ሕቶ(29): እዚ ካብኮነ ኢማን አይውስኽን አይቕንስን ምባል ዘለዎ ፍርዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:
እዚ ከም ኩነታት እቲ ሰብ ይውሰን። ነዚ ዝበለሉ ብምኽኒያት ኽሕደቱ እንተኾይኑ በዚ ምኽኒያት (ብቁርአንን ሓዲሥን ብዝመፀ ስለዝኸሓደ) ካፊር ይኾን። እዚ ዝበለ ታእዊል ብምግባሩ (ብምኽኒያት ግጉይ አረዳድአ ቁርአንን ሓዲሥን) እንተኾይኑ ድማ ታእዊል ገይሩ ዝተጋገየ ዝተፈላለየ ብርኪ አለዎ። ናብ ኩፍሪ ክበፅሕን ዘይክበፅሕን ይኽእል። ስለዚ “አነ ኢማን ይዛይድን ይንኪን እዩ አይብልን” ዝበለ ከከም ኩነታቱ ይፈላለ።