Back to Top

ሕቶ(19): ብዛዕባ ፅንሰ ሓሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ደሊና፤ ከምኡ `ውን ዓንድታት ኢማን እንታይ እንታይ ከምዝኾኑ?
መልሲ:

ብዛዕባ ንሕና ዝሓበርናኩምን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ሓዲሡ ጅብሪል ንብሎ ሓዲሥ ዝሀቡዎ ገለፃ ንዛረብ ኔርና። እዚ ምስ ሙሉእ ተቐባልነትን ተአዛዝነትን ምእማን ኢልና ዝሓበርናኩም መግለፂ ብሓፈሻ ዲን የጠቓልል እዩ። ነዚ ድማ እዩ ዑለማታት ኢስላም አብ ዓቂዳ ይኹን አብ ኻልኦት ኪታብ ብዛዕባ ኢማን ክዛረቡ ከለው ዘቐምጡዎ። ብነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተሓበረ መብርሂ ኢማን ግን ፍሉይ ብዝኾነ ዓንዲታት ኢማን እዮም መሊሶምሉ። ምኽንያቱ ከምቲ መበገሲ መጀመርታ ብዛዕባ ኢስላም ሓቲቱዎም እተን ዓንድታት ብምሕባር ምስመለሱ ብዛዕባ እምነት ወሽጢ ኢማን ሓተቶም ሕዚ `ውን ብዓንድታቱ እዮም መሊሶምሉ።

ኢስላም ብላዕላይ አካል ንገብሮም ነገራት ሶላት፣ ዘካት፣ ፆምን ሓጅን ብሓፈሻ ምስ ላኢላሀ ኢለሏህ ሓዊሱ እዩ። ዋላ `ኳ ላ ኢላሀ ኢለሏህ አብ እምነት ይኹን ቃል ስለዘድልዮ ከም ተግባር ኮይኑ ናብ ኢስላም ተሓዊሱ። ከምዝፍለጥ ዓንድታት ኢማን ሽድሽተ እዮም ኢሎም ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንጅብሪል ብኣላህ፣ ብመልኢካታቱ፣ ብኪታባቱ፣ ብልኡኻቱ፣ ብትንሳኤ መዓልትን ብፅቡቕ ይኹን ሕማቕ ቀደርን ክትአምን።(7) ኢሎም ከምዝመለሱሉ። ብምኽንያት አገዳስነቶም ብዛዕባ ሽዱሽቲአን ዓንድታት ንዘራረብ።

ብአላህ ምእማን አርባዕተ ነገራት የጠቓልል። ብህላዌ ረቢ፣ ጎይታ ብምዃኑ፣ አምላኽ (ዝምለኽ) ብምዃኑን ብአስማትን መግለፅታትን አላህ ምእማን አዮም።

ብህላዌ ረቢ ምእማን ክንብል ከለና አላህ ዓዘ ወጀል አሎ ኢልካ ምእማን ማለት እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ክሳብ ሕዚ ብትዕቢት ጥራይ እንተኾይኑ እምበር አምላኽ የለን አይበለን። ዘለዎ አእምሮ ክሕስበሉ ዝኸአለ ኩሉ እዛ ሕልኽላኽ ዝበዝሓ ዓለም እዚአ ብዘይገለ ዝፈጥር ወይ ኸዓ ብሀንደበት ተረኺባ ክብል መሕሰቢ መሳርሒኡ `ውን አይፈቅደሉን። ምኽንያቱ ዓቅሊ ዘለዎ ኩሉ ብዘይገለ ዝስማዕመዐሉ ሓቂ ስለዝኾነ። ብአላህ ምእማን ወይ ብህላዌ ረቢ ምእማን ኩሉ ዓይነት መርትዖ የረጋግፆ እዩ። ከም አእምሮ፣ ከም ተፈጥሮ፣ ከም ወድዓዊ ሓቂ፣ ከም ሸሪዓ ኩሉ መርትዖ አለዎ።

