ሕቶ(21): ምድራት ዓንድታት ኢማን ተሪፉና?
መልሲ:
ኢማን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸምዝበሉዎ “ብኣላህ፣ ብመላእኽቱ፣ ብኪታባቱ፣ ብልኡኻቱ፣ ብትንሳኤ መዓልትን ብቀደርን” ክትአምን እዩ። ብዛዕባ ብአላህ ምእማን ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ሪኢና። ብመላኢካታት ምእማን ክንብል ከለና ዓርሱ ዝኸአለ ዓለም ዘለዎም ዘይረአዩ ረቢ ካብ ብርሃን ዝፈጠሮም ምእዙዛት ዝኾኑ “መላኢካ” ንብሎም ፍጥረታት ከምዘለው ምእማን እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ለይትን ቀትርን (ተስቢሕ እናገበሩ)የፅርዩዎ፤ አየዕርፉን።” (አል‐አንቢያእ 20) ፣ “ትእዛዛት አላህ ዘይግህሱ፣ ዝተአዘዙዎ ዝገብሩ መላኢካታት አለው።” (ተሕሪም 6) ከምዝበለ። ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ደረጃን አለዎም። ጅብሪል ዓለይሂ ሰላም ሓላፍነቱ ምስ ወሕይ ዝተራኸበ እንትኾን ናይ አላህ ወሕይ ናብ ልኡኻቱ ሒዙ ዝወርድ ንሱ እዩ። ከምቲ አላህ ብቁርአኑ “እሙን መንፈስ (ጅብሪል) አውሪዱዎ {193} ካብ መጠንቀቅታ ንክትኾን {194} ብሩህ ብዝኾነ ዓረብኛ ቋንቋ።” (ሹዓራእ 193‐195) ብተወሳኺ “‹…ሓቀኛ ዝኾነ ቅዱሱ መንፈስ (ጂብሪል) አውሪዱዎ› በሎም።” (ነሕል 102) ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንጅብሪል በቲ ዝተፈጠረሉ መንነት ክልተ ግዜ ሪኦሞ እዮም። በቲ ሓደ ግዜ ምስ ሽዱሽተ ሚእቲ አኽናፉ አድማስ ሸፊኑዎ እዮም ሪኦሞ።(10) ሚካኤል `ውን ዓበይቲ ካብ ዝበሀላ መላኢካታት ሓደ እዩ። አላህ ዝሀቦ ሓላፍነት ምስ ዝናብን ምብቋልን ዝተተሓሓዘ እዩ። ኢስራፌል `ውን ካብ ዓበይቲ መላኢካታት ሓደ ዝኾነ ረቢ ነቲ ዓብይ ጥሩምባ ናይ ምንፋሕ ሓላፍነት ዝሀቦ እዩ። ካብዞም ዓርሺ ዝፆሩ ሓደ እዩ። እዚአን ሰለስቲአን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ናይ ለይቲ ሶላት መፍትሒ ዱዓ “አሏሁምመ ረበ ጅብራኢል ወሚካኢል ወኢስራፊል ፋጢሪ ስ‐ሰማዋቲ ወል አርድ ዓሊሙል ቐይቢ ወሸሀዳህ: አንተ ተሕኩሙ በይነ ዒባዲክ ፊማ ካኑ ፊሂ የኽተሊፉን: ኢህዲኒ ሊመኽተለፉ ፊሂ ሚነል ሓቂ ቢኢዝኒክ: ኢነከ ተህዲ መን ተሻኡ ኢላ ሲራጢን ሙስተቂም” (11)ትርጉሙ ድማ: “አንታ ጎይታ ጅብራኤል፣ ሚካኤልን ኢስራፌልን ዝኾንካ ፤ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠርካ፣ ሩሑቅን ቀረባን ፈላጥ ዝኾንካ፣ አብ ሞንጎ ባሮትኻ ብዝተካትዑሉ ትፈርድ ንስኻ ኢኻ፤ ንዝተፈላለዩሉ ዋኒን ናብቲ ዝሓሸ ምርሐኒ፤ ንስኻ ንዝደለኻዮ ናብቲ ቅኑዕ ትመርሕ”ብምባል ይዝክሩዎም ኔሮም። እዚአን ሰለስቲኦም ሓላፍነቶም ምስ ህይወት ርክብ አብ ዘለዎ፣ ድሕሪ ሞት ምትንሳእ `ውን ኸምኡ ስለዝኾነ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምአብ ዱዓኦም ዝዝክሩዎም። ንሕና ከምንፈልጦ ድማ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም መላኢካታት እዚኦም እዮም። ካብ መላኢካታት ህይወት ብምውሳድ ሓላፍነት ዘለዎ መለኩል መውቲ፣ ብየማንን ብፀጋምን ኮይኖም ስራሕቲን ቃላትን ወድሰብ ንምቁፅፃር ሓላፍነት ዘለዎም ክልተ መላኢካታት፣ ረቢ ዝዝከረሉ እኩብ ዝእልሹ መላኢካታት እቶም ገለ እዮም። ዝበለፀ መብርሂ ዝደለየ ሰብ ሰባት ዒልሚ በዚ መዳይ ዝፀሓፉዎ ምርአይ ይኽእል።