ሕቶ(50): ጧቑትን ከም ቋንቋ ዓረብኛ ዘለዎ አመፃፅአን እንታይ እዩ?
መልሲ:
ጧቑት ዝብል ቃል ዓረብኛ “ጡቕያን” ካብ ዝብል ቃል ዓረብኛ ዝመፀ እንትኸውን ትርጉሙ ድማ ወሰን ምሕላፍ ማለት እዩ።
(إِنَّا لَمَّا طَغَا الْمَاءُ حَمَلْنَاكُمْ فِي الْجَارِيَةِ) (الحاقة:11). አብ ዝብል ቃል አላህ “… ወሰኑ ምስሓለፈ… ”(አል‐ሓቃህ 11) ብዝብል ትርጉም ከምዝመፀ። ማለት ካብቲ ልሙድ በዝሒ ምስሓለፈ በእትንሳፈፍ መርከብ ተሰኪምናኩም። ስለዚ ጧቑት ንዝብል ዝሓሸ መግለፂ ኢብነል ቀይም “ሓደ ግዙእ ብሰዓብነቱ ይኹን ብመግዛእቲ ወይ ብተአዛዝነቱ ካብ ወሰኑ ዝሓለፈሉ ኩሉ” ኢሉ ዝገለፆ እዩ።
ካብ አላህ ኻሊእ ሰባት ዘምልኹዎ ጣኦታት፤ ናብ ግጉይ መንገዲ፣ ናብ ቢድዓ፣ ረቢ ሓራም ንዝገበሮ ሓላል ንምግባር ወይ ሓላል ዝገበሮ ሓራም ንምግባር፣ ሰብ ስልጣን አብ ትሕቲኦም ንዘለው አላህ ካብ ዝሓንፀፆ ወፃኢ ብዝኾነን ምስ ሕጊ አላህ ብዝፃባእን ሕጊ ንኸመሓድሩ አመላኺዖም ፃውዒት እናገበሩ ሰባት ዝቕበሉዎም ሕማቕ ፈላጣት `ውን ኩሎም ጧቑታት እዮም። ምኽኒያቱ ናይ ዓሊም ዝኾነ ሰብ ወሰኑ አላህን ረሱል ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ብዝሓንፀፁዎ ስዒቡ ኽጓዓዝ እዩ። ናይ ብሓቂ ዑለማታት ናይ ነብያት ውርሲ ዝረኸቡ እዮም። ነቲ ዒልሚ ካብ ነብያት ከም ፍልጠት፣ ምግባር፣ ባህርይ፣ ጻውዒትን ሙህሮን ወሪሶም ዘትረፉ እቶም ዑለማታት እዮም። ካብዚ ዘለዎም ወሰን ሕልፍ ኢሎም ምስ ሕጊ አላህ ዝፃባእ ነገር ንሰበ ስልጣን ሕግታት አላህ ገዲፎም ብኻሊእ ንኸመሓድሩ ምምልኻዕ ዓይነት ምግባር እንተገይሮም ግን ንሶም `ውን ጧቑታት ኮይኖም ይበሀል። ምኽኒያቱ እቲ ዝነበሮም ናይ ሰዓብነት ወሰን ሕልፍ ስለዝበሉ።
ኢማም ኢብነል ቀይም ረሒመሁሏህ “ብተአዛዝነቱ ወሰን ዝሕለፈሉ” ኢሉ ኽገልፆም ዝደለየ ከም ሸሪዓውን ከም ዘለዎ ሓይልን ንእዘዞም ሰበ ስልጣን እዩ ዝደለየሉ። ሰብ ስልጣን ምስ ሕጊ አላህ ብዘይፃባእ ክሳብ ዝአዘዙ ይእዘዙ እዮም። እዚ ምግባርና ድማ ሕግታት ሸሪዓና አብ ግብሪ ከም ምውዓል እዩ። ከምቲ ሓይሊ ስለዘለዎም `ውን ዝእዘዙ። ምስ ሕጊ አላህ ብዝፃባእ ትእዛዝ ክሳብ ዘይአዘዙ ትሕቲኦም ዘሎ ኩሉ ትእዛዞም ንኽቅበልን