ከም ዓቅሊ (አእምሮ): እዚ ንርእዮ ዓለም፣ አብ ውሽጡ ዝግበሩ ካብ ዓቅሚ ወድ ሰብ ንላዕሊ ዝኾኑ ኩነታቱን ፣ ሰማያትን ምድርን፣ ከም ኮኾብ፣ ጎቦታት፣ አግራብ፣ ዝዛረብን ዘይዛረብን ኩሉ ብሀንደበት ዶ መፂኡ? ወይ ብዘይ ገለ ተረኺቡ? ወይለ ባዕሉ ንባዕሉ አርኪቡ? ካብዚአን ራብዓይ ዘይብለን ሰለስተ መማረፅታት ዋላ ሓደ ክኾን አይኽእልን። እቲ ራብዓይ ጥራይ እዩ ሓቂ፤ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ፈጣሪ ፈጢሩዎ እንተይልና ማለት እዩ።

ብሀንደበት ተረኺባ እንተይልና እቲ ወድዓዊ ሓቅን ዓቅሊ (አተሓሳስባ) ወድ ሰብን አይቅበሎን። ምኽንያቱ ኸምዚ ዓይነት ዓብይ ኩነት ብዘይ ገለ ሀንደበት ክትረኽቦ አይከአልን። ኩሉ አሰር ገባሪ አለዎ። እዚ ዓብይ ኩነታትን ፍጥረታትን ዓለም ኩለን ምስዘለወን ፍሉይ ስርዓት ከይተጣረሳን ከይተገራጨዋን ብሀንደበት ክትረኽበን አይከአልን። ምኽንያቱ እኩብ ሀንደበት ዝኾነ ነገር ኩሉ ከምዝፈልጦ ስርዓት ዘለወን ክኾኑ አይክእሉን፤ ኩሉ ብሀንደበት ስለዝኾነ።

እዛ ዓለም ባዕላ ንባዕላ አርኪባ እንተይልና ድማ እዚ `ውን ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ ነገር ህላዌ ቅድሚ ዋላ መቦቆል `ውን ዘይምህላው ስለዝኾነ። መቦቆል ዘይብሉ ድማ ክቦቁል አይኽእልን።

ብዘይ ገለ ባዕሉ ንባዕሉ አርኪቡ ምባል ብሀንደበት ተረኺቡ ከም ማለት ዘይሕሰብ ከምኮነ አሕሊፍናዮ እና።

እቲ ዝተረፈ ዝኾነ ልዑል ሓያል ፈጣሪ አላህ አርኪቡዎ ምባል ጥራይ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ወይለ ብዘይ ገለ (ፈጣሪ) ዶ ተፈጢሮም? ፤ ወይለ ባዕሎም ፈጣሪ ድዮም ኮይኖም? {35} ወይለ ሰማያትን ምድርን ፈጢሮም? አይኮነን አየረጋግፁን። (ጡር 35‐36) ስለዚ እዚ ኩነት ዓርሱ ናብ ህላዌ አምላኽ ይሕብር ማለት እዩ።

ከም ተፈጥሮ ህላዌ አምላኽ ዝሕብሩ ድማ መርትዖ ካብ ምግላፅ ብዝለዓለ የመላኽተና እዩ። ምኽንያቱ ወድሰብ ከምዝፍለጥ ብጎይታኡ ይአምን እዩ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝውለድ ኩሉ መንነት ተፈጥሮ (ኢስላም) ሒዙ ይውለድ፤ ወለዱ እዮም አይሁድ፣ ክርስቲያን ወይ መጁሳ ዝገብሩዎ። (8) ስለዚ ድማ እዩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይተፀበዮ ሓደጋ ሀንደበት እንተጓንፎ ከይተፈለጦ “ዋይ ፈጣሪ!”ን ዝአምሰሉን ዝብል። እዚ ድማ እዚ ዘለዎ መንነት ውሽጣዊ ተፈጥሮ እንታይ ከምዝኾነ የርእየና።

