ሕቶ(49): ነዚ መሰረት ብምግባ ኢስላም ሓፈሻዊ ዝኾነ መግለፅን ፍሉይ ዝኾነ መግለፂን አለዎ ክንብል ንኽእል ዶ? መልሲ:
እወ! ኢስላም ንዝብል ቃል ሓፈሻዊ ዝኾነን ምስ ኢማን አንፃራዊ እንትኾን ዝህበና ፍሉይ ዝኾነን መገለፂ አለዎ። ነዚ ድማ ቅድም ኢልና ዝሓበርናየን ቁርአናውን ሓዲሣውን መርትዖታት ከም መወከሲ ምግባር ይከአል።