Back to Top

ሕቶ(87): ብዛዕባ ፍርዲ ሶላትን ግዴታ ትኾኖምን አረዲእኹምና ፤ ሶላት ዝገደፈ ኸ ዘለዎ ፍርዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ሰላት ምግዳፍ ዘለዎ ፍርዲ፤ ሶላት ዘገደፈ ሰብ ካብ ሀይማኖት ኢስልምና ወፂኡ ካፊር ኾይኑ ማለት እዩ። እዚ ድማ ብመሰረት ቁርአን፣ ሐዲሥ፣ ቃል ሱሓበታት ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ሚዛናዊ አረአእያን እዩ።

ቁርአን: ብዛዕባ ሙሽሪካት ኽፀውየና ከሎ ናብ ረቢ ንስሀ ገይሮም ሶላቶም ብዝግባእ እንተሰጊዶምን ዘካ እንተውፂኦም ብሀይማኖት አሕዋትኩም እዮም፤ ዓናቅፅና ንዝፈልጡ ሰባት ብሩህ ንገብር (ተውባ 11) እዚ ቁርአን ሶላት ንዘይሰግድ ካፊር ንምዃኑ መበገሲ ዝገበርናሉ ምኽንየት: አላህ በዘን ሙሽሪካትን ብአመንቲን ሕውነት ሀይማኖት ንኽፀንዕ ሰለስተ ቅድመ ኩነት ከም ዘለውዎ ሽርኪ ንስሀ ምእታው፣ ሶላት ብአግባቡ ምስጋድን ዘካ ምውፃእን ስለዝገበረ እዩ። ካብዚአን ሰለስተ ሓደ እንተጎዲሉ በሀይማኖት ሕውነት ክህሉ ከምዘይኽእል እዩ። ሀይማኖታዊ ሕውነት ዝተርፍ ድማ ካብ ሀይማኖቱ ዘውፅእ ምግባር ንዘለዎ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ እኩይ ምግባር ክንደየናይ ይዕበይ ናብ ኩፍሪ ደረጃ ክሳብ ዘይበፅሐ ካብ ሀይማኖታዊ ሕውነት አየውፅእን። አላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብዛዕባ ንሓው እናተፈለጦ ዝቀተለ ሰብ ንዑኡ (ነዚ ቀታሊ) ካብ ሓው (ደም) ንኡስ ንዘፍኾሰሉ ብፅቡቅ ምክትታልን ናብኡ (ናብ ዝሓዘነሉ) (እቲ ቀታሊ) ብፅቡቅ ክኸፍልን አለዎ።” (በቀራ 178) ዝበሎ ነዚ መበገሲ ዝኾነና እዩ። አብዚ ዓንቀፅ ቁርአን ከምንርደኦ ዋላኳ ሙስሊም ሓውካ እንተፈለጠካ ምቅታል አብ እስልምና ክፍፀሙ ካብ ዝኽእሉ ዓበይቲ ገበናት ሓደ ይኹን እዚ ቀታሊ ናይ ሙውት ሓው ገይሩ ገሊፅዎ። ብተወሳኺ አብ ሙእሚን ዝኾኑ ከልተ ወገናት እንተተቃቲሎም አብ ሞንጎኦም ዕርቂ ፍጠሩ፤ እታ ሓንቲ ካብታ ኻልአይቲ ወሰን ትሓልፍ እንተኾይና ኸዓ እታ ወሰን ትሓልፍ ዘላ ናብ ትእዛዝ ረቢ ክሳብ ትምለስ ተቃለሱ፤ እንተተመሊሳ ድማ ብማዕርነት ዕርቂ ፍጠሩ። ፍትሒ ግበሩ፤ አላህ ፍትሒ ንዝገብሩ ሰባት ይፎቱ።(9) አመንቲ አሕዋት ስለዝኾኑ ብማእኸልኩም (ንዘጓንፍ) ዕርቂ ፍጠሩ፤ ንኽሕዘነልኩም ድማ ረቢ ፍርሑ (ሑጁራት 9 10) አብዚ ቁርአን ከምንርደኦ እታ ሳልሳይን አብ ሞንጎ ተቀታተልቲ ዕርቂ ንዝትፈጥርን ዘላ `ውን ሕውነት አፅኒዑላ፤ እዚ ድማ ሕውነት ብኩፍር ተዘይኾይኑ ዓብይ ብዝኾነ ገበን `ውን ከምዘይንፀግ የርእየና።

