Back to Top
   ጉዳያት ዓቒዳ        ሽርክን ዓይነታቱን        ናይ አምልኾ ተውሒድ

ካብ አላህ ወፃኢ ንዘሎ መግዛእቲ (ዒባዳ) ምግባር ዘለዎ ሳዕቤን


ሕቶ(11): ካብ አላህ ወፃኢ ንዘሎ መግዛእቲ (ዒባዳ) ምግባር ዘለዎ ፍርዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ናይዚ መልሲ ቅዱም ብዝሀብናዮ ሐበሬታ ክንርደኦ ንኽእል። ካብ ዝሐለፈ ተውሒዱል ዒባዳ ማለት መግዛእቲ ንአላህ በይኒ ምግባር ማለት ከምዝኾነ ሐቢርና ኢና። ካብ መግዛእቲ (ዒባዳ) ዋላ ሓደ ካብ አላህ ወፃኢ ንዘሎ ከይገበርና ንአላህ ጥራይ ኽነምልኾ ማለት እዩ። ንአብነት ከምቲ ዝፍለጥ ንኽብሪ ጎይታ ኢልካ ማሕረዲ እንስሳ ምግባር ናብ ረቢ እትቃረበሉ ዓይነት መግዛእቲ እዩ። ምኽንያቱ አላህ ብቁርአኑ ንጎይታኻ ስገድ (ብሽም ናቱ) ሕረድ” (አል‐ከውሠር) ከምዝብል። ናብ ረቢ መቀራረቢ ኩሉ ዒባዳ እዩ። ሐደ ሰብ ካብ አላህ ኻሊእ ንዘሎ ኽብሪ  ኢሉን ንዓርሱ ብምሕሳርን የቀራርበኒ ኢሉ ሰብ ናብ ጎይታኡ መቀራረቢ ከምዝገብሮ ማሕረዲ እንተገይሩ ብረቢ ሽርኪ ገይሩ ንብል። ሽርኪ ዝገብር ሙሽሪክ እንተኾይኑ ድማ ጀነት ሐራሙ ከምዝኾነቶን መንበሪኡ ድማ ጀሀነም ከምዝኾነን አላህ ብቁርአኑ አፍሊጡና እዩ።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ሓደ ሓደ ሰባት ወልይ ኢሎም ንዝሓሰቡዎም አብ መቅበሮም ዝገብሩዎ ማሕረድ ካብ ሀይማኖት እስልምና ዘውፅኦም ዓይነት ምግባር እዩ። ኸምዚ ንዝበሉ ሰባት ንህቦም ማዕዳ ካብቲ ስርሖም ተዓቂቦም ናብ አላህ ንኽምለሱ እዩ። ነቲ ዝገብሩዎ ገዲፎም ናብ አላህ ብምምላስ ከምታ ሶላቶምን ፆማቶምን ንአላህ ጥራይ ዝገብሩዋ እታ ዝገብሩዎ ማሕረድ `ውን ንአላህ ጥራሕ ተዝገብሩዋ ነይሮም ነቲ ዝሓለፈ አላህ ይቅረ ምበሎም ነይሩ። አላህ ብቁርአኑ “‹ነዞም ዝኸሓዱ ተዝዕቀቡ ይቅረ ይበሀለሎም› በሎም” (አል‐አንፋል 38) ከም ዝበለ። እኳደአስ ካብዚ ብዝበለፀ ዘሕለፉ እኩይ ምግባር `ውን ናብ ሰናይ ምቀየረሎም። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “እቶም ካብ አላህ ኻሊእ ዘየምልኹ፣ ነቲአ ሐራም ዝገበራ ነብሲ ብዘይ ግቡእ ዘይቀትሉ፣ አመንዝራ ዘይገብሩ፣ እዚ ዝገበረ መቅፃዕቱ ይረክብ {68} አብ እዋን ትንሳኤ ድማ መቅፃዕቱ ዕፅፊ ይኾነሉ። አብ ውሽጡ ሐሲሩ ይነብር። {69} ብዜካ ተጣዒሱ ዝተመለሰን አሚኑ ሰናይ ዝገበረን፤ ንዚኦም እኩይ ምግባሮም ብሰናይ መተካእታ ይገብረሎም።” (አል‐ፉርቃን 68‐70) ነዞም ናብ በዓል መቅበር ብዝገብሩዎ ማሕረድ ቀረባ ክኾኑ ንዝደልዩ ዘለኒ ማዕዳ ካብዚ ምግባሮም ተጣዒሶም ናብ አላህ ንስሀ ንኽአትው እየ ዝብሎም። ሽዑ አላህ `ውን ተቀቢሉዎም ይሕጎሱ። ምኽንያቱ አላህ ተጣዒሱ ናብኡ ብዝምለስ ዝሕጎስ ጎይታ ስለዝኾነ።

እዋናዊ