ሕቶ(27): ኢማን ኪውስኽን ክንኪን ይኽእል ዶ? እንታይ እንታይ ከ እዮም ዝውስኹ? እንታይ እንታይ ከ እዮም ዝቕንሱ?
መልሲ:
አብዚአ ብዛዕባ ቀደር ክንዘራረብ ከለና ዝተረፈና አሎ። እዚ `ውን ብቀደር ምእማን አብ ህይወትን ልቢን ወድ ሰብ ፅዕንቶ ዘለዎም ፅቡቕ ፍርያት አለውዎ። ምኽንያቱ ኩነታት ኩሉ ነገር ብቀደርን ውሳነን ረቢ ከምዝኾነ ትአምን እንተዄንካ ፅቡቅ ነገር እንተጓንፍ በቲ ዘጓነፈካ ንአላህ ሹክሪ ትገብረሉ፣ ብመንነትካ ብዘይግባእ አይትሕበንን፣ እዚ ዝተገበረ ብፍልጠተካን ብሓያልኻን ከይዘይኾነ ትአምን፣ እኳደአስ ንስኻ ነቲ ውፅኢት ሰበብ ክኸውን ዝኽእል ክንድዓቅምኻ ከምዝገበርካን እቲ ውፅኢት ድማ ረቢ ብመንነቱ ከምዘርከበልኻን አሚንካ ዝያዳ ንረብኻ ተመስግን። እዚ ድማ ንረብኻ ተገዛኢ ንክትኸውን ዝለዓለ ተራ አለዎ። ንነፍስኻ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ደረጃ ከይሀብኻ ነዚ ዘርከበልኻ ሕያዋይ ጎይታ ተመስግኖ። አላህ ዓዘ ወጀል `ውን ብቁርአኑ “ብምስላሞም ይሕበኑልካ፤ ብምስላምኩም ካባየ ክትሕበኑ አይግባእን፤ እኳደአስ ሓቀኛ እንተኾይንኩም ናብ ኢማን ብምምራሑ አላህ እዩ ሓገዝ ዝገበረልኩም።” {ሑጁራት 17} ኢሉ እዩ። ከምቲ እከይ እንተጓንፈካ ንጎይታ ኢድኻ ሂብካ ግዙእ ዄንካ ኸምዘይትጠዓስን ከምዘይትሓስርን ማለት እዩ።ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ሙእሚን “ትጉህ ሙእሚን ካብ ህኩይ ሙእሚን ዝሓሸን አብ ቅድሚ ረቢ ዝተፈተወን እዩ። ረብሓ ንዘለዎ ልብኻ ባህ ይበል፤ ካብ ጎይታኻ ሓገዝ ተላቦ፣ አይትተሀከይ፤ ዘይተፀበኻዮ እንተጓኒፍካ ‘ኸምዚ ተዝገብር ኔረ ኸምዚ ምኾነ ኔሩ።’ አይትበል። እኳደአስ ‘ውሳነ አላህ እዩ፤ ድላዩ ኸዓ ገበረ።’ በል። ምኽኒያቱ ‘ተዝገብር ኔረ’ እትብል ቃል መፍትሕ ምግባር ናይ ሸይጣን ስለዝኾነት።”(18)
ብቀደር (ውሳነ ረቢ) ምእማን ርግአት ልቢ ዘርክብ፣ ብሕሉፍ ካብ ምጥዓስ ንቅድሚት ካብ ዝመፅእ ካብ ጸበባን ሓሳብን ዝዕቅብ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ዝኾነ ይኹን መዓት ብምድርን ብነፍስኹምን አይትረኸበን ቅድሚ ምፍጣራ አብ መፅሓፍ ዝተፃሕፈት እንተኾይና እምበር። እዚ ኸዓ ንአላህ ቀሊል እዩ። {22} (እዚ ነፍልጠኩም) ብዝሓለፈኩም ፀጋ ንከይትጠዓሱ ብዝሀበኩም ድማ (ብሓጎስ ትዕቢት) ንኸይትሕጎሱ እዩ።