Back to Top

ሕቶ(96): ዓንድታት ሶላት እንታይን እንታይን እዮም?
መልሲ:

ሕዚ መብርሂ ዝሀብናላ እንታይነት ሶላት ዓንድታት ሶላት፣ ግቡአቱን ሱናታቱን `ውን ተጠቓልል። ዑለማታት ኢስላም ብዛዕባ አብ እዋን ሶላት ንገብሮም ነገራት ዓንድታት(አርካን) ፣ ግቡአት(ዋጅባት)ን ሱነናት(ተወሳኺ ምግባራት)ን ብምባል ከምዝምቀሉ ይገልፁ። ገሊኦም አብ ሞንጎኦም ብዜካ ፍልልይ ሓሳብ እንትኾን ገሊኦም ኸዓ አብ ሞንጎኦም ፍልልይ ሓሳብ አለዎም።

ካብ ዓንድታት ንአብነት:

ንዝኽእል ሰብ ጠጠው ምባል፤ እዚ ዓንዲ ዝኾን አብ ግዴታ ሶላት ጥራይ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ላት (ብፍላይ ኸዓ) ብማእኸለይቲ ሶላት ንቁሓት ኴንኩም ሓልው፤ ምእዙዛት ዄንኩም ድማ ንረብኹም ጠጠው በሉ” (በቀራ 238) ስለዝበለ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ብሓዲሦም ንዒምራን ኢብኑ ሑሰይን ጠጠው ኢልካ ስገድ፤ እንተዘይኽኢልካ ኮፍ ኢልካ፤ ሕዚ `ውን ተዘይኽኢልካ ደቂስካ ስገድ (104) ስለዝበሉዎ።

ኻልአይ ዓንዲ ተክቢረተል ኢሕራም እዩ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ ሶላቱ ዘየዐረየ ናብ ሶላት እንተቆይምካ ውዱእኻ አፀቢቅካ ግበር፤ ካብኡ አንፈትኻ ናብ ቂብላ ግበር… (105) ስለዝበሉዎ። ድሕሪኡ አሏሁ አክበር ክብል ይግባእ። “አሏሀ ዓብይ እዩ”ን ዝአምሰሉን ብምባል እኳ መተካእታ ምግባር አይፍቀደሉን። አሏሁ አክበርካብ ዝብል ወፃኢ እናፈለጠ ብፊደል ይኹን ብአበሃህላ ዝተፈለየ ክገብር አይፍቀደሉን።

ሳልሳይ ዓንዲ ፋቲሐ ክቀርእ እዩ። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብፋቲሐተል ኪታብ (አልሐምዱ) ንዘይቀርአ ሶላት የብሉን (106) ስለዝበሉ። ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ኽፈልጥን ክመሀርን ግቡኡ እዩ። ክመሀር እንተዘይኽኢሉ ድማ ንዓአ መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ኻሊእ ቁርአን ይቀርእ፤ ሕዚ `ውን እንተዘይኽኢሉ ተስቢሕ (ሱብሐነሏህ)፣ ተሕሚድ (አልሐምዱ ሊላህ)ን ተህሊል (ላኢላሀ ኢለሏህ)ን ይብል።

ራብዓይ ዓንዲ ሩኩዕ ኽገብር እዩ። አሏህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ኦ! አንቱም አመንቲ (አብ እዋን ስግደትኩም) ድንን በሉ (ብገፅኩም `ውን) ሱጁድን ግበሩ” (ሐጅ 77) ስለዝበለ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ነቲ ሶላቱ ዘየዐረየ ካብኡ ብርግአት ዝተማልአ ሩኩዕ ግበር ስለዝበሉዎ።

ሓምሻይ ዓንዲ ካብ ሩኩዕ ምትንሳእ እዩ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብኡ ካብ ሩኩዕኻ ብርግአት ብዝተመልአ ተንስእ (107) ስለዝበሉ።

ሻድሻይ ዓንዲ ሱጁድ ምግባር እዩ። አሏህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ኦ! አንቱም አመንቲ (አብ እዋን ስግደትኩም) ድንን በሉ (ብገፅኩም `ውን) ሱጁድን ግበሩ” (ሐጅ 77) ስለዝበለ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ካብኡ ርግአት ብዝተማልኦ መንገዲ ሱጁድ ግበር (108) ስለዝበሉ።

ሸውዓይ አብ ሞንጎ ክልተ ሱጁዳት ኮፍ ምባል እዩ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብኡ ካብ ሱጁድኻ ርግአት ብዝተማልአ መንገዲ ተንሲእኻ ኮፍ በል(109) ስለዝበሉዎ።

ሸሙናይ ዓንዲ ኻልአይ ሱጁድ ምግባር እዩ። ምኽንያቱ አብ ኩሉ ረከዓ ግድን ክልተ ሱጁድ ስለዘሎ እዩ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ካብኡ ካብ ሱጁድኻ ርግአት ብዝተማልአ መንገዲ ተንሲእኻ ኮፍ በልድሕሪ ምባሎም ካብኡ ርግአት ብዝተማለአ መንገዲ ሱጁድ ግበር (110) ስለ ዝበሉ እዩ።

