ሕቶ(26): ነቲ ዝተረፈ ብዛዕባ ቀደር እንተትዛረብና፤ ረቢ ዓስቢ ይግበረልኩም ዋ?
መልሲ:
ብቀደር ምእማን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ጅብሪል ዓለይሂ ሰላም አብ ዝሓቶም እዋን ብሩህ ካብ ዝገበሩሉ ዓንዲታት ኢማን ሓደ እዩ። ብቀደር ምእማን ብመሰረት ትምህርተ ኢስላም ብጣዕሚ አገደስቲ ካብ ዝበሀሉን ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ቀደም ጀሚሮም ካብ ዝካትዑሎምን ዛዕባታት ሓደ እዩ። ሰባት በዚ ዋኒን ይካትዑን ይቋየቘን እዮም ነይሮም ፤ ሕዚ `ውን ዝካትዑ አለው። ይኹን ደአ`ምበር አልሓምዱ ሊላህ እቲ ሓቂ ንቖየቛ ብዘየድሊ ብሩህ እዩ ዘሎ። ብቀደር ምእማን ክንብል ከለና አላህ ዓዘ ወጀል ንኩሉ ነገር ቀደር ከምዘገበረሉ ክንአምን እዩ። አላህ ብቁርአኑ “ኩሉ ነገር ዝፈጠረን ምዕራይ ዘዐረየን እዩ።” (ፉርቃን 2) እዚ ረቢ ዝገበሮ ቀደር ንዘለዎ ጥበብ ስዒቡ ዝመፅእ እዩ። ብመሰረት እዚ ጥበብ እቲ ቀደር ቅኑዕን በዓል ዓብይ ረብሓን ዝኾነ መዛዘሚ ዘለዎ እዩ።
ብቀደር ምእማን አርባዕተ ብርክታት አለውዎ:
ቀዳማይ ዒልሚ (ፍልጠት): ማለት ረቢ ንኩሉ ነገር ከምዝፈልጥ ፣ ቀረባ ይኹን ሩሑቕ፣ ዘሎ ይኹን ዝመፅእ፣ ብዛዕባ ናይ ባርያታቱ ምግባር ይኹን ብዛዕባ ምግባሩ፣ ብሓፈሻ ይኹን ብዝርዝር በቲ ዘልአለማዊ መግለፂ ናቱ ብዝኾነ ፍልጠቱ ከምዝፈልጥ ብዘይገለ ምጥርጣር ክንአምን ማለት እዩ። ነዚአን አርባዕተ ብርኪታት ድማ አብ ቁርአንን ሓዲሥን አመና መርትዖታት አለውዎ። አላህ ብቁርአኑ “አላህ አብ ሰማይን ምድርን ዋላ ሓደ ካብኡ ዝሕባእ የለን።” (አል, ዒምራን 5) ከምኡ `ውን “ናይ ሕቡእ ፍልጠት መፍትሕ አብኡ እዩ። ንሱ እምበር አይፈልጦን። አብ ባሕሪ ይኹን አብ ምድሪ ዘሎ ይፈልጥ። ካብ ቆፅሊ እትወደቅ የላን እናፈለጣ እምበር። ፍረ አብ ምድሪ ደልሀመት፣ አብ ጥሉል ይኹን ደረቕ ዋላ ሓንቲ የላን አብቲ ብሩህ መፅሓፍ (ዝተመዝገበት) ኾይና እምበር።” (አል‐አንዓም 59) ከምኡ `ውን “አብ ነፍሱ ብሓሳቡ (ሕሹዂ) ትብሎ ንፈልጥ እንትንኾን ብርግፅ ወድ ሰብ ፈጢርናዮ ኢና።” (ቃፍ 16) ብተወሳኺ “አላህ ብእትስርሑዎ ኩሉ ፈላጥ እዩ።” (በቀራ 283) ዝብሉ ቃላት አላህ ብሓፈሻ ይኹን ብዝርዝር ኩሉ ፈላጥ ንምዃኑ ከም መርትዖ መወከሲ ምግባር ይከአል።
