ሕቶ(53): አገደስቲ ዝበሀሉ ፍሉይ መግለፅታት ፊርቀቱ ናጂያ እንታይ እንታይ እዮም?
መልሲ:
አገደስቲ ዝበሀሉ ፍሉይ መግለፅታት ፊርቀቱ ናጂያ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ሱሓበታቱን ከም እምነት(ዓቂዳ)፣ ዒባዳ(መግዛእቲ)፣ ባህርይን ማሕበራዊ ርክብን ዝነበሩሉ መንገዲ እዚአን አርባዕተ መሰረታት አፀቢቃ ስለትሕዝ ትፍለይ።
ከምዓቂዳአ ብፍላይ ድማ ከም ተውሒድ ምስ ዓይነታቱ ቁርአንን ሓዲሥ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ሓበሬታ ብዝሀቡሉ መንገዲ እናሓረየት ትሕዝ፤
ከም ዒባዳ `ውን እዚአ ፊርቀቱ ናጂያ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝገበሩሉ ዓይነት፣ ኩነት፣ ልክዕ፣ ግዜ፣ ቦታን ምኽኒያትን ትገብር፤ ካብአቶም ብዲኖም ቢድዓ ዝበሀል ነገር አይርከብን። እኳደአስ ምስ አላህን ልኡኹን ዘለዎም ርክብ ፅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ዘለዎ እዩ። ካብ አላህን ልኡኹን ንዓርሶም አይቅደሙን፤ አላህ ዘይሓንፀፀሎም መምርሒ ናብ ዲነል ኢስላም ዘእትውሉ ተቀዳምነት የብሎምን።
ከም ባህርይ `ውን ካብ ኻልኦት ብሰናይ መንነቶም ዝተፈለዩ ኾይኖም ትረኽቦም። ንሙስሊሚን ዝፈትው፣ ንሙስሊሚን አሕዋቶም ልቦም ስፍሕ ገፆም ፍሽኽ ገይሮም ብፅቡቕ ዘረባ ዝሕብሕቡ እዮም። በዚአንን ብኻልኦትን ሕያዋይ መግለፅታትን ሰናይ ምግባርን ዝተሀነፁ እዮም።
ከም ማሕበራዊ ርክብ ሓቀኛን ግልፅን መግለፂ መንነቶም እዩ። ብዛዕባ እዚአን ክልተ ባህርያት ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “ሸያጥን ዓዳጊን ክሳብ ዘይተፈላለዩ መማረፂ አለዎም፤ ክልቲኦም `ውን ሓቅን ግልፅን እንተነይሮም እቲ ዝገበሩዎ ዕዳጋ ብሩኽ ይኾነሎም፤ ሓሶትን ዝሓብኡዎ ነገርን እንተነይሩዎም ኸዓ ናይ ዕዳጋ በረካ ይስእኑ።”(31) ኢሎም እዮም። እዚአን አርባዕተ መለለይታትን መፍለይታትን ድማ ናይ አህሉሱና ወልጀማዓ ፊርቀቱ ናጂያ መንገዲ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም መፍለይ መንነቶም እያ።