Back to Top

ሕቶ(97): ካብዚአን ዓንድታት ሓደ ዝገደፈ ዘለዎ ፍርዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ካብዚአን ዓንድታት ሓደ እናፈለጠ እንተገዲፉ ሶላቱ ትጠፍእ። ብምግዳፉ ጥራሕ ሶላቱ የዕንዎ። ረሲዑ እንተነይሩ ግን ናብቲ ቦታ ብምምላስ ምዕራይ ይኽእል። ንአብነት ሓደ ሰብ ሩኩዕ ረሲዑ ቁርአን ምስቀርአ ሱጁድ ገይሩ ሩኩዕ ዘይምግባሩ ዝዘከረ ሽዑ እንተነይሩ ናብ ቂያም አልጊሱ ጠጠው ኢሉ ሩኩዕ ምስገበረ ሶላቱ ምውዳእ ይኽእል። አብቲ ዝነበረሉ ናይቲ ኻሊእ ረከዓ ክሳብ ዘይበፅሐ አልጊሱ ከዐርዮ ይኽእል። አብቲ ናይቲ ኻልአይ ረከዓ አብ ቦታኡ (ንአብነት አብ ናይ ቀዳማይ ረከዓ ሩኩዕ ረሲዑ አብቲ ናይ ኻልአይ ረከዓ ሩኩዕ) ምስበፅሐ እንተዘኪሩ `ውን እታ ኻልአይቲ ረከዓ ክንድ ቀዳመይቲ ገይሩ ብምቁፃር ይቅፅል።

ዋላ ሩኩዕ ዘይምግባሩ ዝዝከረሉ እዋን ድሕሪ ክልተ ሱጁድ ይኹን አልጊሱ ጠጠው ኢሉ ነቲ ሩኩዕ ኽምልስ ይግባእ፤ ነዚ ዝዘከረ ድሕሪ ናይታ ኻልአይቲ ረከዓ ሩኩዕ ምብፃሕ እንተኾይኑ ግን እዚአ ኻልአይቲ ረከዓ ከምቀዳመይቲ ገይሩ ድሕሪኡ ዝተረፈ ሶላት ይቅፅል።

ኸምኡ`ውን ንአብነት አብ ሓደ ረከዓ ድሕሪ ሱጁድ ኮፍ ምባልን ኻልአይ ሱጁድን ረሲዑ ምሰተልዐለ ቁርአን አብ ዝቀርአሉ እዋን እንተዘኪሩ ናብ ሱጁድ ተመሊሱ ኮፍ ምባሉን ሱጁዱን ገይሩ ናብ ቲ ዝቅፅል ረከዓ ይኸይድ። ዋላ ነዚ ዝዘከረ አብ ናይ ኻልአይ ረከዓ ድሕሪ ሩኩዕ ምግባሩን ቅድሚ ሱጁድ ምግባሩን እንተኾነ`ውን ተመሊሱ አብ ናይ ቀዳመይቲ ረከዓ ሱጁድ ተቢጊሱ ይቅፅል። ነዚ ዝዘከረ አብ ናይ ኻልአይ ሩኩዕ ኮይኑ ድሕሪ ዝተጋገየሉ ቦታ ምብፃሑ እንተኾይኑ ግን እታ ኻልአአይቲ ረከዓ ከም ቀዳመይቲ ገይሩ ይቆፅራ።

አብዘን ዝዘከርናየን ኩነታት አበየናይ ይኹን ናይ ርሰዐ ሱጁድ ምግባር ግቡኡ እዩ። በዘን ዝገለፅናየን አካይዳ ዝወሰኾ ዒባዳ ስለዘሎ ሱጁዱ ድማ ድሕሪ ምስልማት (አሰላሙ ዓለይኩም ኢሉ ምስዛዘመ) ይኸውን። ምኽንያቱ ሱጁደ ሰህው (ናይ ርሰዐ ሱጁድ) ዝገብረሉ ምኽንያት ምውሳኽ እንተኾይኑ ሱጁደ ሰህው ዝግበረሉ ቦታ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ከምዝመፀ ድሕሪ ምስልማት እዩ ዝኸውን።

እዋናዊ