Back to Top
   ጉዳያት ዓቒዳ

እንታይነት ዲነል ኢስላም


ሕቶ(48): ከም ብሓፈሻ ሀይማኖት እስልምና እንታይ እዩ?
መልሲ:

ኢስላም ሓፈሻዊ ብዝኾነ አገላልፃ ናይ አላህ ልኡኻት ሒዞሞም ብዝመፁ ሕግታትን ዒባዳታትን ንጎይታ ተገዛኢ ምዃን ማለት እዩ። አላህ ንከምልኹዎ ግቡእ ካብ ዝገበሮ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዕለት ማለት እዩ። እዚ ማለት ኸዓ ኑሕ ዓለይሂ ሰላም ሒዞሞ ዝመፁ ብሩህ መንገዲ፣ መራሒ ቅኑዓት ዝኾኑ ነብዩላህ ኢብራሂም ዓለይሂ ሰላም፣ ሙሳን ዒሳን ዓለይሂሙ ሰላም ሒዞሞም ዝመፁ ሕግታት `ውን የጠቓልል እዩ። ብመሰረት አብ ቁርአን ብዝተፈላለየ ቦታ ከምዝርከብ ናይ ቀዳሞት ነብይታት ሸሪዓ `ውን ኢስላም ከምዝነበረ ኢና ንርዳእ።

ፍሉይ ብዝኾነ አገላልፃ ኸዓ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሒዞሞ ንዝመፁ ሸሪዓ ጥራሕ ይኸውን። ምኽንያቱ ድማ ናይ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሸሪዓ ናይ ቀዳሞት ነብይታት ሸሪዓ ብሙሉአ ስለዝተከአ እዩ። ስለዚ ንዑኡ ዝሰዓበ ሙስሊም ዝአበየ ድማ ካብኡ ወፃኢ ኮነ። ንአላህ ኢዱ ምሀብ ገዲፉ ንስምዒቱ ስለዝሰዓበ። ሕጂ አይሁድ ንብሎም አብ እዋን ሙሳ ናቱ ሰዓብቲ ስለዝነበሩ ሽዑ ሙስሊም ነይሮም፤ ሕጂ ክርስቲያን ንብሉም `ውን አብ እዋን ዒሳ ዓለይሂ ሰላም ናቱ ሰዓብቲ ስለዝነበሩ ሽዑ ሙስሊም ተባሂሎም ነይሮም፤ ድሕሪ ምምፃእ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ግን ንነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም ናይ መወዳእታ ልኡኽን መልእኽቱን ክሳብ ዘይተቐበሉ ሙስሊም ምዃኖም ይተርፍ። ስለዚ ሓደ ሰብ ናይ አይሁድን ክርስቲያንን ሕዚ ዘለዎም እምነት ቅኑዕ እዩ ረቢ ዝቅበሎን ከም እስልምና እዩ ምባል አይፍቀደሉን። እኳደአስ ነዚ ዝበለ ሰብ ካብ ዲነል ኢስላም ዘውፅኦ ኩፍሪ ገይሩ እዩ። ምኽንያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ሀይማኖት አብ ቅድሚ ረቢ ኢስላም (ጥራይ) እዩ። (አል‐ዒምራን 19) በተወሳኺ ካብ ኢስላም ወፃኢ ዝኾነ ሀይማኖት ዝደሊ ረቢ አይቅበለሉን… (አል‐ዒምራን 85) ስለዝበለ።

እዚ በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ዓንቀፅ ቁርአን ዝተሓበረ ሀይማኖት እዩ ረቢ ሎሚ ሀይማኖትኩም መሊአልኩም ጸጋይ `ውን ካባኹም ፈፂመ፤ ካብ ሀይማኖት ኸዓ ኢስላም መሪፀልኩም።” (ማኢዳ 3) ኢሉ አብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ገይረልካ እናበለ ዝሕበነሉ ሀይማኖት። እዚ ኸዓ ድሕሪ ምምፃእ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ናይ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰዓቢ ክሳብ ዘይኾነ ኢስላም ከምዘይኾን የረድአና። ብመሰረት እዚ ሰባት ድሕሪ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ኻልኦት ነብይታት ስርዓት ሀይማኖት ምትራፎም ቅድሚ ረቢ ተቐባልነት ዘይብሉን አብ መወዳእታ ዕለት ዘይጠቕሞምን ምዃኑ ንርዳእ። ቅኑዕ መንገዲ ከምዝኾነ ክንሓስቦ `ውን አይፍቀደልናን። ቅድም ኢልና ንዝሓበርናዮም ምኽኒያታት ክበሀል ምስ “አይሁድን ክርስቲያንን ሀይማኖታዊ አሕዋት ኢና”፣ “ናቶም ሀይማኖት ሕጂ `ውን ቅኑዕ እዩ አይተሰዓረን” ዝብሉ ሰባት ዓብይ ጌጋ ከምዝተጋገዩ ንርዳእ።

