Back to Top

ሕቶ(24): ብዛዕባ ሳልሳይ ዓንዲ እዚ ካብ በልና እቲ ራብዓይ ዓንዲ ብልኡኻት ምእማን ኸ?
መልሲ:

ብልኡኻት ምእማን ክንብል ከለና አላህ ዓዘ ወጀል ናብ ደቅ ሰባት አብ ሞንጎኦም ዝኾኑ ዓናቅፅ ረቢ ዘንብቡሎም ልኡኻት ከምዝለአኸ ክንአምን ማለት እዩ። እዚኦም ልኡኻት ረቢ እቲ ናይ መጀመርታ ልኡኽ ኑሕ ምዃኑን መወዳእተትኦም ድማ ሙሓመድ ከምዝኾነ ንአምን። ቅድሚ ኑሕ ዓለይሂ ሰላም ዋላ ሓደ ነብይ አይተልአኸን። ብመሰረት እዚ እድሪስ ቅድሚ ኑሕ ዝነበረ ልኡኽ ከምዝኾነ ዝገልፁ ፀብፀብቲ ታሪኽ ዝተጋገዩ ምዃኖም ንፈልጥ። ምኽንያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ንሕና ናብ ኑሕን ድሕሬኡን ንዝመፁ ልኡኻት ወሕይ ከምዝገበርናዮ ናባኻ `ውን ወሕይ ገይርና። (ኒሳእ 163) ብዛዕባ ዓባይ ሸፋዓ ካብ ዝመፁ ሓዲሣት ደቅ ሰባት ናብ ኑሕ መፂኦም ‹ንስኻ አላህ ዓዘ ወጀል ናብ ሰባት ምድሪ ዝለአኸካ ፈላማይ ልኡኽ ረቢ ኢኻ… › ይብሉዎ።(14) ከምዝብል። ቅድሚ ኑሕ ዓለይሂ ሰላም ልኡኽ የለን። ድሕሪ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ነብይን ልኡኽን የለን። ምኽንያቱ አላህ ሱብሓነሁ ወተዓለ ብቁርአኑ ሙሓመድ ካብ ወድታትኹም ናይ ሓደ አቦ አይኮነን፤ ግን ልኡኽ አላህን መዛዘሚ ነብያትን እዩ። (አሕዛብ 40) ናይ ዒሳ አብ መወዳእታ ዕለት ምውራድ `ውን ሓዱሽ ልኡኽ ኾይኑ ከይኮነ ብናይ ሕግን ሸሪዓን ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ክፈርድ እዩ ዝመፅእ። ምኽንያቱ ዒሳ ይኹን ኻልኦት ልኡኻት አላህ ብነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ምእማን ካብ ዘለዎም ግቡአት ሓደ ስለዝኾነ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ አላህ ካብ መፅሓፍን ጥበብን ሂበኩም ካብኡ ‹ምሳኹም ንዘሎ መፅሓፍ ዘረጋግፀልኩም ልኡኽ እንተመፂኡኩም ክትአምኑሉን ክትረድኡዎን› ዝብል ቃል ኪዳን ካብ ነቢያት አብ ዝሓዘ እዋን (ዘክር)። ‹አረጋጊፅኩም ዶ? ኪዳነይ ከ ሒዝኩም ዶ?› በሎም። ‹አረጋጊፅና› በሉ። ‹ካብ ኮነ መስክሩ! አነ `ውን ምሳኹም ካብ መሰኻኽር እየ›በለ። (አል‐ዒምራን 81) እዚ ምሳቶም ንዘሎ መፅሓፍ ዘረጋግፅ ዝተብሀለ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እዮም። ብኸምዚ ካብ ኢብኑ ዓባስን ኻልኦትን ከምዝመፀ ፤ በዚ በለ በቲ እቲ ዋኒን ብልኡኻት አላህ ብኸምዚ መገዲ ክንአምን ግቡእና እዩ። ፈላማይ ኑሕ ከምዝኾነ ናይ መጠረሽታ ድማ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እዮም። ንአምነሉ መንገዲ ድማ ካብአቶም ሶሒሕ (ልክዕ) ብዝኾነ መንገዲ ተረጋጊፁ ንዝመፀ ካብ አላህ ዝመፀሎም ካብ ኮነ ንአምነሉን ሓቂ ኢልና ንቅበሎን። ካብአቶም ምምፃኦም ዋላ ርግፀኛ ዝኾንናለን ሕግታት ድማ ሓደ `ውን ካብ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ክሳብ ዘይመፀን ብሸሪዓና ክሳብ ዘይተሓበረን ንስዕብ ግቡእ የብልናን።

ብአንፃር ውልቃዊ መንነት ልኡኻት ድማ አላህ ወይ ኸዓ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም በሽሞም ዘፍለጡና ብሽሞም ምስውልቃዊ መንነቶም፤ ሽሞም ዘይተፀወየና ድማ ብሓፈሻዊ ልኡኽ መንነቶም ልክዕ አብ ብዛዕባ መላኢካታትን መፅሓፍቲን ዘሕለፍናዮ ንአምን ግቡእና እዩ።

እዋናዊ