ህላዌ ረቢ ዘመላኽት እቲ ኻሊእ መርትዖ ድማ ወድዓዊ ኩነት እዩ። ዱዓ (ፀሎት) ገይሮም ፈጣሪ ዝተቐበሎም ክንደይ ሰባት አለው? ንዓርሶም ብዝገበሩዎ ይኹን ንኻልኦት ብዝገበሩዎ ፀሎት ረቢ ዝተቐበሎምን እቲ ዝጠለቡዎ አብ ግብሪ ዘውዓለሎምን ክንደይ ለው? አብ ቁርአን `ውን ነዚ አብነት ክኾኑ ዝኽእሉ አለው: አዩብ `ውን ንጎይታኡ ጸበባ ረኺቡኒ ንስኻ ኸዓ ራህራህ ራህራሆት ኢኻ። (83) እቲ ፃውዒቱ ተቐቢልናዮ… (አል‐አንቢያእ 83‐84) ዝብል ሓደ አብነተ ይኾነና። ብሓዲሥ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ብዙሕ አብነት ዝኾነና ንረክብ። አነስ ኢብኑ ማሊክ ረዲየሏሁ ዓንሁ ከምዝበለ «ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናይ ጁምዓ ኹጥባ አብዝገብሩሉ ሓደ እዋን ዝኾነ ሰብ እትው ኢሉ ‹ (ብምኽኒያት ሕፅረት ዝናብ) ገንዘብ ጠፊኡ፣ መንገዲ ተቋሪፁ፣… ረቢ ረድኤት ንክገብረልና ዱዓ ግበረልና› ኢልዎም። ነቢና ድማ ሽዑ ክልተ አእዳዎም ልዕል አቢሎም ሰለስተ ጊዜ ‹አሏሁመ አቒሥና› ምስበሉ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኹጥባኦም ወዲኦም ካብ ሚንበሮም አይወረዱን ማይ ናይቲ ዝናብ ኣብ ጭሕሞም ዘለል እናበለ እምበር። እቲ ዝናብ ድማ ንሰሙን ሙሉእ ቀፂሉ፤ በቲ ቀፃሊ ጁምዓ ድማ እቲ ስብአይ ባዕሉ ይኹን ኻሊእ ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኹጥባ አብ ዝገብሩሉ እዋን እትው ኢሉ ‹(ብምኽንያት በዝሒ ዝናብ) ገንዘብ ጥሒሉ፣ መንድቕ ሀዲሙ፣ ረቢ ንኽሕዘልና ለምነልና› ኢልዎም። ነቢና (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ክልተ አእዳዎም ልዕል አቢሎም ‹አሏህ! ልዕሌና ከይኮነ ብዙርያና› ብምባል ዱዓ ምስገበሩ ናብታ ሰማይ ቅንዕ አይበልናን እታ ሰማይ ሰባት ወፂኦም ብፀሓይ ክሳብ ዝንቀሳቀሱ ግልፅ ኢላ `ምበር። ክንደይ ዱዓታት አለው ወድሰብ ይገብሮም እቲ መልሲ ድማ ወይ ሽዑ ወይ ኸዓ ደንጒዩ ዝረኽቦ?! እዚ ድማ ህላዌ ፈጣሪ ዘርእይ ዓርሱ ዝኸአለ መርትዖ እዩ።

ሸርዕይ ዝኾነ መርትዖ ድማ ብሰንኪ ብዝሓቱ ንምቁፃር የፀግም። ብዛዕባ ዛንታ ይኹን ፍርዲ ዝመፀ ቁርአን ኩሉ ወይ ኸዓ ካብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፀ ኩሉ ህላዌ ረቢ ዘመላኽት እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ነቲ ቁርአን አየስተውዕሉን ካብ አላህ ኻሊእ ተዝመፅእ ኔሩ፤ አብ ውሽጡ ብዙሕ ዝፃባእ ምረኸቡ ኔሮን። (ኒሳእ 82) እዚ ብአላህ ብምእማን ካብ ዝጠቓለሉ ሓደ ዝኾነ ብህላዌ አላህ ምእማን እዩ።

በዛዕባ ረቢ ጎይታ ምዃኑ፣ አምላኽ ምዃኑን አስማትን መግለፅታትን ረቢ ድማ ቅዱም ብዛዕባ ዓይነታት ተውሒድ ካብ ዘሕለፍናዮ መብርሂ ተዋሂቡዎ አሎ።

እዋናዊ