ነዚ ብርኪ ዓንዲ ኢማን ዘይተቀበለ ካፊር እዩ። ምኽንያቱ ብቃል አላህ፣ ብቃል ልኡኹን ሙስሊማት ኩሎም ብዝሰማምዑሉን ስለዝኸሓደ። ንአላህ ድማ ስለዝነቀፈ፥ ምኽንያቱ ናይ ፍልጠት ተፃራሪ ወይ ዘይምፍላጥ ወይ ኸዓ ርሰዐ ስለዝኾነ ክልቲኦም `ውን ንአላህ ግቡእ ዘይኾኑ መግለፅታት እዮም። አላህ ዓዘ ወጀል ብዛዕባ ሙሳን ፊርዓውንን ክትዕ ብቁርአን ካብ ዝገለፀልና: “(ፊርዓውን ድማ) ‹ናይ መጀመርታ ዘመናት ሰባት ከ ከመይ ድዮም ዝኾኑ?› በለ። {51} (ሙሳ ኸዓ) ‹ፍልጠቱ አብ ጎይታይ አላህ ተመዝጊቡ እዩ። ጎይታይ ዘይጋገን ዘይርስዕን እዩ።› በለ።(52)” (ጧሀ 51‐52) አላህ አይጋገን: ማለት ብዛዕባ ንቅድሚት ዝመፅ ዘይፈልጦ የለን፤ አይርስዕን: ማለት ኸዓ ብዛዕባ ሕሉፍ ዝተረሰዐ ዝኾነ ንዑኡ የብሉን።
ኻልአይ ብርኪ: እዚ ድማ አላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ክሳብ መወዳእታ ዕለት ቀደር (ውሳነን ፍርዲን) ናይ ኩሉ ነገር አብ ፅሑፍ ከምዝገበሮ: ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “አላህ ዓዘ ወጀል ቀለም ምስፈጠረ ‘ፀሓፍ!’ ምስ በሎ ‘እንታይ ኽፅሕፍ?’ በለ። ‘ኩነታት ዓለም’ ኢሉ አዘዞ። ካብዚአ እዋን ንደሓር ክሳብ መወዳእታ ዕለት ንዝኾነ ሓፈሻዊ ይኹን ዝርዝር ኩነት አብ ምፅሓፍ እዩ ዝርከብ። አላህ ዓዘ ወጀል ናይ ኩሉ ነገር ውሳነ አብ ለውሐል መሕፉዝ ቀደር ብፅሑፍ መዝጊቡዎ አሎ።” (15)
ብዛዕባ ናይ መጀመርታን ኻልአይን ብርኪታት ቀደር “አላህ ብሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ከም ዝፈልጥ አይትፈልጥን ዶ? እዚ አብ መፅሓፍ (ዝተመዝገበ) እዩ። እዚ ንአላህ ቀሊል እዩ።” (ሐጅ 70) አብ ዝብል ዓንቀፅ ቁርአን “እዚ አብ መፅሓፍ (ዝተመዝገበ) እዩ” ማለት አላህ ይፈልጦ እዩ ከም ማለት እንትኾን፤ “መፅሓፍ” ዝተብሀለ ድማ ለውሐል መሕፉዝ እዩ። አብዚ ኸዓ ገሊኡ ብዝርዝር ዝተቐመጠ እንትኾን ገሊኡ ኸዓ ከምዘሎ ብሓፈሻ ኾይኑ ይተርፍ። ንአብነት ወድ ሰብ አብ ከብዲ አዴኡ ከሎ አርባዕተ ወርሒ እንተሓሊፉዎ መልአክ አርባዕተ ነገራት: ዘለዎ ሪዝቂ (ሽሻይ)፣ ዕድመኡ፣ ስርሑን ዕድለኛ (ሰብ ጀነት) ዶ ዕድል ዘይብሉ (ሰብ ጀሀነም) ምዃኑን ንኽፅሕፍ ተአዚዙ ይለአኸሉ። ካብ ዓብደሏህ ኢብኑ መስዑድ ብዝተመሓላለፈ ሓዲሥ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ከምዘመፀ። (16)
ለይለተል ቀድር (ናይ ውሳነ ለይቲ) አብ እትኾነሉ እዋን ድማ አብ ዓመት ንዝኾን ኩነታት ይፀሓፍ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ «ንሕና (ቁርአን) መጠንቀቕታ ገይርና አብ ብሩኸቲ ለይቲ አውሪድናዮ። {3} ዝተወሰነ ነገር ኩሉ አብ ውሽጣ ይፍለ። {4} ካባና ብዝኾነ ትእዛዝ ፤ ንሕና ድማ (ልኡኻት) ለአኽቲ ነይርና።{5}» (ዱኻን 3‐5) ከምዘበለ።
