Back to Top

ሕቶ(20): ይኹን ደአ`ምበር አብዚ ሐዚ እዋን ብብዝሓት ዝርከቡ ይሓስቡ እዮም የፍርዩ እዮም ዓቅሊ አለዎም ካብ ንብሎም ገለ ሰባት “አድ‐ደህርይን” ዝበሀሉ አምላኽ የለን እንትብሉ ይስምዑ እዮም። ንኸምዚኦም ከመይ ንመልሰሎም?
መልሲ:

መጀመርታ “ዓቅሊ አለዎም ንብሎም” ንዝበልካያ መብርሂ ክህበላ ይፎቱ። እዚ `ውን “ዓቅሊ አለዎም ካብ ንብሎም” አባህላኻ ዝጎድእን ዝጠቕምን ምፍላጥ ዝኽእሉሉ ዓቅሊ (አይተፀለሉን) ንምባል እንተኾይኑ ሓቂ ክኾን ይኽእል። “ዓቅሊ አለዎም” አባህላኻ ቅኑዕ መንገዲ ዝመርፁሉ ጥዑይ አእምሮ ንምባል እንተኾይኑ ግን ዓቅሊ (ጥዑይ አእምሮ) የብሎምን። ስለዚ ድማ እዩ አላህ ነዞም ኩፋር ዓባስ፣ ዕውር፣ ጸማምን ዘይርድኡን ኢሉ ዝገለፆም። ኮይኑ ግን ንምንታይ ኢሎም ዝሕተቱሉ ብሱሩ ዓቅሊ (አእሙሮ) የብሎምን ማለት አይኮነን። ንሶም ኸምዚ እንተይሎም ድማ እቲ ዝብሉሉ መንገዲ ትዕቢት ጥራይ እምበር እኹል ምኽንያት ስለዘለዎም አይኮነን። ምኽንያቱ ዝተተኸለ ማዕፆ ዓርሱ ንዓርሱ ከምዘየብል ይፈልጡዎ እዮም። ዓርሱ ንዓርሱ ክሀንፅን ክተኽልን አይኽእልን። ክኢላ ሀናፂ ወይ ከዓ ሰራሕ መንደቕ ከምዘድልዮ አይጠራጠሩን፤ እኳ ደአስ እቲ ዝበልዑዎ ምግብን ዝሰትይዎ ማይን ዘውፀአን ዝዘርአን ከምዘሎ፤ ወድ ሰብ እታ ዘርኢ ኾይኑ ክቦቁልን ፍርያት ክኾንን ከምዘይኽእል ፍሉጥ እዩ።

እዚ ኩሉ ይፈልጡ እዮም። እዚ ዝበልናዮ ኩሉ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወፂኡ ኽገብሮ ከምዘይኽእል ይፈልጡ እዮም። ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ኽወፁ `ውን ከምዘይኽእሉ እናፈለጡ ትዕቢት ይሕዞም። ትዕቢት ግን ካብ ተሓታትነት መመልጢ ክኸውን አይኽእልን። ትዕቢት ንዘለዎ ሰብ ብዓይኑ እናረአያ “ፀሓይ” እያ እንተይልኻዮ ትዕቢቱ ይዕቅቦ አይቅበልን። ምስ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ምይይጥ ግዜ ካብ ምጥፋእ ዝበለ ውፅኢት የብሉን። ንኸምዚ ዝበለ ዳዕዋ ዝግበረሉ ካብ ሰለፍ (ቀደም አቦታትና) ሓደ ከምዝበለ: በትሪ እምበር ምኽሪ አይመልሶምን።

እዋናዊ