Back to Top

ሕቶ(73): (አብ እዋን ወዱእ ኣእጋርኻ ክንዲ ምሕፃብ) አብ (ዝገበርካዮ) ኹፍ (ካልሲ ቆርበት) ምሕባስ ፍርዱ እንታይ እዩ?
መልሲ:

(አብ እዋን ወዱእ ኣእጋርኻ ክንዲ ምሕፃብ)  አብ (ዝገበርካዮ) ኹፍ (ካልሲ ቆርበት) ምሕባስ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አዝዩ ብዙሕ [ሙተዋቲር] ሓዲሥ ካብ ዝመፀሎም ነጥብታት ሓደ እዩ።

አዝዩ ብዙሕ ሓዲሥ ካብ ዝመፀሎም ዛዕባታት

ብኣይ ዝሓሰወን ንአሏህ ዝሀነፀን በይት

ምርአይ ንጎይታና

ሸፋዓን ሓውድን ነብይና

አብ ካልሲ `ውን ምሕባስና

ንአብነት ይአኽላና

ከም ዝበሀል ማለት እዩ። (እዙይ ማለት ኸዓ አዝዩ ብዙሕ (ሙተዋቲር ብዝኾነ መንገዲ) ሓዲሥ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ዝመፁሎም ዛዕባታት

 

እናተፈለጦ ብአይ ዝሓሰወ አብ ሓዊ ኮፍ መበሊኡ የመቻቹ

አብ ዱንያ ንአሏህ ገዛ ሀኒፁ ሒሳቡ ካብ አላህ ዝደለየ፤ ረቢ `ውን አብ ጀነት ንዑኡ ዝኾን ገዛ ይሀንፀሉ

ወርሒ ብሩህ አብ እትኾነሉ እዋን ንምርአይ ከምዘይትፅገሙ አብ ትንሳኤ መዓልቲ `ውን ንጎይታኹም ከይተፀገምኩም ኢኹም ትርእይዎ።

ነዚ ኹሉ ነብይ ፍሉይ ዝኾነ ሓደ ዱዓ አለዎ፤ (ኩሎም ድማ ሓቲቶም ተዋሂብዎም አሎ) ናተይ ዱዓ ግን አብ እዋን ትንሳኤ ንህዝብታተይ ሽምግልና ንምጥያቕ እየ አቀሚጠያ

አብ ቅድሜኹም ጀርባእአዝረሕን ዝበሀሉ ቦታታት ከምዘለዎም ርሕቀት ዘለዎ ሓውዲ አሎ

ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ካለሲኡ (ኹፉ) አብ ሓናቱን ጥምጣሙ (ዒማማ) ይሕብስ ኔሩ።አዝዩ ብዙሕ ብዝኾነ መንገዲ ካብ ዝመፁ (ሙተዋቲር) ሓዲሣት አብነት ምግባር ይከአል።)

ቁርአን `ውን ርእስኹም ብምሕባስ አእጋርኹም ክሳብ ምናት ሕፀቡ፤ ጁኑብ (ምስ ተፃራሪ ፆታ ርክብ ፈፂሙን ብዝአምሰሉን ዝረኸሰ) እንተኾይንኩም `ውን (ነብስኹም) ሕፀቡ፤ ሕሙም ወይ ሙሳፊር እንተኾይንኩም ወይድማ ቀልቀል መፂኡ ወይ ደቂ አነስትዮ ነኺእኩም ማይ ተዘይረኺብኩም ፅሩይ ገፀ ምድሪ ሕሰቡ። ካብኡ ገፅኩምን አእዳውኩምን ሓብሱ። [ማኢዳ 6] አብ ዝብል ዓንቀፅ ቁርአን ዓረብኛ:

( فَاغْسِلُوا وُجُوهَكُمْ وَأَيْدِيَكُمْ إِلَى الْمَرَافِقِ وَامْسَحُوا بِرُؤُوسِكُمْ وَأَرْجُلَكُمْ إِلَى الْكَعْبَيْنِ )(المائدة: 6)

ከም ሕጊ ቋንቋ ዓረብኛ (ስዋስው) ክልተ ዓይነት ትርጉም ይህብ እቲ ሓደ

 (وَأَرْجُلَكُمْ). ንዝብል ቃል “ነስብ” ጌርና እንትንቀርኦ “ርእስኹም ብምሕባስ እግርኹም ሕፀቡ” ዝብል ይኾን። 

እቲ ኻልአይ ድማ

(وَأَرْجُلِكُمْ)ንዝብል ቃል “ኸፍድ” ጌርና እንተቀሪእናዮ ዝህበና ትርጉም ድማ “ርእስኹምን እግርኹምን ሓብሱ” ዝብል ይኾን

ብሓዲሥ ድማ እዚአን ክልቲአን `ውን መብርሂ መፂኡሎም አሎ። ርእስና ብምሕባስ እግርና ንሓፅቦ ኹፍ አብ ዘይገበርናሉ እዋን እንትኾን፤ ኹፍ (ካልሲ ቆርበት) አብ ዝገበርናሉ እዋን ድማ ርእስና (ገፅና) ን እግርናን ከምንሕብስ ካብ ሓዲሥ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም መብርሂ መፂኡሉ አሎ።