ንኽእዘዞምን ግቡኡ እዩ። በዚ መንገዲን ልክዕ በዚአ ወሰንን ንዖኦም ምእዙዛት ምዃን ንአላህ ምእዙዝ ከም ምዃን ይቁፀር። ስለዚ ሓንቲ ሀገር ከምሀገር ተመሓላልፎም ትእዛዛት አብ ግብሪ ምውዓል ምስ ሕጊ አላህ ክሳብ ዘይፃባእ ተአዛዝነት ግቡእ ምዃኑን በዚ ድማ ትእዛዝ አላህ `ውን እናፈፀምና ከም ዝኾና ንርዳእ። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ኦ! አንቱም አመንቲ አላህ፣ ልኡኹን አብ ሞንጎኹም ዘለው ወነንቲ ዋኒንን ተአዘዙ።”(ኒሳእ 59) ስለዝበለ።
ሰበ ስልጣን ከምቲ ብዘለዎም ሓይሊ `ውን ንእዘዞም ብምባል ዝደለየ፤ ሰበ ስልጣን ሓይሊ እንተሊይዎም ወላ ኢማኑ ድኹም ዝኾነ ሰብ ከም ዒባዳ ይኹን አይኹን ምእዙዝ ምዃኑ አይተርፍን። ሰባት ስልጣን ዘለዎም ተአዛዝነት ብዘለዎም ሓይሊን ብምኽኒያት እቶም ትሕቲ በዓል ስልጣን ዘለው ብዘለዎም ኢማንን ክኾን ይኽእል። ነቲ አመሓዳርን ንተመሓደርቲን እቲ ዝሓሸ ከም ኢማን ምእዙዛት እንተኾይኖም እዩ። ግን እቲ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ዘለዎ ዝፍራሕ እንተኾይኑ ትእዛዙ አብ ግብሪ ንዘየውዕል ኸዓ መቕፃዕቲ ዘርክበሉ እንተኾይኑ `ውን ምእዙዝ ምዃኑ አይተርፍን። ብመሰረት እዚ ሰባት ምስ አመሓደርቶም ብዘለዎም ርክብ ዝተፈላለዩ እዮም:
አብ ገለ እቶም ሰባት ዘለዎም ኢማንን እቶም ሰባት ስልጣን `ውን ዘለዎም ሓይሊን ብርቱዕ ይኸውን። ኸምዚ እንትኾን እቲ ዝለዓለን ዝበለፀን ደረጃ እዩ። አብ ገለ ኸዓ ኢማንን ሓይሊ ሰበ ስልጣንን ድኹም ይኸውን። ኸምዚ እንትኾን ድማ እቲ ዝሓሰረን አብ አመሓዳሪ ይኹን አብ ተመሓደርቲ ሓደጋ ዝበዝሖን ይኸውን። ምኽኒያቱ ኢማንን ሰበ ስልጣን ዘለዎም ሓይልን እንትውሕድ ሰብ ከም አተሓሳስባ፣ ከም መንነትን ከም ምግባርን ስርዓት ዘይብሉ ስለዝኸውን። እቲ ሳልሳይ ድማ ከም ኢማን ዘለዓዕል ብዙሕ ኮይኑ ከም ሓይሊ ሰበ ስልጣን ውሑድ እንትኾን እዩ። ኸምዚ እንተኾይኑ ኸዓ ማእኸላይ እዩ። ንማሕበራዊ ርክብ ሰባት ሓይሊ ሰበ ስልጣን ወሲኹ ወላ ኢማን እንተውሒዱ `ውን ይሕሽ እቲ ሓይሊ ክሳብ ዘሎ፤ እቲ ሓይሊ እንትውገድ ግን ኢማን `ውን ውሑድ ስለዝኾነ ብዛዕባ ኩነታታ እዚ እዩ ዝበሀል ነገር የብላን። ናብ ኢማን ዘለዓዕል ብዙሕ ኮይኑ ሓይሊ ሰበ ስልጣን እንተውሒዱ ግን እቲ ዝረአ ማሕበራዊ ናብራ ካብ ተፃራሪኡ ዝሓሸ እዩ። ምስ አላህ ንዘሎ ርክብ ግን ሰበ ስልጣን ምውሓዱ ዝበለፀ እጃም አለዎ።
