ሕቶ(86): ብሶላት ዝግደዱ እንመን እዮም?
መልሲ:
ሙስሊም ኮይኑ ንእዋን ዕምበባ አብ ዝበፅሐ ጥዑይ አእምሮ ዘለዎ ኩሉ ወዲ ይኹን ጓል ግቡኡ እያ።
ሙስሊም: ክንብል ከለና ናይ ካፊር ተፃራሪ ማለት እንትኾን፤ ካፊር ድማ አብ ኩፍሪ ኾይኑ ሶላት ኽእዘዝ አይኮነን እንተስሊሙ ደአ! አብ ትንሳኤ መዓልቲ ግን መቅፃዕቱ አይተርፎን። አላህ ብቁርአኑ “ብዜካ ብፆት የማን {39} አብ ውሽጢ ጀነት (ሓደ ምስቲ ኻልእ) እናተሓታተቱ {40} ብዛዕባ እኩያት {41} ሰቀር (አብ ዝተብሀለ) ጀሀነም እንታይ አእቲውኩም {42} ‹ካብቶም ሰገድቲ አይነበርናን› ይብሉ።” (ሙደሢር 39 - 43) ንምንታይ ሰቀር ከምዝአተው መጀመርታ “ካብቶም ሰገድቲ አይነበርናን” ምባሎም ብምኽንያት ሰላት ዘይምስጋዶም ከምዝቅፅዑ ዘመላኽት ብሩህ መረዳእታ እዩ።
ንእዋን ዕምበባ ዝበፅሐ: ክንብል ከለና ድማ ካብ ምልክታት ዕምበባ እዋን ተንአሰ ሓደ ዝረአየ ማለት እዩ። ንአወዳት ሰለስት እንትኾና ንአጓላት ድማ አርባዕተ እዮም። ቀዳማይ አሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ምሙላእ ፤ ኻልአይ ብድቃስ ይኹን ብውነ ፈሳሲ ዘርኢ ምርአይ ፤ ሳልሳይ አብ ከባቢ ብልዕቲ ጨጉሪ ምብቋሉ እዚአን ሰለስቲአን ብሓባር ንአወዳትን ነአጓላትን ምልኮት ዝኾና እንትኾኑ ጓል በዚ ራብዓይ ትፍለ እሱ `ውን ወርሓዊ ፅግያ እዩ።
ጥዑይ አእምሮ ዘለዎ ክንብል ከለና ድማ ናይ ሕሙም / ፅሉል ተፃራሪ ንምባል እዩ። ብምኽንያት እርጋን ፅቡቅን እኩይን ምፍላጥ እንተአብይዎ `ውን ንምፍላይ ዘኽእሎም ጥዕና ስለዘየለ ሰብአይ ይኹን ሰበይቲ ሶላት ግዴታኦም አይኾንን።
ደም ወርሓዊ ፅግያን ደም ሕርሲን ድማ ካብ ግዴታ ሶላት ይዕቅቡ። እዚአን ክልተ ደም ምስተረኸባ ሶላት ግዴታ ስለዘይኮኖም።