Back to Top

ሕቶ(16): ፅንሰ ሓሳብን ዓንድታትን ኢማን ሕፅር ብዝበለ መንገዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ኢማን ክንብል ከለና ክልተ ዓይነት አረዳድአ አለዎ።

ከም ቋንቋ ዘለዎ አረዳድአን: ብዝኾነ ነገር ሐቂ ኢልካ ምቅባልን ምእማንን፤

ከም ሀይማኖት ኢስላም (ሸሪዓ) ዘለዎ አረዳድአን: ተአዛዝነት ብዘለዎ መንገዲ ምቅባልን እዮም። ከም አረዳድአ ሀይማኖት ኢስላም (ሸሪዓ) ሓደ ሰብ ክአምን ብዝግበኦ ነገር ሓቂ ኢሉ ምቅባሉ በይኑ አይአኽሎን ግድን ተአዛዝነትን ምስቲ እምነት ግድን ዝኾንዎ ነገራት ኽገብርን ግቡኡ እዩ። ንአብነት: ዝኾነ ይኹን ሰብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ልኡኽ አላህ ምዃኖም ተረዲኡን ተቀቢሉን፤ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሒዞሞ ብዝመፁ መልእኽቲ ዘይአምንን ዘይእዘዝን እንተኾይኑ ኢማን አለዎ ክንብሎ አይንኽእልን። ስለዚ ድማ እዩ ካብቶም ሙሽሪኪን ዘረባ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ልኡኽ አላህ ምስምዃኖም ሓቂ ኢሎም ተቀቢሎም ነቲ መልእኽቲ ግን ዘይአምኑሉን ዘይቅበሉን ካፊራት ዝርከቡ። እቲ ዝነበሩሉ ሀይማኖት ዝገደፉን ምእዙዛትን ክሳብ ዘይኮኑ ብናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ልኡኽ ምዃን ምእማኖም ጥራይ አይጠቕሞምን። ብሸሪዓ ኢማን ንብሎ ብቋንቋ ኢማን ካብ ንብሎ አዝዩ ፍሉይ እዩ። በቲ ናይ ሸርዒ ኢማን ንብሎ በቲ ናይ ቋንቋ ኢማን ካብ ንብሎ ዝሰፍሐ እዩ። ብሸርዒ ኢማን ካብ ንብሎም ሓደ ሶላት ከም አብነት ንውሰድ: አላህ ብቁርአኑ … አላህ ኸዓ እምነትኩም (ኢማንኩም) ዘጥፍእ አይኮነን…(አል‐በቀራ 143) ከም ዝበለ። አብዚአ “ኢማንኩም /እምነትኩም” ዝተብሀለት ናብ ቤተል መቅዲስ ቂብላ ገይሮም ንዝሰገዱዎ ሶላቶም እዩ። ከም ቋንቋ ዓረብኛ ተዝኸውን ነይሩ “ኢማን” ማለት “ሶላት” ዝብል ትርጉም የብሉን፤ ምኽንያቱ ከም ቋንቋ ዓረብኛ ኢማን ዝበሀል ብውሽጣው መንነት ብልብኻ ትገብሮ እምበር ምግባር ላዕለዋይ አካልና ኢማን አይበሀልን ነይሩ።

ስለዚ ብዛዕባ ኢማን ሸርዕይ ክንዛረብ እንተደሊና “ኢማን ማለት ተቀባልነትን ተአዛዝነትን ዘለዎ ምርግጋፅ እዩ። ተቐባልነትን ምእዙዝ ምዃንን ዘይብሉ እንተኾይኑ ከም ሸርዒ ኢማን አይንብሎን።” ንብል።

እዋናዊ