Back to Top

ሕቶ(28): ብአንፃር ምውሳኽን ምቕናስን ኢማን ሓደ ሓደ ሰባት ኢማን ምውሳኽን ምቕናስን ዝበሀል ነገር የብሉን፤ ሓደ ሰብ ገበን እንተፈፂሙ ዘለዎ ኢማን ብሙሉእ ካብኡ ተነፂጉ እቲ ሰብ ኸዓ ካፊር ይኸውን ዝብሉ አለው። ነዚኦም ዘለና መልሲ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ነዚኦም ንምልሰሎም ቅድም ኢልና ብዝሓበርናየን መርትዖታት ቁርአንን ሓዲሥን ከምኡ `ውን ወድዓዊ ሓቂ መበገሲ ብምግባር ኢና ንምልሰሎም። ንአብነት ንብሎም: ሓደ ሰብ መፂኡ “እገለ ናብ ዓዱ መፂኡሎ” እንተይሉኩም ነዚ ዝበለኩም ኸዓ ቃሉ ትአምኑሉ ሰብ እንተነይሩ: ቃሉ ተቀቢልኩም እቲ ዝተብሀለ ሰብ መፂኡሎ ኢልኩም አሚንኩም፤ ድሕሬኡ ኻሊእ ሰብ መፂኡ እቲ ናይ ዓንተዎ ዘረባ ንኻልአይ ግዜ ከምቲ ናይ ዓንተዎ ሰብ ዝበለኩም እንተደጊምልኩም ብዛዕባ እቲ ዝተብሀለ ዘለኩም እምነት አይውስኽን ዶ? “እወ! ዘለና እምነት ይውስኽ” ከምዝብሉ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝተብሀለ ሰብ ብዓይንኹም እንተሪኢኹሞ ኸዓ ርግፀኛነትኩም ብዝበለፀ ይዛይድ፤ እዚ ድማ ዝኾነ ይኹን ጥዑይ ሰብ ሰብ ዘይማተአሉ ሓቂ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ቃላትን ምግባራትን ብኢማን ይጠቓለሉ ካብ በልና ምውሳኽን ምቕናስን ቃላትን ምግባራትን ወደ ሰብ ከምዝፈላለዩ ብሰንኪ ቃላቱን ምግባራቱን ምቕናስን ምውሳኽን ኢማን `ውን ከምዝውውኽን ከምዝንኪን ፍሉጥ እዩ። ብመሰረት እዚአን መርትዖታት ምውሳኽን ምንካይን ኢማን ከም ዘሎ ብሩህ ይኸውን።

እዋናዊ