በዚ በለ በቲ እዚአን እየን አርባዕተ ብርኪታት ርክብ አመሓዳደርት ተመሓደርትን። ሓይሊ ሰበ ስልጣንን ናብ ኢማን ዘለዓዕልን እንትበዝሕ፣ ሓይሊ ሰበ ስልጣንን ናብ ኢማን ዘለዓዕልን እንትውሕድ፣ ናብ ኢማን ዘለዓዕል በዚሑ ሓይሊ ሰብ ስልጣን እንትውሕድን ሓይሊ ሰባት በዚሑ ናብ ኢማን ዘለዓዕል እንትውሕድን እዮም።
ብሓፈሻ ንሕና ነሰበ ስልጣናት አብ ንእዘዘሉ እዋን ናብ አላህ ንቀራረበሉ ሰናይ ምግባር ክንፈልጥ ይግበአና። ኢብነል ቀይም “ጧቑት ሓደ ግዙእ ብሰዓብነቱ ይኹን ብመግዛእቲ ወይ ብተአዛዝነቱ ካብ ወሰኑ ዝሓለፈሉ ኩሉ” ዝበለሉ ምኽኒያት ካብ ሰበ ስልጣን ረቢ ብዘይፈትዎ ምስ ሕጊ ረቢ ብዝፃባእ ዝአዝዙ ሰባት ስለዘለው እዩ። ሕጊ ረቢን ልኡኹን ብዝፃረር አብ ዝአዘሉ እዋን ምስማዕ ይኹን ተአዛዝነት ሽዑ በቲአ ዝተፃብአት ሕጊ ጥራይ ጠጠው የብል። ትእዛዝ አላህ ብምጥሓስን ብምፅራርን ተአዛዝነት አይከአልን። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ንዖኦም ንእዘዞም ድሕሪ ረብናን ልኡኹን ምዃኑ ልዕል ኢልና ካብ ዝገለፅናዮ ዓንቀፅ ቁርአን “ኦ! አንቱም አመንቲ አላህ፣ ልኡኹን አብ ሞንጎኹም ዘለው ወነንቲ ዋኒንን ተአዘዙ።”(ኒሳእ 59) ንርደኦ እዩ። ሰበ ስልጣን ተአዘዙ እንትብል ትኽ ኢሉ ከይኮነ ምስ ተአዛዝነት አላህን ልኡኹን ብሓባር ምስአፅነዐ ምዃኑ ንዖኦም ዘለና ተአዛዝነት ድሕሪ አላህን ልኡኹን ምዃኑ ይሕብረና። ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፀ ሶሒሕ ሓዲሥ `ውን ዘረድአና “ተአዛዝነት ብሰናይ እዩ።” ዝብል እዩ። “ብሰናይ” ክበሀል ከሎ ሸሪዓ ሰናይ ምዃኑ ብዝገለፆ ጥራይ እዩ ከም ማለት እዩ። እቲ ብሸሪዓ ክልኩል ዝኾነ ግን ንአየናይ ፍጥረት ኢልካ ክትሰርሖ አይፍቀድን። ካብ መንገዲ ረቢ ብዘውፅአካ ዝአዘዘ ወላዲ እኳ እንተኾነ ተአዛዚ ክትኾን አይፍቀደልካን። ምኽኒያቱ ተአዛዝነት ረቢ ቅድሚ ኩሉ ሥለዝኾነ። ንሓደ በዓል ዋኒን ወይ ሰበ ስልጣን ረቢ ክልኩል ብዝገበሮ ተአዛዚ ኾይኑ ሕጊ ረቢ ዝጠሓሰ ብዛዕባ እተ አዛዚ ወሰን ሓሊፉ ንብል።