ኢስላም ማለት ረቢ ብዝሓንፀፆ ንዑኡ ግዙእ ምዃን እዩ ካብ በልና ብላዕልን ብውሽጥን ኢድካ ምሀብ የጠቓልል እዩ። ሙሉእ ዲን ከም እምነት፣ ምግባርን ልሳንን ኩሉ የጠቓልል እዩ። ምስ ኢማን አንፃራዊ ብዝኾነ አገላልፃ እንተኾይኑ ኸዓ ኢስላም ብላዕላይ አካል ንዝግበር ምግባርን ልሳንን እንትኾን ብአንፃሩ ኢማን ድማ ንውሽጣዊ እምነትን ስራሕቲ ልቢን ይኸውን። ነዚ ዘለና መርትዖ ዘላን አዕራብ አሚንና በሉ፤ አይአመንኩም አስሊምና በሉ። ኢማኑ አብ ልብኹም ከይአተወ… (ሑጁራት 14) አላህ ዓዘ ወጀል ብዛዕባ ሉጥ አብ ዝፀወየና ካብ አመንቲ ብውሽጣ(አብታ ከተማ) ነበሩ አውፃእና። {35} አብ ውሽጣ ካብ ሙስሊሚን ሓደ ገዛ (ስድራ) እምበር አይረኸብናን። (ዛሪያት 35‐36) ከምዝበለ።

አብ ዝብሉ ዓንቅፅ ቁርአን ሙስሊምን ሙእሚንን በብበይኑ ገይሩ ስለዝገለፀ። ምኽኒያቱ አብዛ ልዕል ኢላ ዝተጠቐሰት ዓንቀፅ ከምዝሕብረና ብላዕሉ ክረአ ከሎ እቲ ገዛ ገዛ ኢስላም እዩ፤ እዚ ኸዓ ልዕሊ ኽሳድ አሚና ብሕቡእ ዝኸሓደት ሰበይቲ ሉጥ አብ ሞንጎኦም ስለዘላ ገዛ ኢስላም ተባሂሉ። እቶም ካብቲ መዓት ዝደሓኑን ረድኤት ዝረኸቡን ግን ናይ ብሓቂ እምነት አብ ልቦም ዝአተወሎም አመንቲ (ሙእሚኒን) እዮም ነይሮም። ሓዲሡ ጅብሪል `ውን አብ ሞንጎ ኢስላምን ኢማንን አንፃራዊ ፍልልይ ከምዘሎ ዘረድአና ኻሊእ መርትዖ እዩ። ጅብሪል ዓለይሂ ሰላም ንነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ኢማንን ኢስላምን በብበይኑ እዩ ሓቲቱዎም፤ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ኢስላም ማለት: ብ ላ ኢላሀ ኢለሏህ ሙሓመዱን ረሱለሏህ ቃል ምስክርነትኻ ትህብ፣ ሶላት (ብዝግባእ) ክትሰግድ፣ …ኢሎም ብዛዕባ ኢማን ድማ ብአላህ፣ ብመላኢካ፣ ብልኡኻቱ፣ ብትንሳኤ መዓልትን ብቀደርን ክትአምን እዩ።(29) ኢሎም `ዮም ገሊፆምሉ። በዚ በለ በቲ ኢስላም ክንብል ከም ብሓፈሻ እንተኾይኑ ነቲ ሀይማኖት ብሙሉእ ምስ ኢማን የጠቓልል። ኢማን ምስ ዝብል ቃል አንፃራዊ ብዝኾነ አገላልፃ እንተኾይኑ ድማ ኢስላም ብላዕላይ አካልና ንገብሮ ምግባርን ልሳንን እንትገልፅ ኢማን ድማ ብውሽጣዊ ንገብሮም ስራሕቲ ልብን እምነትን ይገልፅ።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