Back to Top
       ሽርክን ዓይነታቱን

ሙስሊማት ብዛዕባ ዘለዎም እምነት


ሕቶ(51): ብዛዕባ ዒሳ ኢብነ መርየም ሙስሊሚን ዘለዎም እምነት እንታይ ይመስል? ተቀቲሉ እዩ ሰቒሎሞ እዮም ምባል ከ ፍርዱ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ሙስሊሚን ብዛዕባ ዒሳ ኢብነ መርየም ዘሎና እምነት ረቢ ካብ ዝለአኾም ልኡኻት ጥራይ ከይኮነ ተባዕ ካብ ዝበሀሉ ሓሙሽተ ልኡኻት አላህ ነብዩ ሙሓመድ፣ ኢብራሂም፣ ሙሳ፣ ዒሳን ኑሕን ሶለሏሁ ዓለይሂም ወሰለም ሓደ ምዃኑ፤ እዚ `ውን ረቢ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ አብ ክለተ ቦታታት ካብ ነቢያት ፅኑዕ ቃሎም ካባኻ፣ ካብ ኑሕ፣ ካብ ኢብራሂም፣ ካብ ሙሳን ካብ ዒሳን አብ ዝሓዝናሉ እዋን (ዘክር) ካብአቶም ፅኑዕ ዝኾነ ቃል ሒዝና።”(አልአሕዛብ 7) አብ ዝብልን ካብ ሀይማኖት እቲ ንኑሕ ዝአዘዘሉ ንዓኹም ሓንፂፁልኩም። እቲ ናባኻ ዘውረድናዮ እቲ ብዑኡ ኢብራሂም፣ ሙሳን ዒሳን ዝአዘዝናሉ ሀይማኖት ብቅኑዕ መስርቱ ብዑኡ `ውን አይትፈላለዩ ኢልና (ሓንፀፅና)።” (ሹራ 13) ኢሉ ከምዝነገረና ንአምን።

ዒሳ ዓለይሂ ሰላም ብዘይ አቦ ካብ አዶ ጥራይ ዝተወለድ ወድ ሰብ ምዃኑ፣ ባዕሉ ንጎይታኡ ዜምልኽ እምበር ዘይምለኽ፣ ዘይእበይ ልኡኽ፣ ካብ መግለፅታት ረቢ ወላ ሓንቲ ዘይብሉ እኳደአስ ረቢ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ንሱ ጸጋ ዝገበርናሉ ንእስራኤላውያን ምስላ ዝገበርናዮ ባርያ እምበር ኻሊእ አይኮነን። (ዙኽሩፍ 59) ኢሉ ከምዘፍለጠና ምዃኑ ንአምን።

ንሱ ንዑኡን ንአዴኡን ካብ ረቢ ወፃኢ ዝኾኑ አማልኽቲ ኮይኖም ንኽምለኹ ንህዝብታቱ አየምሀረን። ንህዝቡ ዘምሀሮም ጎይታይን ጎይታኹምን ዝኾነ አላህ አምልኹ”(አልማኢዳ 117) ኢሉ እዩ ዝአዘዞም። ብተወሳኺ አላህ ዒሳ አብ ቅድሚ ረቢ ልክዕ ከም አደም እዩ፤ ካብ ሓመድ ፈጢሩ ‹ኩን› በሎ ኮነ ኸዓ።” (አልዒምራን 59) አብ ሞንጎኡን አብ ሞንጎ ሙሓመድን ኻሊእ ልኡኽ ከምዘየለ ንአምን። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ዒሳ ወዲ መርየም `ውን ንህዝቢ እስራኤል! ደቂ እስራኤል! ብርግፅ አነ ነቲ ቅድመይ ዝወረደ ተውራት ከረጋግፅን በቲ ድሕረይ ዝመፅእ አሕመድ ሽሙ ልኡኽ ከብስረኩምን ናባኹም እተላእኹ ልኡኽ አላህ እየ።”(ሶፍ 6) ኢሉ ከምዝሓበረና።