ሳልሳይ ብርኪ አብ ዱኒያ ዘለው መላእ ኩነታት ዝኾኑ ብፍቃድ ረቢ ምዃኑ ምእማን እዩ። እዚአን ኩነታት ምግባር ናይ አላህ ይኹኑ ምግባር ናይ ወድ ሰብ ወይ ኸዓ ፍጡረታት ብዘይፈሊ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “አላህ ድላዩ ይገብር።(ኢብራሂም 27) ብተወሳኺ “ተዝደሊ ኔሩ ንኩላትኩም ምመርሓኩም” (ነሕል 9) ብተወሳኺ “ጎይታኻ ተዝደሊ ኔሩ ወድ ሰብ ኩሉ ሓደ ህዝቢ ምገበረ።” (ሁድ 118) ከምኡ `ውን “እንተደሊዩ ንዓኹም አልዒሉ ብሓዱሽ ፍጡራት ምተከአኩም።” (ፋጢር 16) ዝብሉን ኻልኦትን ዓናቅፅ ቁርአንን ሓዲሥን አላህ ንዝገብሮም ይኹን ፍጡራት ዝገብሩዎም ኩነታት ብናቱ ድላይ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ አመና መወከሲ አለው። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “አላህ ተዝደሊ ኔሩ እቶም ድሕሪ እቶም (ልኡኻት) ዝነበሩ ብሩህ መረዳእታ ምስመፀሎም ዘይምተቃተሉ ነይሮም። ግን ተፈላልዮም። አብ ሞንጎኦም ዝአመኑ አለው፤ አብ ሞንጎኦም ኸዓ ዝኸሓዱ አለው። ግን አላህ ድላዩ ዝገብር (ጎይታ) እዩ።” (በቀራ 253) እዚ መወከሲ ምግባራት ባሮት ናይ አላህ ድላይ ምስተረኸበ ከምዝኾነ ብሩህ ይገብረልና። አላህ ነቲ ምግባር እቶም ሰባት ከይገብሩዎ ድላዩ እንተኾይኑ አይግበርን እዩ።
እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ብርኪ ብቀደር ምእማን ድማ አላህ ናይ ኩሉ ነገር ፈጣሪ ከምዝኾነ ምእማን እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ፈጣሪ እቶም ዝተረፉ ፍጡራት እዮም። ኩሉ ነገር አላህ ዝፈጠሮ፤ መላእ ፍጡራት `ውን ዝተፈጠሩ ብአላህ እዮም። ካብቶም ፍጡራት ዝተረኸቡ ምግባሮምን ቃላቶምን ካብ ፈጣሪ ዝተውሀቦም ፍጥረት እዩ። ምኽንያቱ ምግባራትን ቃላትን ወድሰብ መንነቱ ከምዝኾነ ናቱ መንነት ኸዓ ናይ ፈጣሪ ፍጥረት እዩ። አላህ እዩ ፈጢሩሉ። “አላህ እዩ ንዓኹም ዝፈጠረኩም፤ ንምግባርኩም `ውን” (ሷፋት 96) ብመሰረት እዚ አላህ ዓዘ ወጀል ንወድ ሰብን ምግባሩን ከምዝፈጠረ ብሩህ ብዝኾነ መንገዲ ገለፀ: “…ንምግባርኩም `ውን…” ኢሉ ብግልፂ ብዘየማትእ ከምዝሓበረ። አብዚ ዓንቀፅ ብምኽንያት ስዋስዋዊ ሕጊ ዓረብኛ ዋላ `ኳ ዑለማታት ኢስላም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተረደኡዎ ይኹን ኩሎም አላህ ዓዘ ወጀል ምግባር ወድሰብ ከምዝፈጠረ ከምዝሕብር ግን ብሓድነት ይስማዕምዑ እዮም።
