ሕቶ(17): እዚ ዝሀብኹምና ትርጉምን ፅንስ ሓሳብን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንጅብሪል ሕቶ ብዛዕባ ኢማን ዝሀቡዎ መልሲ ርክብ አለዎ ዶ?
መልሲ:
እወ! ምኽንያቱ ብአላህ፣ ብመላኢካን ብኻልኦት ዓንድታትን ኢማን ምእማን ተቀባሊን ተአዛዝን ንክኾን ስለዘገድዱዎ። ብዓንድታት ኢማን አሚነ ኢሉ ዝቅበልን ምእዙዝን እንተዘይኾይኑ እቲ ምባሉን ኢማኑን አይጠቕሞን። ክቕበልን ክእዘዝን ግቡኡ እዩ።