ታሽዓይ ዓንዲ ናይ መወዳእታ ተሸሁድ (ተሕያቱ) ምግባር እዩ። ኢብኑ መስዑድ ተሸሁድ ቅድሚ ፈርድ(ግዴታ) ምዃኑ ጠጠው ንብል ኔርና ብምባል ፈርድ ዝኾነት ዓንዲ ምዃና ሓቢሩና።

ዓስራይ ዓንዲ: አብ ናይ መወዳእታ ተሸሁድ (ተሕያቱ) አብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሶላዋት ምግባር ናይ ኢማም አሕመድ መዝሀብ `ውን ኸምዚ ነይሩ።

መበል ዓሰርተ ሓደ ዓንዲ አብ ሞንጎ ዓንድታት ቅደም ሰዓቦም ምሕላው እዩ። ቂያም (ጠጠው ምባል)፣ ካብኡ ሩኩዕ ምግባር፣ ካብኡ ምትንሳእ፣ ካብኡ ሱጁድ ምግባር፣ ካብኡ አብ ሞንጎ ክልተ ሱጁዳት ኮፍ ምባል፣ ካብኡ ሱጁድ ምግባር፣ ቅድሚ ሩኩዕ ምግባሩ ሱጁድ እንተገይሩ እቲ ሶላቱ ልክዕ አይኮነን። ምኽንያቱ ቅደም ሰዓቡ ስለዘይሐለወ።

መበል ዓሰርተ ክልተ አብ ሞንጎ ዓንዲታት ርግአት ብዝተማልአ መንገዲ ምስግጋር እዩ። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብኡ ርግአት ብዝተማልአ መንገዲ ሩኩዕ… ካብኡ ርግአት ብዝተማልአ መንገዲ ተንስእ… ካብኡ ርግአት ብዝተማልአ መንገዲሱጁድ ግበር ስለዝበሉ።

ርግአት ከንብል ከለና ኩሉ ነብስና ምስመገጣጠሚኡ ክሳብ ዝመዓረ ንረጋጋእ ማለት እዩ። ዑለማታት ኢስላም “አብ እዋን ሶላት ወላ ንኡስ ርግአት ክህልው ግድን እዩ፤ ምኽንያቱ ሶላቱ ርግአት ዘይብሉ እንተኮይኑ ዋላ ሽሕ ግዜ ይስገድ ሶላቱ ልክዕ አይኾነትን።”

በዚ መንገዲ አብ ብዙሕ ሰባት አብ ሶላቶም ብፍላይ ድማ ድሕሪ ሩኩዕ ጠጠው አብ ምባልን አብ ሞንጎ ክልተ ሱጁዳት ኮፍ አብ ምባልን ንርእዮ ርግአት ምስአን ጌጋ ምዃኑ ንርዳእ። ቅድሚ ጠጠው ኢሉ ህድእ ምባሉ ሱጁድ ወሪዱ ትርእዮ፣ ቅድሚ ኮፍ ኢሉ ህድእ ምባሉ ሱጁድ ገይሩ ትርእየሉ ኩነታት አሎ። እዙይ ድማ ዓብይ ጌጋን ዋላ ሽሕ ግዜ ተሰገደ `ውን ዘይቅበለሉን ዓይነት ሶላት እዩ። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ ሶላቱ ዝስሓተ ተመሊስካ ኺድሞ ስገድ«(111) ስለዝበሉዎ እዩ። እዙይ ድማ ብሓፈሻ ካብ ዓንዲታት(አርካን) ወይ ኸዓ ግቡአት (ዋጅባት) ሓደ እንተቀኒሱ ሶላቱ ልክዕ ከምዘይኾነት የርእየና። ዋላ ብዛዕባ ዓንድታት ሶላት ዘይፈልጥ ጃሂል እንተነይሩ `ውን ሶላት ከምዝይብሉ የረድአና።

እቲ ናይ መወዳእታ ሩኩን (ዓንዲ) ኸዓ ተስሊም (አሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ) ኢልካ ምዝዛም እዩ። እቲ ዝሓሸ ርኢቶ ዑለማታት ክልቲአን ተስሊማት ዓንዲ እየን ዝብል እዩ። አብ ሱና ሶላት ይኹን አብ ግዴታ ሶላት ሓደ ተስሊም ገይሩ እቲ ኻልአይ ክገድፎ አይከአልን። ሓደ ሓደ ዑለማታት ኢስላም አብ ግዴታ ሶላት ይኹን አብ ሱና ሶላት እታ ሓንቲ ጥራሕ እያ ሩኩን (ዓንዲ) ትኾን ይብሉ። ገሊኦም ድማ አብ ግዴታ ሶላት ይኹን አብ ሱና እታ ናይ መጀመርታ እያ ሩኩን (ዓንዲ) ትኾን ይብሉ። ክልቲአን ተስሊማት ክተርፋ አይግባእን። ክልቲአን ተስሊማት ምግባር እቲ ዝሓሸ እዩ።

እዋናዊ