በዚ በለ በቲ አብ ኹፍ ወይ ከዓ አብ ካልሲ ቆርበት ምሕባስ ፅኑዕ መርትዖ ዘለዎ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኢማም አሕመድ “ብዛዕባ አብ ኹፍ ምሕባስ አብ ልበይ ዝተረፈ (ጥርጣረ) የለን።” ዝበለ። ይኹን ደአ `ምበር እዚ ክንብል ከለና ብዘይ ቅድመ ኩነት አይኮነን ቅድመ ኩነታት አለውዎ።

ቀዳማይ: እቲ ኹፍ ዝተገበረሉ እዋን እተን አእጋር ጡሀራ ምስኾኑ (ሸሪዓዊ ፅርየቶም ሓልዮም) ክኾን ይግባእ። እዚ ዝበልናሉ ድማ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፀ ብሙቒራ ብኑ ሹዕባ አብ ዝተመሓላለፈ ሓዲሥ ምስ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ጉዕዞ ነይረሞ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ውዱእ እንትገብሩ እቲ ኹፊ ኸውፅአሎም ስግግ ምስበልኹ ግደፎም: ጡሀራ ኾይኖም እዮም አቲዮምበሉኒ (60) ዝብል ስለዘሎ። አብ ዝባኖም ድማ ሓቢሱሎም። ስለዚ ሓደ ሰብ አእጋሩ ናብቲ ካልሲ ዘእተዎም ጡሀራ ከይኮኑ እንተኾይኑ አውፂኡ ንኽሓፅበን ግድን ይኾኖ። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አእጋሩ ንዘይምውፃእን አብ ዘለዎ ኮይኑ አብ ልዕሊ ካልሲኡ ንምሕባሱ ምኽንያት ዝገበሮ “ጡሀራ ኾይኖም እዮም አቲዮም” ኢሉ ጡሀራ ብምዃኖም ስለዝኾነ።

ኻልአይ: እስልምና አብ ዘቀመጦ ግዜ ገደብ ክኾን። እዚ ድማ አብ ዓዱ ንዘሎ ሰብ ሓደ ቀትርን ለይትን፤ ሙሳፊር (ገያሺ) እንተኾይኑ ድማ ሰለስተ ቀትሪ ምስ ለየቱ፤ እዚ ድማ ብውዱእ ጡሀራ ምስገበረ ኹፉ ድሕሪ ምእታው ውዱእ አፍሪሱ አብ ኹፉ ካብ ዝሓበሰሉ ሰዓት ይጅምር። ስለዚ አብ ሞንጎ ኹፉ ምግባሩን ውዱእ አፍሪሱ ፈላማይ ክሳብ ዝሓበሰሉ ዘሎ እዋን ዋላ `ኳ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ይኹን አይቁፀርን።

ንአብነት: ሓደ ሰብ ሰምበት ንጉሆ ንሱብሒ ሶላት ክብል ውዱእ ገበረ ፤ ምስጡሀራኡ ውዱእ ከየፍረሰ ክሳብ ዒሻ ቀፀለ ፤ ካብኡ ደቂሱ ሶኒ ንፈጅር ሶላት ምስተልዓለ ውዱእ እንትገብር አብ ልዕሊ ኹፉ ሓበሰ፤ ስለዚ እቲ ምቁፃር ካብ ናይ ሶኒ ፈጅሪ ውዱእ ዝገበረሉ ሰዓት ይጅምር። ምኽንያቱ ድሕሪ ውዱእ ምግባሩ ውዱእ አፍሪሱ ፈላማይ አብ ኹፉ ዝሓበሰሉ እዋን ሽዑ ስለዝኾነ።

ሳልሳይ ቅድመ ኩነት ድማ ንኽሕፀብ ግድን ዝኾኖ ከምኒ ጀናባ ንዝአምሰሉ ዓበይቲ ረኽሲ ከይኮነስ ከምኒ ፍታን ንዝአምሰሉ ውዱእ ንዘፍርሱ ንኡስ ዓይነት ረኽሲ ክኾን ይግባእ። አብ ኹፍ ምሕባስ ንጀናባ ክኾን ስለዘይኽእል። ንጀናባ እንተኾይኑ ዝገበሮ ካልሲ ብምውፃእ ሙሉእ ነብሱ ክሕፀብ ግቡእ ይኾኖ። ሶፍዋን ኢብኑ ዓሳል (ረዲየሏሁ ዓንሁ) ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዘመሓላለፎ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሙሳፊር እንተኾይንና ንጀናባ ተዘይኾይኑ ንፍታን፣ ንሽንትን ድቃስን ኢልና ዝገበርናዮ ኹፍ ( ካልሲ) ንኸይነውፅእ አዚዞምና (61) ካብ ዓሊይ (ረዲየሏሁ ዓንሁ) ብዝመፀ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ዓዱ ንዘሎ ሓደ መዓልቲ ምስ ለይቱ ንሙሳፊር (ንገያሺ) ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ለይቱ አብ ኹፍ ናይ መሐበሲ እኹል ሰዓት አፅኒዖም። (62)ኢሎም።

ኹፍ ንኽፍቀድ እዚአን ሰለስቲአን ቅድመ ኩነታት ክማልኡ ግድን እዩ። ኻልኦት ዑለማታት ካብዚ ወፃኢ ከም ቅድመኩነት ዘቀመጡዎም ነገራት አለው፤ ይኹን ደአ`ምበር መረዳእታ ዘይመፅአሉ ቅድመ ኩነት፣ ግዴታን ዕቀባን አይፀንዕን፤ ካብ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ድማ ነፃ ንምዃን መሰረታዊ ሓቂ ዑለማታት ኢስላም እዩ።

እዋናዊ