Back to Top

ሕቶ(88): ሓደ ሰብ ብምኽንያት ሶላት ምግዳፉ ካፊር ዝብል ፍርዲ እንተተዋሂቡዎ ስዒቦም ዝመፁ ሕግታት እንታይ እንታይ ከምዝኾኑ ሓብሩና?
መልሲ:

ናብ ኩፍሪ ከብፅሕ ብዝኽእል መገዲ ሶላት ምግዳፍ ብኻሊእ ምኽንያት ሙርተድ (ሙስሊም ነይሩ ንዝጠለመ) ዝበፅሖ ሕግታት ብሙሉኦም ይበፅሑዎ እዮም። እዚኦም ሕግታት ዱንያውን አኼራውን ክንብሎም ንኽእል።

ዱንያዊ ካብ ዝኾኑ ሕግታት እቲ ሓደ ሙስሊም ንዝኾነት ጓል ክምርዖ (ሓዳር ክምስርት) ዘይፍቀደሉ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአን አንቱም ዝአመንኩም እንተደአ እተን አመንቲ ካብ ዓዲ ክሕደት ናብ ዓዲ እምነት ፈሊሰን መፂእናኹም መርምርወን ኢኹም: ብዛዕባ እምነተን አላህ ይፈልጥ እንተደአ አመንቲ ምዃነን በሪሁልኩም ናብቶም ከሐድቲ አይትምለሱወን: ንሰን ሓላለን አይኮና ንሶም `ውን ሓላሎም አይኮኑን። (አል ሙምተሒና 10) ብተወሳኺ እዘን ሙሽሪካት እንተዘይአሚነን ኒካሕ አይትግበሩለን (በቀራ 221)

ሙስሊም ዝኾነት ጓሉ ንሓደ ዘይሰግድ ወዲ እንተሂቡ እቲ ኒካሕ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። እታ ጓል `ውን ንዑኡ ሓላል አይትኾነሉን፤ ነዚ ዘይሰግድ ወዲ ሓራም ስለትኾኖ ሓደ ወዲ ካብ ሰበይቱ ሓላል ዝኾነሉ ነገር ንዑኡ ሓላል አይኾነሉን። ረቢ ነታ ልቡ ናብ ተውባ (ንስሀ) እንተመሪሑሉን እንተተመሊሱን `ውን እቲ ኒካሕ ክሕደሽ ግድን እዩ።

ኻልአይ: ንአጓሉን ኻልኦት ቀረባ አዝማዱን ሓዳር አብ ዝምስሩቱሉ እዋን ወልይ (ብዛዕባ ሓዳር ጓል አነስተይቲ ካብ አዝማዳ ኾይኑ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ) ክኾን አይኽእልን። ካብ አዝማዱ ይኹን ውላዱ ሓዳር ወልይ ምዃን አይኽእልን ምኽንያቱ ካፊር ናይ ሙስሊም ወልይ ምዃን ስለዘይኽእል።

ሳልሳይ: አብ ርስቲ ወለዱ ዘለዎ መሰል ይንፀግ። ወለዱ አብ ዝገደፉዎ ርስቲ መሰል አይህልዎን። ምኽንያቱ ካፊር ካብ ሙስሊም ዝረኽቦ ርስቲ ስለዘይብሉ። ረቢ ንካፊራት ናብ ሙስሊም ክበፅሑ ዝኽእሉሉ መንገዲ ስለዘይገበረ።

ራብዓይ: እሱ ዝሓረዶ እንስሳ ምብላዕ አይፍቀድን። እሱ ዝሓረዶ ሓራም እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ሓደ ሕሩድ ሓላል ንክኾን ካብ ዘለዎ ቅድመ ኩነት እቲ ሓደ ሙስሊም ወይ ከዓ ኪታብይ (የሁድ ወይ ድማ ነሷራ) ክኸውን ግድን እዩ። ሙርተድ (ድሕሪ እምነቱ ዝኸሐደ) ድማ ካብዚአን ወፃኢ እዩ።

