ሕቶ(45): ዓይነታት ሽርኪ እንታይ እንታይ እዮም?
መልሲ:
አቐዲምና ከምዝገለፅናዮ ተውሒድ ነፍይ (ምንፃግ)ን ኢሥባት (ምፅናዕ)ን ከምዘለዎ አሕሊፍና ኢና። አብ ምንፃግ ጠጠው እንተይልና “አምላኽ የለን” ከም ምባል ከምዝኾነ አብ ምፅናዕ ጥራይ ጠጠው እንተይልና ድማ ኻልኦት `ውን ከምዝሻረኩ ገሊፅና ኢና። ስለዚ ተውሒድ ክንብል ናይ ግድን ክልቲአን ከጠቓልል ይግባእ ማለት እዩ። ንአላህ መሰሉ ብኸምዚ ዘየረጋገፀ ሸሪካ ገይሩ ማለት እዩ።
ሽሪኪ ካብ እስልምና ኸውፅእ ዝኽእል ዓብይ ሽርኪን ንኡስ ሽርኪን ኢልካ ናብ ክልተ መቂልካ ምርአይ ይከአል። እቲ ዓብይ ሽርኪ ንብሎ ካብ እስልምና ኸውፅኦ ከምዝኽእል ብዝኾነ አገላልፃ ሽርኪ ምዃኑ ብሸሪዓ ዝተገለፀ እንትኾን ንአብነት ካብ ዒባዳ ንኻሊእ ፍጥረት ምግባር ፣ ሶላት ወይ ፆም ወይ ኸዓ ማሕረድ ንፍጥረት ምግባር ካብ ዓይነታት ዓብይ ሽርኪ ከም አብነት ምግባር ይከአል። ካብ ዓይነታት ዓብይ ሽርኪ ካብ አላህ ወፃኢ ንዝኾነ አካል ዱዓኻ ንኽሰምዐካ ምባል: ንአብነት ንዝሞተ ሰብ፣ ወይ ኸዓ ረድኤት ንምግባር ዘይኽእል ሩሑቅ ንዝኾነ አላህ ጥራይ እምበር ብዘይኽእሎ ዱዓኻ ንኽሰምዐካ ምግባር ካብ ዓይነታት ሽርኪ ገሊኦም እዮም። ዑለማታት ኢስላም አብ ዝፀሓፉዎም መፃሕፍቲ ዓይነታት ሽርኪ ምፍላጥ ይከአል።
እቲ ኻልአይ ዓይነት ሽርኪ ድማ ንኡስ ዝኾነ ዓይነት ሽርኪ እዩ። እዚ ኸዓ ብሸሪዓ ሽርኪ ተባሂሉ ዝተገለፀ ቃል ይኹን ምግባር ግን ካብ ኢስላም ዘየውፅእ ኩሉ ዓይነት ሽርኪ ማለት እዩ። ንአብነት ማሕላኻ ካበ አላህ ወፃኢ ብዘሎ ምግባር ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓዲሦም “ካብ አላህ ወፃኢ ብዘሎ ዝመሓለ ሽርኪ/ኩፍሪ ገይሩ።” (27) ከምዝበሉ። እዚ ኸዓ ወላ እቲ ማሕላ ዝተገበረሉ ዘለዎ መንነት ከም መንነት አላህ ዝለዓለ እዩ ኢሉ ንዘይአምን `ውን በቲ ንኡስ ዓይነት ሽርኪ ሸሪካ ገይሩ ኢና ንብል። እቲ ዝተመሓለሉ አካል ደረጃ አለዎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ውልቀሰብ ይኹን ኻሊእ ብዘይፈሊ። ንአብነት ብነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም (ንአብነት “ነብየን!” ኢልካ)፣ ንጉስ ብዝኾነ ሰብ፣ ብካዕባ፣ ብጂብሪል፣ ብሚካኢል ወዘተ ማሕላ ምግባር አይፍቀድን። ምኽኒያቱ ዋላ`ኳ ንኡስ ዓይነት እዩ ካብ እስልምና ሀይማኖት አየውፅእን ንበሎ ዓይነት ሽርኪ ስለዝኾነ።
ካብ ዓይነታት ንኡስ ሽርኪ ቀሊል ዝበሀል “ሪያእ” (ንሰባት ኢልካ ምስራሕ)። ንአብነት ሓደ ሰብ ሶላት ክሰግድ ኢሉ ተላዒሉ አብ ዝሰግደሉ እዋን ሰብ ስለዝረአየ ነታ ሶላቱ አፀቢቁ ይሰግዳ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ሽርኪ ካብ ዓይነታት ንኡስ ሽርኪ ሓደ እዩ። ምኽንያቱ ንአላህ ኢሉ እዩ ዝሰግድ ግን ሰብ ስለዝረአየ እዩ አፀቢቁዋ። ከሙኡ `ውን ንአላህ ኢሉ ገንዘብ እንትህብ ብተወሳኺ አብ ሞንጎ ሰባት ክነአደሉ ዘደሊ እንተኾይኑ ሕዚ `ውን ንኡስ ዓይነት ሽርኪ ገይሩ `ሎ። ዓይነታት ንኡስ ሽርኪ አብ ኪታብ ዑለማታት ኢስላም ንዘረአየ ፍሉጣት እዮም።