እዚአን አርባዕተ ብርኪታት ብቀደር ምእማን ብጀካአን ዘይማለአለን እየን። ኻልአይ ክንገልፀን ከለና: አላህ ዓዘ ወጀል ብሓፈሻ ይኹን ብዝርዝር ኩሉ ነገር ከምዝፈልጥ፣ አላህ ናይ ኩሉ ነገር ቀደር ብውሳነ አብ ለውሐል መሕፉዝ ብፅሑፍ ገይሩ ከምዘቀመጠ፣ ሳልሳይ ኩሉ ኩነታት ዝኸውን ድሕሪ ፍቃድ ረቢ ከምዝኾነ ምእማንን አላህ ዓዘ ወጀል ኩሉ ነገር ከምዝፈጠረ ምእማንን አርባዕተ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሰበባ አስባብ ምግባር ወድሰብ ምስ ቀደር ዝፃባእ ከምዘይኾነ ክትፈልጥ ግድን እዩ። እኳደአስ ሰበባ አስባብ ምግባር ሸሪዓ (ሕጊ ኢስላም) ዝአዘዞ እዩ። ምኽንያቱ ሰበብ ክኸውን ዝኽእል ነገር ብምግባር ስለዝኾነ ውፅኢት ዝርከብ። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ እዋን ዑመር ኢቡነል ኸጧብ ረድየሏሁ ዓንሁ ናብ ሻም ክኸይድ ከሎ አብ ሻም ተመሓላላፊ ሕማም ከምዘሎ ዜና ምስበፅሖ ሽዑ ምስ ሱሓበታት ነብይ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ገይሾም ተዝቅፅሉ ዶ ወይለ ናብ መዲና ተዝምለሱ ይሓይሽ አብ ዝበል ሹራ ገይሮም አብ መወዳእታ ናብ መዲና ንኽምለሱ ተስማዕምዑ። አብዚ እዋን ሓደ ዑመር ዘኽብሮ አቡ ዐበይዳ ዓምር ኢብነል ጀራሕ ዝተብሀለ ሱሓባ “ያ አሚረል ሙእሚኒን! ከመይ ናብ መዲና ንምለስ በልኩም? ካብ ውሳነ ረቢ ዶ ኽንገልብ ኮይንና?” በለ። ዑመር ኸዓ “እወ! ካብ ናይ ረቢ ቀደር (ውሳነ) ናብ ኻሊእ ቀደር (ውሳነ ረቢ) ንገልብ።” ብምባል መለሰሉ።
ድሕሪ እዚ ምይይጥ ዑመርን ዓምር ኢብነል ጀራሕን ዓብዱሯሕማን ኢብኑ ዓውፍ ረዲየሏሁ ዓንሁም ምስኦም አይነበረን ደሓር ምስ ሰምዐ መፂኡ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “ብዛዕባ ተመሓላለፍቲ ሕማማት አብ ዝኾነት ምድሪ ኸባቢ ከምዘሎ መረዳእታ እንተበፂሑኩም አይትእተው።”(17) ከም ዝበሉ ብምፅዋይ ፍርዲ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ሞንጎ ገበረ።
በዚ በለ በቲ ዑመር “ካብ ቀደር ረቢ ናብ ቀደር ረቢ ንገልብ።” ከምዝበለ ሰበብ አስባብ ምግባር `ውን ሓደ አካል ቀደር እዩ። ንአብነት ሓደ ሰብ አነ ብቀደር ዝአምን ሰብ እየ ብዜካ ጓል አነስተይቲ ውላድ ከግኒ እየ እንተይሉ ከምዕቡድ እዩ ዝቁፀር። አነ ብቀደር ዝአምን እየ ሽሻይ ክረክብ ገለ እናበልኩ ምንቅስቓስ አይገብርን፤ ኢሉ ዋላ ኻሊእ ሰበብ `ውን ዘይሕዝ እንተኾይኑ ከም ዓሻ ምተቆፀረ ነይሩ።
