ሕቶ(41): ሲሕሪ ሓቅነት አለዎ ዶ? ወይለ ዘመሳስሉዎ፣ ወይ ሰባት መሲሉ እናተረአዮም እዩ?
መልሲ:
ሲሕሪ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። ወድዓዊ ፅዕንቶ ኸዓ አለዎ። እዚ ክንብል ከለና ንሓደ ነገር ኩነታት ተፈጥሮ ዝቕይር ንአብነት ዘይንቀሳቐስ ዘንቀሳቕስ፣ ንዝንቀሳቐስ ጠጠው ዘብል እንተኾይኑ ግን ኺያል (መሲሉ ዝረአይ) እምበር ሓቂ አይኮነን። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ብዛዕባ ሳሒራት ፊርዓውን ክዝቲ ከሎ “…አብ ዓይኒ ሰባት ስሒሮም (ደጊሞም)። አፈራሪሖሞም። ዓብይ ሲሕሪ ሒዞም መፂኦም።” (አል‐አዕራፍ 116) ዓይኖም ስሒሮሞም ከመይ ማለት? ማለት `ውን አዒንቶም ነዚ ገመድን በትርን ልክዕ ከም ተመን ኮይና ከምትንቀሳቐስ ክሳብ ዝረአዮም ሲሕሪ ሰሪሖምሎም። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “… ብምኽኒያት ዝሰርሑዎ ሲሕሪ ዝጎይዩ ተመን (መሲሎም)…” (ጧሀ 66) ከምዝበለ። ስለዚ ሲሕሪ ተፈጥሮአዊ እንታይነት ዝቕይር ንዘይንቀሳቐስ ዘንቀሳቕስ፣ ንዝንቀሳቐስ ጠጠው ዘብልን ዝአምሰሉን ዓይነት እንተኾይኑ ነዚ ኽገብር ፅዕንቶ የብሉን። ግን አብቲ ሲሕሪ ዝተገበረሉ ሰብ ዝንቀሳቐስ ጠጠው ከምዝበለ ጠጠው ዝበለ ከምዝንቀሳቐስ መሲሉ ክሳብ ዝረአዮ ጽልዋ ከሕድረሉ ከምዝኽእል ብሩህ እዩ። ስለዚ ሓቂ እዩ፤ አብ አእሙሮን ስምዒትን ፅልዋ የሕድር እዩ፤ አብ መወዳእታ ከጥፍኦ `ውን ይኽእል።