ትንታነ ናይዛ ዓንቀፅ ኸዓ: እዞም ሰባት ምስ ዘለዎም ሽርኪ ዝቅፅሉ እንተኾይኖም ኩፍሪ ከምዘለዎም ብሩህ እዩ። እምነት አንከለዎም ሶላት ተዘይሰጊዶም `ውን “ናብ ረቢ ንስሀ ገይሮም ሶላቶም ብዝግባእ እንተሰጊዶም” ትብል ሀረግ ብሩህ ትገብረልና። ይኹን ደአ`ምበር ብዛዕባ ዘካ ዘይምሀብ አብ ሞንጎ ዑለማታት ዝተፈላለየ ሓሳብ እዩ ዘሎ። ብሓንበሊ መዝሀብ ካብ ኢማም አሕመድ ክልተ ዓይነት ሓሳብ እዩ መፂኡ።

ሓዲሥ ዝፈርዶን አብ ሓዲሥ ንርደኦን ግን ዘካ ዝገደፈ ካፊር ከምዘይኸውን እዩ። ነዚ ድማ ብአቡሁረይራ ረዲየሏሁ ዓንሁ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝመፀ ሓዲሥ ብዘለዎ ወርቅን ብሩርን ዘካ ከውፅእ ግቡኡ ኾይንዎ እንከሎ ግቡኡ ዘይፍፅም ዋላ ሓደ የለን፤ አብ መዓልቲ ትንሳኤ (ኩሎም ሰባት ካብ ሞት ዝለዓሉሉ መዓልቲ) ካብ ሓዊ ብዝኾኑ ሰሓነታት ተዘርጊሖም ናብ ሓዊ እንተአተወ ድአ። ብአተን ተገይሩ ኸዓ ይጥምጠመሉ፤ አብቲ ሓደ መዓልቲ ማለት ሓምሳ ሽሕ ዓመት አብ ዝኾነሉ እዋን ምስዘሓለ እናወዓየ አብ ሞንጎ ፍጥረታት ተወሲኑ ናብ ጀነት `ዶ ናብ ጀሀንም መንገዱ ክሳብ ዝፈልይ በዚ ይቅፃዕ። (77) ብመሰረት እዚ ሓዲሥ ከምንርደኦ ዘካ በይኑ አብ ላዕላይ ዓንቀፅ ተፈሊዩ ሓደ ሰብ ዘካ ዘይህብ ብምዃኑ ካፊር ከምዘይኾን የረድአና፤ ምኽንያቱ ካፊር ተዝኸውን ነይሩ ናይ ጀነት አማራፂ አይህልዎን ነይሩ።

ሓደ ሰብ ሶላት እንተገዲፉ ካፊር ከምዝኸውን አብ ሓዲሥ ዘለና መረዳእታ ድማ: ሙስሊም ብጃቢር ረድየሏሁ ዓንሁ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ሞንጎ ውልቀሰብን ኩፍርን ሽርክን ዘሎ ፍልልይ ሶላት እዩ። (78) ዝፀብፀቦ ሓዲሥ እዩ።እዚ ሓዲሥ ከም መበገሲ ዝገበርናሉ ምኽንያት ድማ: ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንሶላት አብ ሞንጎ እምነትን ክሕደትን (ምጥላም) ዘሎ ሓፁር ምግባሮም እዩ። እዚ ድማ ሶላት ንዘይሰግድ ሰብ ኢማን ከምዘይብሉ ብሩህ ገይሩ ዘርእየና እዩ። ናይ ሓፁር መንነት `ውን እዚ እዩ። ሓፁር አብ ሞንጎ ተሓፀርቲ ዘሎ ዶብ ማለት ስለዝኾነ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብዚ ኩፍር ንዝብል ዝተጠቀሙሉ አገላልፃ ከምአጠቃቅማ ቋንቋ ዓረብኛ አብ ሰባት ዝርከቡ ክልተ ነገራት ንዖኦም ኩፍሪ ዝኾኑ አለው፤ ዓሌታዊ ፅልኢን ቚዘማ ሓዘን) (79) አብ ዝብል ሓዲሥ ካብ ዝተጠቀሙዎ አገላልፃ ዝተፈለየን ዓይኑ ኩፍሪ ካብ ሀይማኖት እስልምና ምውፃእን ምጥላምን ዝብል ፍትሒ ዝወሀቦን አጠቃቅማ እዮም ተጠቂሞም። አብዚ ካልአይ ሓዲሥ “ንዖኦም ኩፍሪ ዝኾኑ” ዝብል አገላልፃ `ውን ብተወሳኺነት ካብ እስልምና ወፂኡ ከይኮነ በዚአን ክልተ ነገራት ጥራይ ዓብይ ገበን ከምዝፈፀመ እምበር ካብ እስልምና ምውፃኡ ከምዘይተደለየ ይሕብር።

