ሕቶ(42): ብዛዕባ ጥንቈላን ዝጥንቁል ሰብን አረዲእኹምና፣ ብዛዕባ ሲሕሪ `ውን ሓበሬታ ሂብኹምና፤ ግን አብ ሞንጎ ጥንቈላን ሲሕሪን ከ ርከብ አሎ ዶ?
መልሲ:
ዓንተዎ ከምዝበልናዮ ጠንቋሊ ዝኾነ ሰብ ካብ ሸይጣን ብዝረኸባን ኻሊእ ናቱ ሓዊሱን ብዛዕባ መፃኢ ብዝፀውዮም ነገር አብ ሰባት ፅዕንቶ የሕድረሎም፤ ሳሒር `ውን ኸምኡ አብ አእሙሮ፣ አካልን አተሓሳስባን ሰባት ሲሕሪ ንዝተገበረሉ ሰብ ዘይኾነ ነገር ዝኾነ መሲሉ ክሳብ ዝረአዮ ፅልዋ የሕድረሉ።