Back to Top

ሕቶ(80): ከም ሕጊ ነጃሳ (ካብ ሶላትን ዝአምሰሉን ጡሀራ ዘድልዮም ነገራት ክዕቅብ ዝኽእል ረሳሕ) ዝኾኑ ነገራት ክበሀል ከሎ እንታይ ንምባል እዩ? እንታይ እንታይ ከ እዮም?
መልሲ:

ከም ሕጊ ነጃሳ ዝኾኑ ነገራት ክበሀል ከሎ ጡሀራ አብ ዝኾነ ነገር ዝዓረፈ ነጃሳ (ካብ ሶላትን ዝአምሰሉን ክዕቅብ ዝኽእል ረሳሕ) ማለት እዩ። ከምዚ ንዝበለ ድማ እቲ ነጃሳ ዝዓረፈሉ ባይታ ክነፅርዮን ክንሓፅቦን ግድን እዩ። ብፍላይ ድማ ጡሀራ ክኾን ግድን ዘብል ዋኒን ተትረኺቡ።

ቀዳማይ: እቲ ነጃሳ ዝዓረፈሉ ቦታ ነፅርየሉን ጡሀራ ንገብረሉን መንገዲ ድማ ከከም ኩነታቱ ይፈላለ። ንአብነት እቲ ነጃሳ ዝዓረፎ አብ ምድሪ እንተኾይኑ ዝለዓል ነገር እንተሀልይዎ ምስአልዐልና ማይ ምፍሳስ ጥራይ ይአክል። ምኽንያቱ ነቲ አብ ውሽጢ ሓፁር ናይ መስጅድ ንዝሸነ ሰብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብቲ ዝሸነሉ ቦታ ሓደ ባልዲ ማይ ድፍአሉ ጥራይ እምበር ግደፉዎ! (66) ስለዝበሉ። እዚ እቲ ነጃሳ አብ ምድሪ እንተኾይኑ፤ ዝለዓል ነገር እንተሀልይዎ ምስአልዐልና ሓደ ግዜ ማይ እንተደፊእናሉ ይአኽሎ።

ኻልአይ: እቲ ነጃሳ ዝዐረፎ አብ ምድሪ ከይኮነ አብ ኻሊእ እንተኾይኑን ናይ ከልቢ ነጃሳን እንተኾይኑ ድማ ሸውዓተ ግዜ እቲ ሓደ ብሓመድ ጌርና ንሓፅቦ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ከልቢ አብ አቁሑት እንተዘሪጉልኩም ሸውዓተ ጊዜ እቲ ሓደ ብሓመድ ጌርኩም ሕፀቡዎ (67) ስለዝበሉ።

ሳልሳይ: እቲ ነጃሳ አብ ምድሪ `ውን ከይኮነ ናይ ከልቢ ነጃሳ `ውን እንተዘይኾይኑ እቲ ሚዛናዊ ቃል ዑለማታት ብቀዳማይ ይኹን፣ ብኻልአይ ወይ ብሳልሳይ ወይ ብሓምሻይ ክሳብ ዝፀሪ ይሕፀብ ዝብል እዩ። አቲ ዓብይ ሓሳብ ምፅራይ ናይቲ ነጃሳ ስለዝኾነ ክሳብ ዝፀሪ ይሕፀብ። እቲ ነጃሳ ብልዒ ናይ ዘይጀመረ ህፃን ሽንቲ እንተኾይኑ ግን እቲ ነጃሳ በቲ ማይ ክሳብ ዝወሓጥ ማይ ብምፍሳስ ጥራይ ይፀሪ። ምሕፃብን ምሕካክን ዘድልዮ አይኮነን። ምኽኒያቱ እኽሊ ነይ ዘይጠዓመ ህፃን ነጃሳ ቀሊል ስለዝኾነ።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