… ” (ሓዲድ 22‐23) ብቀደር ንዘይአምን ሰብ ብርቱዕ ጸበባ እንተጓንፎ ብዘየጠራጥር ከምዝጠዓስን ከምዝጭነቕን ፍሉጥ እዩ። ሸይጣን `ውን ድሕሬኡ ኩሉ ዓይነት ማዕፆ ጥፍአት ይኸፍተሉ። ሓጎስ እንትረክብ ኸዓ ሕልፍ ኢሉ ብዘይግባእ ሓጎስን ትዕቢትን ዝተመልአ ይኸውን። ብቀደር ምእማን ግን ካብዚ ኩሉ ይዕቅብ።
ብዛዕባ ምውሳኽን ምቕናስን ኢማን ድማ፤ ኢማን ማለት ብልቢ ምእማን፣ ብልሳን ምዝራብን ብምግባር ምግላፅን ዝብሉ ሰለስተ ዛዕባታት ከምዘለውዎ አህሉ ሱና ወልጀማዓ ከምምዃንና ንአምነሉ እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ንአብነት ብልቢ ምእማን አብ ሞንጎ ሰባት ይፈላለ እዩ። ብዝተብሀለ ዜና መሰረት ጌርካ ምእማን ብአዒንትኻ ሪኢኻ ከምትረኽቦ ምእማን ዝመዓረ አይኮነን፤ ከምኡ `ውን ካብ ሓደ ሰብ ንዝሰማዕካዮ ካብ ክልተ ሰባት ከም ዝሰማዕካዮ ዝማዓረ እምነት አይህልወካን።
ስለዚ ድማ እዩ ኢብራሂም “ኢብራህም [ንጎይታኡ] ‘ኦ! ጎይታይ! ንሙውት ህይወት ከምትገብር አርእየኒ’ አብ ዝበለሉ እዋን [ዘክር]።” (አልበቀራ 260) ዝበለ። ስለዚ ኢማን ብመሰረት ምእማንን ርግአትን ህድአትን ልቢ ይውስኽ፤ እዚ ኸዓ ወድሰብ ብግልፂ ዝረኽቦ እዩ። ንአብነት ረቢ ዝዝከረሉ፣ ብዛዕባ ጀነትን ጀሀነምን ዝዝተየሉ ባይታ ዝተረኽበ ሰብ ዘለዎ እምነት ልክዕ ብዓይኑ እናረአየ ከምዘሎ ኾይኑ ይውስኽ። አብ እዋን ዝነገዐን አብ ኸምዚ ዝበለ ቦታ አብ ዝርሕቀሉ እዋን ግን እቲ ዘሎ ርግፀኝነት ልቢ(የቂን) ይቕንስ።
ከምኡ `ውን ብልሳንና ብንብሎ ቃል `ውን ምውሳኽ ኢማን አሎ። ምኽኒያቱ ዓሰርት ግዜ ረቢ ዝዘከረ ሚእቲ ግዜ ከምዝዘከረ አይማዓረን፤ እቲ ሚእቲ ግዜ ዝዘከረ ዓሰርተ ኢድ ዝሓሸ እዩ።
ከምኡ `ውን ዒባዳ ብዝተማልአ መንገዲ ዝገበረ ዒባዳ ካብ ዘጉደለ ዝሓሸ ኢማን አለዎ። ወድ ሰብ ብዝገብሮ ምግባር `ውን ዝተፈላለየ ኢማን ይረክብ። አዝዩ ብዙሕ ዒባዳ ብአካሉ ዝገበረ ሰብ ዝነአሰ ዒባዳ ካብ ዝገበረ ሰብ ዝበለፀ ኢማን ከምዘለዎ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኸዓ ብቁርአን ሓዲሥን መርትዖ ዝመፀሉ እዩ። ማለት `ውን ምውሳኽን