ሕቶ(99): ሓደ ሓደ ሰብ እቲ ኢማም ሶላት ድሕሪ ምጅማሩ ደንጒዮም መፂኦም ምስ ኢማም ይቅፅሉ: እቲ ኢማም ምስወደአ ነቲ ሓሊፉ ዝነበረ ንከማልእ ክንደይ ከዓ ከምዝሓለፎ ስለዝጠፍኦ አብ ጥቓኡ ብዘሎ ሰብ ይኽተል። እንታይ እዩ ፍረዱ?
መልሲ:
እዚ ዝበልካዮ ንብዙሕ ሰባት ዘጓንፎም እዩ። ክልተ ሰባት ደንጒዮም ምስአተው እቲ ሓደ ክንደይ ረከዓ ከምዝሓለፎ እንተረሲዑ አብ ጥቓኡ ንዘሎ እንተተኸቲሉዎ ፀገም የብሉን ንብል። ወይ ሓያል ዝኾነ ጥርጣረ ወይ ከዓ ርግፀኛ ተዘይኾይኑ ፀገም የብሉን። ምኽንያቱ አብ እዋን ዒባዳ አብ ጥርጣረኡ ናብ ዝሓየለ ምኻድ ከም አበሃህላ ዑለማታት ኢስላም ሚዛናዊ እዩ።