Back to Top
   ጉዳያት ዓቒዳ        ተውሒድ (ሐድነት አላህ)        ብአላህ ምእማን

ቃል ምስክርነት (ሸሀዳ) ምስ ዓይነታት ተውሒድ ዘለዋ ርክብ


ሕቶ(5): ሸሀዳ (ቃል ምስክርነት) ዓይነታት ተውሒድ ተጠቓልል ድያ ኸ?
መልሲ:

እወ ዓይነታት ተውሒድ ኩለን ተጠቓልል እያ። እዚ ኸዓ ወይ ብምጥቕላል ወይ ድማ ብተዘዋዋሪ ዝረጋግፅ(ኢስቲልዛም) እዩ። ሓደ ሰብ “አሽሀዱ አን ላኢላሀ ኢለሏህ” አብ ዝብለሉ እዋን ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብዚ ዝርደኦ አላህ ብዒባዳ ዘለዎ ሓድነት (ተውሒዱል ዒባዳ/ኡሉሂያ) እዩ። እዚ ዓይነት ተውሒድ (ተውሒዱል ኡሊሂያ) ድማ ንተውሒዱል ሩቡቢያ (አላህ ብስራሕቱ ብሕታዊ ንምዃኑ) ብተዘዋዋሪ ዘረጋግፅን ዘጠቓልልን እዩ። ምኽንያቱ ንአላህ በይኑ ዘምልኽ ኩሉ አላህ ብሕታዊ ጎይታ ምዃኑ ምስ አረጋገፀ እምበር ስለዘየምልኽ፤ ከምኡ `ውን ንተውሒድ አስማእ ወሲፋት (አላህ ብባህርታቱን አስማቱን ንዘለዎ ሐድነት) የጠቓልል እዩ። ምኽንያቱ ወድ ሰብ ነቲ ዘምልኾ ብዘለውዎ ባህርታትን አስማትን ንዒባዳ ግቡእ ከምዝኾነ ምስፈለጠ እምበር ትኽ ኢሉ ስለዘየምልኽ። ስለዚ ድማ እዩ ነብዩሏህ ኢብራሂም ዓለይሂ ሰላም አቦይ! ንምንታይ ኢኻ ዘይሰምዕን ዘይርእይን ካባኻ ዋላ ሓደ ዘይጠቕመካን ትግዛእ (መርየም 42) ኢሉ ነቦኡ ማዕዳ ዝሀቦ። ስለዚ ብሐፈሻ ተውሒዱል ዒባዳ/ኡሉሂያ ተውሒዱ ሩቡቢያን ተውሒዱል አስማእ ወሲፋትን ዘጠቓለለ እዩ።

እዋናዊ