ምቕናስ ኢማን አብ ቁርአንን ሓዲሥ እኹል መበገሲ ዘለዎ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “እቶም ንእሳተ ጀሀነም ዝሕልው መላኢካ ጥራይ ኢና ጌርናዮም ፤ ቁፅሮም (ዓሰርተ ትሽዓተ) ዝገበርናዮ ድማ እቶም ካሕዳናት ንኽፍተኑን ንኽጋገዩን፣ እቶም ቅድሚ ሕጂ መፅሓፍ ዘውረድናሎም (አይሁዳውያንን ክርስቲያንን) `ውን እምነቶም ንኽፀንዓሎም፤ እቶም ሙእሚኒን ድማ እምነቶም ንኽዛይድ…”(ሙደሢር 31) ከምኡ `ውን “ሱራ (ምዕራፍ) አብ እትወርደሉ እዋን አብ ሞንጎኦም (አብ ሞንጎ ሙናፊቂን) ‘እዚአ ነየናይኩም እያ ኢማን ዝወሰኸት’ ዝብል አሎ፤ ነዞም አመንቲማ ሕጉሳት ከምዝኾኑ እምነት ወሲኻትሎም። {124} ነቶም አብ ልቦም ሕማም ዘለዎም አብ ዘለዎ እከይ እከይ ወሲኻትሎም፤ ንሶም ኸሓድቲ ከምዘለው እዮም ሞይቶም።” (ተውባ 124‐125) ሶሒሕ ኮይኑ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝመፀ “ዲንን አተሓሳስባን ዝጎደለ ሒዛ ንልቢ ተባዕ ትቆፃፀሮ ካባኽን ዝሓሸ አይረአኹን።” (19) ከምዝበሉ። ስለዚ ኢማን ይዛይድን ይቕንስን እዩ። ይኹን ደአ`ምበር ምኽንያት ዝያዳን ምቕናስን ኢማን እንታይ እንታይ እዮም?
ኢማን ንኽዛይድ ካብ ዝገብሩ:
ቀዳማይ: ንአላህ ብዘለውዎ መግለፅታትን አስማትን አፀቢቅካ ምፍላጥ ሓደ እዩ። ምኽንያቱ ወድ ሰብ ብዛዕባ አላህ መግለፅታቱን አስማቱን ብዘለዎ ፍልጠት ልክዕ ብዘይ ገለ ጥርጣረ ዘለዎ ኢማን `ውን ይዛይድ። ስለዚ ድማ እዩ ንአላህ ብዘለውዎ አስማትን መግለፅታትን ብዝበለፀ ዝፈልጡዎ ሰብ ፈላጣት ብዝበለፀ ኢማን ዘለዎም ኮይኖም ንረኽቦም።
ኻልአይ: ምልክታት (ዓናቅፅ) ሸሪዓን ተአምር ተፈጥሮን ጠመተ ጌርካ ምስትውዓል። ምኽኒያቱ ወድ ሰብ ተአምራት አላህ ዝኾኑ (ከምኒ ምድሪ፣ ሰማይ፣ ሰብ ይኹን እንስሳን ዝአምሰሉን) ፍጥረታቱ ጠመተ ገይሩ ብዘስተውዓለን ልክዕ ዘለዎ ኢማን `ውን ይዛይድ። ከምቲ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ርግፅ ኢሎም ንዝቅበሉ አብ መሬት ምልክት አሎ። {20} አብ ነፍስኹም `ውን፤ ሞ ደኣ አይትርእዩን ዶ?! {21}”(ዛሪያት 20‐21) ከምዝበለ። ወድ ሰብ ብዛዕባ ተፈጥሮ ብዘለዎ ምስትውዓልን ምስትንታንን ልክዕ ዘለዎ ኢማን `ውን ከም ዝውስኽ ዝሕብሩ ብዙሕ መርትዖታት አለው።
