስነትን ብምዝኽኻር ይኸውን። ንአብነት ሙሳ ዓለይሂ ሰላም «ረቢ! ናባይ ንዘውረድኻዮ ኸይሪ ምሒር ይደሊ» ቀሶስ 24 ከምዝበሎ። በዚ ኸዓ ሙሳ ዝርከበሉ ኩነት ብምግላፅ ነቲ ዝደለዮ ይሓትት እዩ ዘሎ። ነቢዩላህ ዘከሪያ ዓለይሂ ሰላም ንረቢ «ያ ረቢ: ዓፅመይ ደኺሙ፤ ርእሰይ ብስይበት ተንቀልቂሉ፤ ንዓኻ ብምልማነይ ድማ ረቢ (ብዝኾነ ይኹን) ዕድል ዘይብለይ አይኮንኩን።» (መርየም 4)
እዘን ቅድም ኢለን ዝተሓበራ ኩለን ናብ ዝተደለየ ነገር ከብፅሑ ዝኽእሉ ፍቁድ ዝኾኑ ዓይነት ተወሱል እዮም።