ስለዚ ብቀደር ምእማን ምስ ሀይማኖታዊ አፍልጦ ወይ ወድዓዊ ዝኾኑ አስባባት ዝፃባእ አይኮነን። ግን እቲ በዓል ዋና ሓቂ ኢሉ ይካተዐላ እምበር ጥርጣረ ጥራይ ዝኾነ ሰበብ ወድዓዊ ዘይኾነ ካብ ኮነ ቦታን ጠመተን ዝወሃቦ አይኾንን።
ብተወሳኺ ሰባት ዝፅገሙሉ ንኸፀግም እኹል ዘይኾነ ሕቶ አሎ። እዚ `ውን “ናተይ ምግባር ካብ ቀደር ካብ ኮነ ንዝሰራሕኩዎ እኩይ ንምነታይ እቕፃዕ ዝብሉዎ እዩ።
ነዚ ዘለና መልሲ ቀደር እኩይ ንምግባርኻ አብ አላህ ዘለካ መርትዖ ክኾነካ አይኽእልን። ምኽንያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ንኽትገብሮ አየገደደካን። ከምኡ `ውን ነቲ እኩይ ምግባርካ አብ ግብሪ ክተውዕል አብ ትብለሉ እዋን ዝተቀደረልካ ምዃኑ አየረጋገፅካን። ወድ ሰብ እንታይ ተቀዲሩሉ (ተወሲኑሉ) ንዝብል ድሕሪ ምግባሩ እምበር ቅድሚ ምግባሩ ስለዘይፈልጥ። ንምንታይከ ሓደ እኩይ ነገር ቅድሚ ምግባርኻ ሰናይ ምግባር እዩ ቀደር (ዝተወሰነለይ) ዘይትብል? ንብሎ። ከምቲ አብ ዋኒን ዱኒያኻ ክኸውን ከሎ ነቲ ረብሓ ዘለዎ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ዝጎድአ ክኸውን ከሎ ኸዓ ከምትገልብ ዋኒን አኼራ ክኸውን ከሎ ኸ ንምንታይ ብኸምዚ ዘይትኸውን? ንአብነት ሓደ ጥዑይ አእምሮ ዘለዎ ሰብ ናብ መካ ክልተ መንገድታት አለው እቲ ሓደ ሰላማውን ገርህን እንትኾን እቲ ኻልአይ ድማ ላዕልን ታሕትን ዝበዝሖ አፀጋሚ መንገዲ እዩ እናተብሀለ እቲ ኻልአይ መሪፁ እዚ እዩ ዝተቀደረለይ አይብልን። እኳደአስ እቲ ሰላማውን ገርህን መንገዲ ብምምራፅ ገይሺ ይገብር። ካብዚ ብዘይተፈለየ መንገዲ ናብ ጀነት `ውን መንገዲ አለዋ፤ ጀሀነም `ውን መንገዲ አለዋ፤ ናብ ጀሀነም ዝወስድ መንገዲ እንተመሪፅካ ከምቲ ዘፍርሕን ዘፀግምን መንገዲ ዝመረፀ ኢኻ ትኸውን፤ ነዚ መንገዲ ንዘመረፀ ድማ ንስኻ ባዕልኻ `ውን ትነቅፎ ኢኻ። ስለዚ ንምንታይ ድአ ንዓርስኻ ናይ ጀሀነም መንገዲ መሪፅካ ናይ ሽሻይ መንገዲ ትገድፎ? ወድ ሰባት ብቀደር አብ ረቢ መርትዖ ዝረኽቡ ተዝኾኑ ነይሮም ልኡኻት ዝተልአኹ ብምዃኖም ዘይትሰዓር መርትዖ ኮይና አላህ ብቁርአኑ “ብስራትን መጠንቀቕታን ወሀብቲ ልኡኻት (ልኢኽና)፤ ድሕሪ ልኡኻት ንደቅ ሰባት አብ ቅድሚ ረቢ (ንገበኖም) መርትዖ ንከይረኽቡ።” (ኒሳእ 165) ንዝብል ቃል አላህ ተፍርሶ ምኾነት ነይራ።