Back to Top

ሕቶ(98): እዚ ዝበልኩሞ ሩኩን ንምግዳፉ ርግፀኛ ንዝኾነ እዩ፤ ጥርጣረ እንተሓዲሩዎ ኸ?
መልሲ:

ንምግዳፉ ጥርጣረ እንተሓዲሩዎ ካብዚአን ሰለስተ አይወፅን:

ወይዚ ጥርጣረ ሓቅነት ዘይብሉ ጥርጣረ ጥራሕ ክኸውን እዩ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ጥርጣረ ቦታ ዝወሀቦ አይኮነን ሶላቱ ይቅፅል። እቲ ጥርጣረ ከምዘይብሉ ይኸውን። ወይ እቲ ሰብ ጥርጣረ ዝበዝሖ ዓይነት ሰብ ክኾን እዩ። አሏህ ንዓናን ንዖኦምን ዓፊያ ይሀበና `ምበር ሓደ ሓደ ወስዋስ ዝበዝሖም ሰባት ከምዝኾኑዎ ዓይነት: ከምዚ እንተኾይኑ `ውን ወላ ሶላት አየማላእኹን ኢሉ ክሳብ ምውፃእ እንተብፂሑዎ `ውን ነቲ ጥርጣረ ቦታ ከይሀበ ሶላቱ ይቅፅል። ወይኸዓ እቲ ጥርጣረ ድሕሪ ዒባዳ ምዝዛሙ እንተኾይኑ እዩ። እዚ `ውን ንምግዳፉ ርግፀኛ ክሳብ ዘይኾነ ነቲ ጥርጣረ ቦታ ከይሀበን ጠመተ ከይገበረሉን ይገድፎ።

እቲ ጥርጣረ ዒባዳ አብ ዝገብረሉ እዋን፣ ቅኑዕን ልክዕን ዝኾነን ወስዋስ ዘይኮነን እንተኾይኑ፤ ንአብነት ሩኩዕ ንምግባሩን ዘይምግባሩን አብ እዋን ሶላት ከሎ ጥርጣረ ጥራሕን ወስዋስን ከይኾነ ሓቀኛ ጥርጣረ እንተነይሩ አግሊስካ ጠጠው በልሞ ሩኩዕ ግበር ንብሎ። ምኽንያቱ እቲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሩኩዕ ዘይምግባርካ ስለዝኾነ፤ ሕይል ብዝበለ ጥርጣረ ወይ ከዓ ርግፀኛ ብዝኾነሉ መንገዲ ሩኩዕ ንምግባሩ ክሳብ ዘየረጋገፀ: ምኽንያቱ ሕይል ብዝበለ ጥርጣረ ሩኩዕ ንምግባሩ እንተአሚኑሉ ነዚ ሕይል ዝበለ ጥርጣረ ይሰምዖ ዝብል ቃል ዑለማታት እቲ ናብ ሓቂ ዝቀረበ ስለዝኾነ። ግን ነዚ ርሰዐ ድሕሪ ምስልማት ሱጁደ ሰህው (ናይ ርሰዐ ሱጁድ) ይገብረሉ።

እዚ ሱጁደ ሰህው ንብሎ ክፍለጥ ዝግበኦ ዋኒን እዩ። ብፍላይ ድማ እዞም ኢማም ዝኾኑ ሰባት። ኸም መንነቶም ዘይግበኦም ዋላ ይኹን፤ ብዙሕ ኢማም ካብ ዝበሀሉ ዘይፈልጡዎ ኮይኖም ስለንረኽቦም። እኳደአስ ሙእሚን ዝኾነ ሰብ ኩሉ አሏህ ዓዘ ወጀል አብ ልኡኹ ዘውረዶ ሕጊ ክፈልጥ ግቡኡ እዩ

እዋናዊ