ሓምሻይ: መካን ክቡር ክልላታን ኽአቱ አይፍቀደሉን። አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአኑ ኦ አንቱም አመንቲ! ሙሽሪኪን ሩኹሳት ጥራይ ስለዝኾኑ ድሕሪ ዚ ዓመቶም ናብ ክቡር መስጅድ ከይፅግዑ” (ተውባ 28) ስለዝበለ ሕድሕድ ሙስሊም ንዘይሰግድ ሰብ ናብ መካን ኹቡር ቦታአን ንኽአቱ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥር አይግበኦን።

ሓደ ሰብ ሙርተድ ካብ ምዃኑ ስዒቦም ዝመፁ አኼራዊ ካብ ዝኾኑ ሕግታት ድማ እዚ ሙርተድ ዝኾነ ሰብ እንተሞይቱ አይግነዝ፣ አይስገደሉን አብ መቅበሪ ሙስሊም ድማ አይቅበርን። ምኽንያቱ ኸዓ ካብአቶም ስለዘይኾነ እዩ። ኻልኦት ሰባት ብጨናኡን ስደራ ቤቱ ድማ ንዑኡ ብምርአይን ከይህወኹ ናብ በረኻ ተወሲዱ ሰባት ክሳብ ዘይህወኹሉ ተገይሩ ይሕባእ። ሓደ ሰብ ዘይሰግድ ምንባሩ እናተፈለጠ አዝማዱ ረቢ ንክምሕሮ ዱዓ ክገብሩ `ውን አይፍቀደሎምን። አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአኑ ንሙሓመድ ይኹን ነዞም ዝአመኑ ሙሽሪኪን ንዝኾኑ ሰባት ረቢ ንክምሕሮም ምልማን አይፍቀደሎምን።እቶም ሰባት ሰባት ጀሀነም ምዃኖም ብሩህ ድሕሪ ምስኮነሎም ዋላ እዝማድ እንተኾኑ (አይፍቀደሎምን)። (ተውባ 113) ሓደ ሰብ ኸዓ ረቢ “ሙሽሪኪን ንዝኾኑ” እዩ ኢሉ፤ ሶላት ዘይሰገድ ሰብ ኸዓ ሙሽሪክ አይኮነን ክብል መገዲ የብሉን። ምኽንያቱ አብ ሞንጎ ሽርክን ኩፍርን ዘሎ አፈላላይ ሶላት እዩ።(81) አብ ዝብል ሓዲሥ ጃቢር ንርደኦ ሶላት ምግዳፍ ዓይነት ሽርክን ኩፍርን ምዃኑ ስለዝኾነ። ብተወሳኺ ኸዓ “ሰባት ጀሀነም ምዃኖም ብሩህ ድሕሪ ምስኮነሎም” ብዝብል እዩ ምኽንያት ገይሩ፤ ሓደ ዘይሰግድ ሰብ ድማ ብመሰረት ቁርአን፣ ሓዲሥ፣ ቃል ሱሓበታትን በምስትውዓልን ካብ ሰባት ጀሀነም ንምዃኑ ብሩህ ኮይኑ እዩ። ሙሽሪክ ብዝብል ሽም ተዘይፅዋዕ `ውን ናይቲን ናይዚን ምኽንያት ይመሳሰል፤ ሕጊ ብምኽንያት ዝፀንዕ እንተኮይኑ እቲ ምኽንያት ዝምልኸቶ ብሙሉእ አብዛ ሕጊ `ውን ይምልከቶ እዩ።

አኼራዊ ካብ ዝኾኑ ሕግታት ሙርተድ (ድሕሪ ምእማኑ ዝኸሓደ) ሰብ የውመል ቂያማ ክኾን ከሎ ምስኒ ፊርዓውን፣ ሀማን፣ ቃሩን፣ ኡበይ ቢን ኸለፍን ዝአምሰሉን መራሕቲ ክሕደት እዩ ካብ መቅበሩ ዝለዓል፤ እዚኦም ኸዓ መምሊሲኦም ረቢ ይሓልወና እምበር ናብ ሓዊ እዩ።