አብ ሱሓበታት ካብ ዝተረኸበ ቃል መሰረት ዝኾነና ድማ ዐብደሏህ ብን ሸቂቅ ረሒመሁሏህ ናይ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሱሓበታት (ብፆት) ብምግዳፍካ ኩፍሪ ዝኾነ ነገር ሶላት ጥራይ ከምዝኾነ ይብሉ ነይሮም (80) ምባሉ ይርከብ። ኢስሓቅ ኢብኑ ራሀወይህ ኸዓ ብዛዕባ ሶላት ዝገደፈ ሰብ ካፊር ምዃን ኢጅማዕ (ሓድነት ድምፂ) ከምዘሎ ይሕብር።

ብተዘዋዋሪነት ድማ ሶላት፣ ክንደየናይ አገዳሲትን አብ ሀይማኖት እስልምና ዘለዋ ደረጃን አብ ቅድሚ ረቢ ኸዓ ንቕንቕ መበሊ ከምዘይብሉ እናፈለጠ እኹል ብዘይኾነ ምኽንያት ዝገድፋ አብ ውሽጢ ልቡ እምነት ከምዘይብሉ ብሩህ ዝኾነ መርትዖ እዩ። አብ ውሽጢ ልቡ ኢማን ተዝህሉ ነይሩ ነዛ ዓባይ ዝኾነት፣ ቁርአንን ሓዲሥን ኸዓ ጠመተ ንክግበረላ ዝአዘዙላ ሶላት አይምገደፉን ነይሮም፤ ሓደ ነገር ድማ ብዘለዎ አሰር ይፍለጥ፤ ስለዚ እዚ ሶላት ዝገደፈ ሰብ አብ ውሽጢ ልቡ ኢማን ተዝህሉ ነይሩ ነዛ ሶላት አብ ምግዳፍ ፅንዓት አይህልዎን ነይሩ።

ሶላት ዝገደፈ ሰብ ካብ ሀይማኖት እስልምና ብዝወፀሉ ዓይነት ካፊር ንምዃኑ ብመርትዖታት ሀይማኖትን ምስትውዓልን ብኸምዚ መገዲ ንርዳእ። ስለዚ ድማ ካብዚ ፀያፍን ብዙሕ ሰብ ዝተዘናገዐሉን ስራሕ ንክንርሕቅ ግቡእ ይኸውን። ይኹን ደአ `ምበር ማዕፆ ንስሀ ኽፉት እዩ። አላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአን ድሕሪኦም ሶላት ዘጉድሉ (ዝገደፉ) ድልየቶም ዝኽተሎም እኩያት ተተኪኦም፤ ሽንጥሮ ጀሀነም ድማ ይአትው እዮም። (59) ንስሀ አቲው ምስአመነ ሰናይ ንዝገበረ ግን እዞም ጀነት ይአትው እዮም። ዋላ ሓደ ዝዕመፅ የለን። (60) (መርየም 59-60)

ረቡና ሱብሓነሁ ንዓናን ንሙስሊሚን አሕዋትናን ካባና ብዘሕጉሶ መገዲ ንተአዛዝነቱ ይግጠመና።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