ሳልሳይ: ዘለዎ ምእዙዝነት ምብዛሕ፤ ወድ ሰብ ዘለዎ ተአዛዝነት (ዒባዳ) ክንድዝወሰኸ ዘለዎ ኢማን `ውን በቲ ዘለዎ ዒባዳ ልክዕ ይውስኽ። እዚ ተአዛዝነቱ (ዒባዳ) ብልሳንካ ትዛረቦ ይኹን ብምግባር ዝግለፅ፤ ዒባዳ ካብ ኮነ ዚክሪ ምግባር ንአብነት ኢማን ብትሕዝቶኡ ይኹን ብኩነታቱ ንክውስኽ ይገብር፤ ሶላት፣ ሓጅ፣ ኻልኦት ምግባራውን ቃላውን ዒባዳታት `ውን ከምኡ ኢማን ብዘለዎ ትሕዝቶን ኩነትን ንክውስኽ ይገብሩ እዮም።
ኢማን ንክቅንስ ዝገብሩ ድማ ካብዚ ተፃራሪ ብዝኾነ እዩ። ንአብነት ብዛዕባ አስማትን መግለፅታትን አላህ ዘይምፍላጥ፤ ወድ ሰብ ብዛዕባ አስማትን ባህርያትን አላህ ዘለዎ ፍልጠት ውሕድ እንተኾይኑ ብዘለዎ ውሕደት ፍልጠት ንውሕደት ኢማን ይቃላዕ።
እቲ ኻልአይ ብዛዕባ ተፈጥሮአውን ሸሪዓውን ምልክታት አላህ ሸለል ምባል እዩ። እዚ `ውን ብዓርሱ ኢማን ንክቕንስ፤ እንተንአሰ ንከየማዕብል ዓብይ ማሕለኻ ይኸውን።
ሳልሳይ ገበን ምፍፃም፤ ምኽንያቱ ንገበን አብ ልቢን ኢማንን ዓብይ ፅዕንቶ ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “ዝሙት ዝገብር ሰብ ዝሙቱ አብ ዝገብረሉ እዋን ሙእሚን ኮይኑ አይገብርን።”(20) ዝበሉ።
ንናይ ምቕናስ ኢማን ራብዓይ ምኽንያት ተአዛዝነት (ዒባዳ) ምግዳፍ እዩ። ምኽንያቱ ዒባዳ ምግዳፍ ኢማን ንክቕንስ ዓብይ እጃም ስለዘለዎ እዩ። ይኹን ደአ`ምበር እዚ ዝገደፎ ዒባዳ ግቡኡ (ዋጅብ) ኮይኑ ብዘይ እኹል ምኽንያት እንተኾይኑ ግን ኢማኑ ይቕንስ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝንቀፈሉን መቅፃዕቲ ዘምፅአሉን እዩ። እቲ ዒባዳ ዋጅብ ዘይኮነ እንተኾይኑ `ውን ዑዝር (እኹል ምኽንያት) ስለዘለዎ እንተኾይኑ ግን አጉዲሉ እዩ ግን አይቅፀዐሉን። ስለዚ ድማ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንደቅ አነስትዮ ብአተሓሳስባን ብዒባዳን ከምዘየማልአ ዝሓበሩና። ነዚ ድማ አብ እዋን ወርሓዊ ፅግያአ ፆምን ሶላት ምግዳፋ እዩ ከም ምኽኒያት ዝገበሩ። ወድ ተባዕታይ ግን ንሳ አብ ወርሓዊ ፅግያ አብ ዘላትሉ እዋን ንዑኡ ዑዝር ስለዘይብሉ ዒባዳኡ ስለዝፍፅም ናታ ዒባዳ ካብ ናይ ደቅ ተባዕታይ ዒባዳ ዝነአሰ ኮይኑ።