ሓደ ሰብ ሶላት ካብ ምግዳፍ ክርሕቅ አለዎ። ነብሱ አብኡ ክትረኽቦ ዝግባኣ መሰል አለዋ `ሞ ነብሱ ብምሕላይ መሰላ ክዋፃአላን ጎይታኡ ክፈርሕን ይግባእ።

“እዚ ሓደ ሰብ ሶላት ብምግዳፉ ካብ ሀይማኖት እስልምና ዘውፅኦ ዓይነት ኩፍሪ እዩ ዝከፍር ትብለዎ አባህላ ምስ ሓደሓደ ዑለማታት አባህላ ይፃባእ እዩ፤ ከም አባህላ እዞም ዑለማታት ካብ እስልምና አይወፅን፤ ግቡእ ንምዃና ዝከሓደ እምበር ብትህኪት ንዝገደፈ ማለት አይኮነን” ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል።

ነዚ መልሲ አለና: እወ! እዚ ዛዕባ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ኺላፍ (ብሓሳብ ዘይምስምማዕ) ካብ ዘለዎም ሓደ እዩ። ይኹን ደአ `ምበር አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአኑ “(ብሓሳብ) ዝተፈላለይኹምሉ ዛዕባ ናብ አሏህ እዩ ፍርዱ” (ሹራ 10) ብተወሳኺ አብ ዋኒን እንተተካቲዕኹም ብኣላህን ብናይ መጠረሽታ መዓልትን ትአምኑ እንተኾይኹም ናብ አሏህን ናብ ልኡኹን መልሱዎ፤ እዚ [ምግባርኩም] ድማ ዝሓሸን መወዳእትኡ ዝፀበቀን እዩ። (ኒሳእ 59) ከምዝበለና ናብ አላህን ልኡኹን እንተመሊስናዮ ንረኽቦ መልሲ እቲ ሰብ ካብ እስልምና ኸሐዲ ዘበሎ ብምግዳፉ እምበር ግቡእ ንምዃና ብዘይምቅባሉ ከምዘይኮነ እዩ ዘረድአና። እዚ ድማ አብ ዝሓለፈ ሕቶ መብርሂ ዝሀብናሉ እዩ።

 

ንሕና ብተራና ድማ ንሓቶ ብዛዕባ ሕግታት አላህ ካብ ልኡኹ ብዝሓሸ ይፈልጥ እየ ኢሉ ዝሕስብ አሎ `ዶ? ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝሓሸ መንገዲ ማዕዳ ይህብ ኢሉ ዝካታዕ አሎ ዶ? ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝሓሸ ይዛረብ ዝብል አሎ ዶ? ብዛዕባ ድልየት ዘረባኡ ካብኡ ብዝሓሸ ይፈልጥ ዝብል አሎ ዶ? እዚአን አርባዕተ ኩለን ሓደ ሰብ ክካተዐለን አይክእልን። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዛዕባ ኢስላም ፈላጥ፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንባርያታት አላህ ማዕዳ ዝህቡ፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዝዛረቡዎ ኪኢላን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዛዕባ ዝብሉዎ ፈላጥ ምዃኖም ተረዲእና ብናትናን በዞም ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ሶላት እዩ፤ ንዓኣ ዝገደፈ ካፊር ኮይኑ (82) ከምኡ `ውን አብ ሞንጎ ሓደ ሰብን ኩፍርን ሽርክን ዘሎ (መፍለይ ሓፁር) ሶላት ምግዳፉ እዩ። (83) አብ ዝብሉሉ እዋን ካብ ዘሎ መብርሂ ዝሓሸ እቲ ዝተውሀበ ፍርዲ አብ ምግዳፉ ዝተንጠልጠለ ንምዃኑ እንታይ ኽመፃና ኮይኑ እዩ? ብተወሳኺ ኸዓ ብምግዳፉ ዘይኮነ ብምክሓዱ እዩ ዝከፍር ንዝብል ድማ እቲ ዝመፀ አገላልፃ ብክልት መንገዲ ከምዝዘረገ ነረድኦ:

ቀዳማይ: ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ ሕጊ ዘንጠልጠሉሉ “ምግዳፉ” ዝብል መግለፂ ደብሪኻ

ኻልአይ: እቲ ሕጊ ዝንጥልጠለሉ መግለፂ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሉዎ ቃል ዘይሕብሮ ዓርሱ ዝኸአለ “እንተክሒዱ” ብዝብል ቃል ገሊፅካ፤ እንተክሑዱዋ ዝብል ቃል ግን አብ “ንዓአ ዝገደፈ ካፊር ኮይኑ” አብ ዝብል ዘየለ እንተሎ!

ብተወሳኺ ድማ ሓደ ሰብ ዋላ እናሰገደ ይኹን ግቡእ ንምዃና እንተክሒዱ ካፊር እዩ። እናሰገደ ግቡእ ንምዃና እንተክሒዱ ካፊር አይኾንን ትብል ዶ? ንብሎ “እወ ካፊር አይኮንን” አይብልን። እቲ ሓዲሥ “ዝገደፈ” ይብል “በቲ ሓዲሥ ዝድለ ክሒዱ ስገደፈ እዩ” ትብል ዶ? ብናትካ አተሓሳስባ ካፊር ዝኸውን ክሒዱ ዝገደፋ እዩ እምበር ከይገደፋ ዝኸሓደ አይኮነን። እዚ ድማ ዘይበሀል ዩ አይትብሎን። ብመሰረት እዚ አበሃህላኻ ተንኸይድ ኔርና ከይገደፋ ዝኸሓደ ሙስሊም ይኸውን ማለት እዩ ኔሩ። በዚ ዘረዳእናካ መንገዲ እቲ ሓቀኛ ዝኸውን ብትህኪት ዝገደፋ `ውን ካፊር ከምዝኸውን ግልፅን ንፁርን ይኸውን። እቲ ዝኸሓደ ማ ይስገድ አይስገድ ካፊር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

እዚአን ካብ ኢማም አሕመድን ዝመፀትን ከመይ ኮን ዘመሳሰሎም። ሓደ እዋን ንኢማም አሕመድ `ውን ሙእሚን ንዝኾነ ሰብ እናተፈለጦ ዝቀተለ መቅፃዕቱ አብ ውሽጣ ንዘልአለም ዝነብረላ ጀሀነም እያ፤ (ኒሳእ 93) ንዝብል ዓንቀፅ መበገሲ ገይሮም አብዚ “ሙእሚን ዝቀተለ” ብዝብል ዝተደለየ ምቅታል ሓላል ኢሉ ንዝቀተለ እዩ ዝብሉ ከምዘለው ምስተፀወዮም ኢማም ተደሚሞም “ምቅታል ሓላል እዩ እንተይሉማ ይቅተል አይቅተል ካፊር እዩ። በዚአ ዓንቀፅ እታ ሕጊ ዝተንጠልጠለት ግን አብ ምቅታልን ዘይምቅታልን እዩ።” ብምባል መሊሶም። ንሕና ንብለሉ ዘለና ብዛዕባ ሶላት ዝገደፈ ሰብ `ውን ካብዚ ዝተፈለየ አይኮነን። ብዛዕባ ሶላት ዝገደፈ ሰብ ብዘይ ፍልጠት ካብ ምዝራብና ብረቢ ንሕሎ። “ካፊር” ዝብል ፍርዲ ምሀብ “ሓራም”ን “ሓላል”ን ዝብል ፍርዲ ካብ ምሀብ ብዘይተፈለየ ካብ ሸሪዓ እዩ መሰረት ዝግበር። እዚአን ዝአምሰሉ ፍርዲታት ናብ ረቢ ኢና ንገድፎም። ሓደ ሰብ መሰረት ክገብር ዝግበኦ ድማ ቃል አላህን ልኡኹን እምበር እዚአን ዘይተሰረተ ፍሉይ ሓሳብ ክንደየናይ ይኹን ቦታ አይወሀቦን።

እዋናዊ