ሕቶ(95): አእዳውና አብ እዋን ሩኩዕን ሱጁድን ጠጠወ አብ ንብለሉ እዋንን አእዳውና ከመይ ከምንገብር መብርሂ ሂብኹምና ጀዛኩሙሏሁ ኸይረን፤ አብ ሞንጎ ክልተ ሱጁዳት ዕረፍቲ አብ ንገብረሉ እዋን `ውን ሓቢርኹምና፤ ብዛዕባ አእጋርና ግን ዝሰማዕናዮ ነገር የለን። ጠጠው አብ ንብለሉ እዋን ብዙሕ ሰባት አእጋሮም ብምኽፋት አብ ጥቓኦም ንዘሎ ጸበባ ክኾኑ ይረአዩ፤ ብዛዕባ ዚ እቲ ልክዕ እንታይ እዩ?
መልሲ:
አእጋርና አብ ሶላት ጠጠው አብ ንብለሉ እዋን ዝተፈለየ ነገር የብሉን፤ ማለት እቲ ሓደ ካብቲ ኻሊእ አይተረሓሕቖን አይተጣብቖን `ውን። ከምቲ አብ ሸርሑ ሱና ካብ ኢብኑ ዑመር “አብ ሞንጎ አእጋሩ ከምዘየረሓሕቅን ከምዘየቀራርብን” ከምዝመፀ፤ እዚ ኸዓ አብ ቂያምን (እንተቆይምካን) ሩኩዕ እንተወሪድካን እዩ።
ኮፍ አብ ትብለሉ እዋን አሕለፍናዮ ኢና። ሱጁድ አብ ትገብረሉ እዋን ኸዓ እቲ ሓደ በቲ ኻሊእ ተጣምሮ። ካብ ዓኢሻ ብዛዕባ ሶላት ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፀ ሓዲሥ ከምዘረድአና፤ ንሶም አብ ዝሰግዱሉ እዋን ኢዳ ተተኺሎም አብ ዘለው ክልተ ምናት ኣእጋር ነብይና ሶለሏሁ ዓለይ ወሰለም እዩ ዓሪፉ። (100) ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሱጁድ አብ ዝገበሩሉ እዋን ሓደ ኢዳ አብ ክልተ አእጋሮም ክዓርፍ ዝኸአለ እቲ ሓደ ናብቲ ኻሊእ ተፀጋጊዑ ስለዝነበረ እዩ። ግልፅ ብዝበለ አገላልፃ ድማ ካብ ሶሒሕ ኢብኑ ኹዘይማ ብዝርከብ አብ እዋን ሱጁድ ሓደ እግሮም ምስቲ ኻሊእ ከምዝፀጋጋዕ ዝሕብር አሎ እዩ። (101)
ብዛዕባ እንታይነት ሶላት ምውዳእና ሓደ ሰብ ሶላቱ እንተወዲኡ ንአሏህ ዓዘ ወጀል ካብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝመፀ ኩነት ክዝክር ከምዝግባእ ክንሕብር ንፎቱ። ምኽንያቱ አሏህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ሶላት ምስፈፀምኩም ቆይምኩም ይኹን ኮፍ ኢልኩም ወይ ደቂስኩም ንአላህ ዘክሩ” (ኒሳእ 103) ካብዚአን ድማ ሰለስተ ግዜ አስታቕፊሩሏህ ኢሉ “አሏሁመ አንተ -ስ- ሰላም ወሚንከ -ስ-ሰላም ተባረክተ ያዘል ጀላሊ ወልኢክራም” ብምባል ድሕሬኡ ብኻልኦት ካብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፁ ውዳሰታት ንአላህ ይዝክር። “ሱብሓነሏህ” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ፤ “አልሐምዱ ሊላህ” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ፤ “አሏሁ አክበር” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ ይብል። እንተደልዩ በብበይነን “ሱብሓነሏህ” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ፣ “አልሐምዱ ሊላህ” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ፣ “አሏሁ አክበር” ሰላሳን ሰለስተን ግዜ ምባል ይኽእል፤ እንተደልዩ ኸዓ ኩለን ብሓንሳብ “ሱብሓነሏህ አልሐምዱሊላህ አሏሁአክበር” ብሐባር ሰላሳን ሰለስተን ግዜ ክብለን ይኽእል። እዚአን ኩለን ዝተፈቀዳ እየን። ካብዚአን ብተወሳኺ ዝፍቀድ ሳልሳይ ዓይነት “ሱብሐነሏህ” ዓሰርተ ግዜ፣ “አልሓምዱ ሊላህ” ዓሰርተ ግዜ፣ “አሏሁ አክበር” ዓሰርተ ግዜ እናበለ ምባል ይኽእል። ካብዚ ብተወሳኺ ዝፍቀድ ራብዓይ ዓይነት “ሡብሓነሏህ፣ ወልሐምዱሊላህ፣ ወላኢላሀ ኢለሏህ ወሏሁ አክበር” ዒስራን ሓሙሽተን ግዜ ምባል ይኽእል።
በዚ በለ በቲ ካብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ድሕሪ ሶላት ንክበሀል ብዝመፀ ዚክሪ ኩሉ ምዝካር ይግባእ። ብዝተፈቀደ መተካእታ ብምትካእ ይኹን ብሓፈሻ እናገበረ ክዝክር ይግባእ። ሓደ ሐደ ዚክሪ ምስቲ ኻሊእ እናተሓወሰ ይበሀል እዩ። አሏህ ዓዘ ወጀል “ንአሏህ ዘክሩ” (በቀራ 198) ስለዝበለ ናይ ብሓቂ ሰዓብቲ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንክንኾንን ረቢ ንምዝካር ሀንቀውታ ክህልወና ይግባእ።
አብ መስጅድ እንተኾይኑ እቲ ዝሓሸ ድምፅኻ ልዕል አቢልካ ምዝካር እዩ። አብ ሶሒሕ ቡኻሪ ካብ ኢብኑ ዓባስ ከምዝመፀ “አብ እዋን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ፈርድ ሶላት ምስተወደአ ድምፅኻ ልዕል አቢልካ ዚክሪ ምግባር ዝነበረ እዩ። ” (102) ብሱሓበታት ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም መበገስነት ሶላት ምስወዳእኻ ድመልፅኻ ልዕል አቢልካ ዚክሪ ምባል ሰባት ክገበርዎ ዝግበኦም ናይ ሱሓበታት ጥራይ ከይኮነ ናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ምግባር እዩ። ምኽንያቱ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ዓብደሏህ ኢብኑ ዓባስ “ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሶላት ምውዳኦም ንፈልጦ ዓው አቢሎም ብዝብሉዎ ተክቢር ጥራይ እዩ ነይሩ።” (103) ኢሉ ከምዝሓበረና ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ድምፆም ልዕል አቢሎም ዚክሪ ይብሉ ስለዝነበሩ። ሓድሓደ ዑለማታት ኢስላም ድምፅኻ ቕንስ አቢልካ ምባል ዝሓሸ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዓው ኢሎም ይብሉ ዝነበሩሉ ምኽንያት ንምምሀር ኢሎም እዩ ዝብሉዎ ህድአት የድልዎ እዩ። ምኽንያቱ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝገበሩዎ ዝኾነ ይኹን ነገር መሰረቱ መሽሩዕ (አካል ድንጋገ) እዩ። መሽሩዕ (አካል ድንጋገ) ተዘይኸውን ነይሩ ብቃል ምስ ዘምሀሮም ሓደ እዋን ወይ ክልተ እዋን ጥራይ ምስአምሀሩ ይገድፉዎ ነይሮም እምበር አብኡ ፅንዓት አይክህልዎን ነይሩ።