ሓደ ሰብ ዒሳ ግዙእ (ባርያ)ን ልኡኽን አላህ፣ አይሁድ ካብ ዝገለፁሉ “ዲቃላ” ኮይኑ ተወሊዱ “ዲቃላ” ኮይኑ ዓብዩ ዝብል መግለፂ ዝረሓቀን ዘይግበኦ ዓመፅን ምዃኑ ክሳብ ዘይአመነ ሙስሊም ናይ ምዃን እምነቱ ዝተማለአ አይኮንን። በቲ ኻሊእ ወገን ክርስቲያናት ንዑኡን ንአዴኡን ከም አምላኽ ገይሮም ገሊኦም “ውላድ አላህ እዩ” ገሊኦም ኸዓ “አላህ ሰለስተ ስላሴ እዩ” ኢሎም ካብ ዝበሉሉ ወሰን ዝሓለፈ አረአእያ `ውን ሙስሊሚን ዝፀረዩ እዮም።

ብዛዕባ ተቀቲሉን ተሰቒሉን ዝተብሀለ ኸዓ ከምቲ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ አይቀተሉዎን አይሰቐሉዎን `ውን፤ ግን (እቲ ዝተቐትለ ብዒሳ) ተመሳሲሉዎም። እቶም ብዑኡ ዝተፈላለዩ ካብ ናቱ (ምቅታል) አብ ጥርጣረ እዮም። ብዛዕባኡ ብዘይ ጥርጣረ ወድዓዊ ፍልጠት የብሎምን። ብርግፅ አይቐተሉዎን። {157} እኳደአስ አላህ ናብኡ አልዒልዎ፤ አላህ ኸዓ አሸናፍን ጥበበኛን እዩ። {158} ካብ ሰባት መፅሓፍ ቅድሚ ምሟቱ ብዑኡ ዝአምን እምበር (ወላ ሓደ)የለን።  አብ እዋን ትንሳኤ ይምስክረሎም።{159} (ኒሳእ 157‐159) ከምዝበለ እዩ እቲ ሓቂ።

ዒሳ ኢብነ መርየም ተቀቲሉን ተሰቒሉን ኢለ ዝአምን ንቁርአን ሓሶት እናገበረ እዩ ማለት ይኸውን። ቁርአን ይጋገ እዩ ዝብል ድማ ካፊር ጥራይ እዩ። ንሕና ከም ሙስሊሚን ዒሳ ዓለይሂ ሰላም ከምዘየተቐተለን ከምዘይተሰቐለን ኢና ንአምን። አይሁዳት ቀቲልናዮን ሰቒልናዮን ኢሎም ዓብይ ዝኾነ ሓሶት ይዛረቡ እዮም። ዒሳ አይተቐተለን አይተሰቐለን እቶም ሰባት ግን ካብ ባዕሎም ሓደ ዝኾነ እቲ አላህ ናይ ዒሳ መልክዕ ሽዑ ዝደርበየሉ እዮም ቀቲሎም። ድሕሬኡ “መሲሕ ወዲ መርየም ቀቲልናዮ” በሉ። እቲ ኃጢአት ምቅታልን ምስቓልን ዒሳ ድማ ብምስክርነት ልሳኖም ዘረጋግፁዎ ናይ ባዕልቶም ኃጢአት አለዎም። አላህ ዓዘ ወጀል ግን ንባርያኡ ካብዚ ኹሉ ሰቆቓን ጸበባን ረድኤትን ሓለዋን ገይሩሉ ናብ ሰማይ አልዒሉዎ እዩ። አብ መወዳእታ መዓልቲ ናብ ምድሪ ከምዝወርድን ብናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሸርዒ ሰባት የመሓድር፤ ድሕሬኡ አብዚአ አብ ምድሪ ከሎ ይሞትን ይቅበርን። ካብ ምድሪ ዝለዓል ኸዓ ምስ ኻልኦት ደቅ ሰባት ብሓባር እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ካብአ ፈጢርናኩም፤ ናብአ ንመልሰኩም፤ ንኻሊእ ግዜ ካብአ ነውፅአኩም።” (ጧሀ 55) ከምዝበለን ብተወሳኺ ብአ ህይወት ረኺብኩም ትሞቱ ካብአ ድማ ነውፅአኩም።” (አልአዕራፍ 25)

እዋናዊ